ኣዝዩ ውሑድ መራፂ ዝተሳተፈሉ ውፅኢት መረፃ ኬንያ ዕላዊ ዀይኑ’ሎ

uhuru kenyata won hte repeat election in 2017 Image copyright TONY KARUMBA

ዳግም ንኽካየድ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነሉ ፕሬዚደንታዊ መረፃ ኬንያ ኣዝዩ ውሑድ መራፂ ተሳቲፍሉ። ንሞት ውሑዳት ሰባት እውን ጠንቂ ዝዀነ ጐንፂ ኣስዒቡ'ዩ።

ኣብ ኣርባዕተ ከባብታት ደገፍቲ ተቓዋሚ ውድብ ምስ ፖሊስ ስለዝተላተሙ ኣብዞም ከባቢታት እቲ መረፃ ንዘይተወሰነ እዋን ተናዊሑ'ዩ።

ኰይኑ ግና ሓላፊ ቦርድ መረፃ ኬንያ ዋፉላ ቼቡካቲ ሰኑይ ኣጋምሸት ውፅኢት መረፃ ዕላዊ ገይሮም'ዮም።

ብመሰረት'ዚ ንውድብ ጁቢሊ ወኪሎም ዝቐረቡ ፕሬዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዳግም 98 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ተዓዊቶም።

ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ካብ ዝተመዝገበ 19 ሚልዮን ህዝቢ 38 ሚኢታዊ ወይ ከዓ ትሕቲ 8 ሚልዮን ህዝቢ ተሳቲፉ። ካብዚ ድማ 7 ሚልየን መራፂ ንኡሁሩ ኬንያታ ከምዝመረፀ ቦርድ መረፃ ገሊፁ።

ነሓሴ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ንምምራፅ ካብ ዝተመዝገበ ህዘቢ 77 ሚኢታዊ መሪፁ ምንባሩ ይዝከር። ቦርድ መረፃ ከይዲ እቲ መረፃ ነፃ፣ርትዓውን ሰላማውን ምንባሩ ድማ ኣፍሊጡ'ዩ።

ውድብ ናሳ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ብዝተገብረ ውፅኢት መረፃ ተዘይተሰማሚዑ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ጥርዓን ናብ ሃገራዊ ቤት ፍርዲ ከቕርብ ከምዘለዎ ተገሊፅ'ሎ።

ኣድለይቲ ረቑሓታት ኣይተማልኡን ብዝብል ነቲ መረፃ ዘይተቐበሉዎ መራሒ ውድብ ናሳ፥ ራይላ ኦዲንጋ ፅባሕ ብዛዕባ ቀፃሊ ዝውስድዎ ስጉምቲ ዕላዊ ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም።

ቢቢሲ ኣብ መረፃ ኬንያ ተደሪኹ ዘቕርቦም ፀብፃባት ክቕፅል እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት