2016 ዝለዓለ መጠን ወሰኽ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ዝተርኣዮ ዓመት ኮይኑ

ካብ ዝተቓፀለ ከሰል ዝወፅእ ትኪ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ንጥፈታት ደቂ-ሰባት ዝፍነዉ በከልቲ ጋዛት እንተነከዩ'ውን፡ ኣብ ከባቢ ዝፍፀር ፀቕጢ ግን እናወሰኸ እዩ።

ኣብ ከባቢ ኣየር ዝፍጠር ፃዕቂ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ (ዝተቓፀለ ጋዝ) ካብ ቅድሚ ሕዚ ብዝለዓለ፡ ኣብ 2016 ከምዝተመዝገበ ትካል ሜትሪዮሎጂ ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ወሰኽ፡ ኣብ ውሽጢ ሕሉፋት 10 ዓመታት ካብ ዝነበረ ማእኸላይ መጠን፡ ብ50 ሚኢታዊት ሓለፋ ኣለዎ።

ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፤ ዝተመረዘ ጋዝ ኣብ 800,000 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ክውስኽ ዝኸኣለ፡ ንጥፈታት ደቀ-ሰባትን ኤልኒኖ ብሓባር ብዝፈጠርዎ ፅዕንቶ እዩ።

ሳይንቲስታት ብወገኖም፡ ምስ ምንካይ ዋዒ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ምዕዋት ከምዝፈታተን ሓቢሮም።

ትካል ሜትሪዮሎጂ ዓለም፡ ን51 ሃገራት ብምፅናዕ'ዩ ናይዚ ዓመት ፀብፃብ መጠን ልቀት በከልቲ ጋዛት ዕላዊ ዝገበረ። እቶም ዝተዘግርሑ መቆፃፀሪ ኖቑጣታት ድማ፡ ፃዕቂ ንመጠን ዋዒ ምኽንያት ዝኾኑ ጋዛት (ከም ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ፣ ሜቴንን ኒውተረስ ኦክሳይድን ) እዮም ዓቂኖም።

እቶም ዕላዊ ዝተገበሩ ኣሃዛት ድማ፡ ነቶም ብኸም ውቅያኖሳትን ባዮስፌርን ካብ ዝተሰተዩ ዝተረፉ ጥራሕ ይገልፁ። (ውቅያኖሳትን ባዮስፌርን ንበከልቲ ጋዛት ናይ ምዕቃብ ተኽእሎ ኣለዎም።)

ኣብ 2016፡ ብማእኸላይ 403.3 ppm (ፓርትስ ፐር ሚልዮን - ብሜላ መዕቀኒ እቲ ዓውዲ)፡ ፃዕቂ ተመዝጊቡ። ኣብ 2015 ግን 400 ነይሩ።

ዶክተር ኦክሳና ታራሶቫ (ኣብ ትካል ሜትሪዮሎጂ ዓለም ዋና ተቖፃፃሪ ፕሮግራም መፅናዕቲ ከባቢ ኣየር) "ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝለዓለ እዩ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ዝለዓለ ወሰኽ ዝተመዝገበ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኤል ኒኖ መሰጋጠመ እዩ ነይሩ። ሽዑ 2.7ppm ዝነበረ እንትኸውን፡ ሕዚ ዝተመዝገበ ወሰኽ ግን 3.3ppm እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዝተርኣየ ወሰኽ፡ ብ50 ሚኢታዊት ይዛይድ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ብምኽንያት ኤል ኒኖ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ደርቂ፡ ተኽልታትን ካርቦን ናይ ምምጣጥ ዓቕሞም ክምዝዳኸም ገይሩ።

ኤልኒኖ፡ ተኽልታት ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ናይ ምምጣጥ ዓቕሞም ከምዝዳኸም ብምግባር፡ ኣብ ከባቢ ኣየር ዝህሉ መጠን ዝተበከለ ጋዝ ከምዝውስኽ ገይሩ።

እቲ መፅናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ መጠን ብደቀ-ሰባት ዝፍጠር ብኽለት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነክዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ዝተርኣየ መጠን ወሰኽ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ፡ ዳርጋ ኣብ መዛዘሚ እቲ ንመወዳእታ ግዜ፡ ዝለዓለ ምንካይ ዋዒ ዝተራእየሉን ብዝሒ በረድ ክፍጠር ዝኽኣለሉን እዋን (Ice age) ካብ ዝነበረ ዳርጋ ብ100 ግዜ ዝተዓፃፀፈ እዩ።

ልዑል ወሰኽ መጠን ካርቦን ዳይ ኦክሳይድን ካልኦት ጋዛትን፡ ካብ ግምት ንላዕሊ ብዝኾነ ኣጋጣሚ፡ ኩነታት ኣየር ኣብ ምልዋጥ እጃም ኣለዎም። እዚ ድማ ንስነ-ምህዳራውን ቁጠባውን ኩነታት የመዛብል" ይብል እቲ መፅናዕቲ።

Image copyright Anthony Dubber
ናይ ምስሊ መግለጺ ንፃዕቂ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ክከታተላ ካብ ሞንጎ ዝተዳለዋ መሳርሒ -ብሪቲሽ ኣንታርክቲክ ሰርቨይ ሃለይ

እቲ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ፥ ካብ 1990 ጀሚሩ መጠን ዝምንጭዉ መርዛም ጋዛት ብ40 መኢታዊ ወሲኹ። እዚ እዩ ድማ ከባቢና ካብ ዓቐን ንላዕሊ ከምዝመውቕ ዝገብሮ ዘሎ።

" ብመልካዓ-ምድራዊ ኣዘራርባ፥ ብዙሕ ሙቐት ናብ ኣየር ከም ምውጋእ ማለት እዩ" ይብሉ ዶ/ር ታራሶቫ።

"ቅድም ሕዚ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዓመታት ዝመፅእ ዝነበረ ለውጢ፡ ሎሚ ኣብ ሓፂር ጊዜ ብቕልጡፍ እዩ ዝረአ። ንምንታይ ከምኡ ከምዝኾነ እኹል ፍልጠት ኣይብልናን፥ እዚ ብዙሕ ዘጭንቕ እዩ"።

ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፥ ኣብዚ ሐዚ ዝምንጩ ዘሎ መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ (CO2) ቅድም ክብል ኣብ መንጎ 5̄ ሚልዮን ክሳብ 3 ሚልዮን ዘመነ ፍጠረት ዘጋጠመ እዩ። ኣብቲ እዋን ሙቐት ከባብያዊ ኣየርና 2-3 ዲግሪ ሴንትግሬድ ነይሩ። ብሰንኪ ካብ ግሪንላንድን ካብ ምዕራብ ኣንታራክቲካን ዝመክኽ በረድ ጽፍሒ ባሕሪ ድማ ካብ 10-20 ሜትሮ ሓፍ ዝበለ ነይሩ።

ብዛዕባ ከባብያዊ ምንፃፍ ኣየር ዝነጥፉ ካልኦት ተመራመርቲ ፥ ትካል ዓለም ለኸ ሜትሪዮሎጂ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዕላዊ ዝገበሮ እዚ ውፅኢት መፅናዕቲ መደንገፂ ምዃኑ ይዛረቡ።

ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ፥ ካብ 2015 ክሳዕ 2016 ኣብ ዘሎ ዓመት ዝመንጨወ መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ካብ 1990 ክሳብ 2000 ናይ ዝመንጨወ ዕፅፊ እዩ፥ ይብሉ ኣብ ሮያል ሆሎዎይ (ለንደን ዩኒቨርሲቲ) ተመራማሪ ፕሮፌሰር ኡዋን ኒስበት።

"ካብ ኣግራብ ዝቑረፅ ፍሓም ምጥቃም ጠጠው ኣቢልና፥ ቅድም ክብል ዝተፈረመ ስምምዓት ፓሪስ ክነኽብር ይግባእ። ብርግፅ ክሳብ ሐዚ እቲ ለውጢ ኣየር ኣይተመዝገበን 'ምበር ሓደ ሐደ ምልክታት ይረአዩ ኣለዉ"።

Image copyright WMO
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳይንቲስታት፡ - ካብ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኖቕጣ ንመፅናዕቶም ዝሕግዝዎም ኣየራት እንትእክቡ

ካልእ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ፅፍሒ ኣየር ዝርከብ ሚቴን እናተብሃለ ዝፅዋዕ መርዛም ጋዝ መጠን እናወሰኸ ምምፅኡ እዩ። ፕሮፌሰር ኒስበት፥ እዚ ዝተሓላለኸን ባዕሉ ንባዕሉ ዝመጋገብን ፀገም ይብልዎ።

መጠን ሚቴን ካብ ዝግመት ንላዕሊ እናወሰኸ ዝመፀ ካብ 2007 ጀሚሩ እንትኸውን ብፍላይ ከኣ ካብ 2014-2016 እቲ ወሰኽ ጠገለ የብሉን። እዚ ኣብ ጉባኤ ፓሪስ ክኾን እዩ ተባሂሉ ዝተገመተ ኣይነበረን። ኣብ ውሽጢ ሚቴን ዝርከብ ተፈጥሮ ካርቦን ከምዝሕብሮ ድማ እቲ ልዑል ወሰኽ ካብ ቃፀሎ ፈሓም ዝመነጨወ ኣይኮነን።

"ሚቴን ብኽንድዚ ዝኣክል መጠን ሓፍ ዝበለሉ ምኽነያት ኣይተረደአናን" ይብሉ እቶም ተመራማሪ።

እዚ ዘይተገመተ ልዑል ወሰኽ ሚቴን፥ ኣብ ጉባኤ ፓሪስ ምስ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ዝፃባእ ምዃኑ ካልኦት ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

"እቶም ኣሃዛት ኣይሕስዉን ዘለዉ። ሐዝውን ብዙሕ ጋዝ ኢና ናብ ኣየር ነመንጭው ዘለና ማለት እዩ። እዚ ድማ ጠጠው ክብል ኣለዎ" ይብሉ፥ ሓላፊ ኢንቫይሮንመንት፡ ውድብ ሕቡራት መንግስታት እሪክ ሶልሂም።

"ኣብ ኢድና ብዙሕ ፍታሕ ኣለና። ካባና ዝድለ ዓለምለኸ ፖሊቲካዊ ቆራፅነትን ንጥፈትን ጥራሕ እዩ"።

እዚ ፀብፃብ ወፂኡ ዘሎ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ሰሙን ኣብ ጀርመን ከተማ ቦን ለውጢ ኣየር ኣመልኪቱ ኣኼባ ንምካያድ ኣብ ምድላው ኣብ ዝርከበሉ እዋን እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሃገሮም አመሪካ ብዛዕባ ኣየር ኣመልኪቱ ካብ ዝግበር ልዝብ ንኽትወፅእ እንተወሰኑ 'ኳ፥ ኣብ ጀርመን ከካየድ ኣብ ዝተሓሰበ ኣኼባ ግና ስምምዕ ፓሪስ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዝዓለመ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት