"ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኦሮሞን ቅርሕንቲ ምፍጣር ኣይከኣልን"

ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ Image copyright FB
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓላፊ ቢሮ ሓበሬታ ክልል ኦሮምያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ

ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣማዕድዩ እናቋመተ ዘርኢ ስእሊ ኣሰንዩ፡ ተወለድቲ ትግራይ፡ ትማሊ ኣብ ነቀምቲ ብእምኒ ተቐጥቂጦም ከምዝተቐተሉ ኣምሲሉ፡ ዝተነዝሐ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሐቐን ፖሊስ ተወሳኺ ምፅራይ እናገበረ ምዃኑን ሓላፊ ቢሮ ሓበሬታ ክልል ኦሮምያ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ንቢቢሲ ኣረዲኦም።

እቶም ሓላፊ፡ ሞት ናይ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ዜጋ ዘሕዝን ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ሎም መዓልቲ ካብ ፖሊስ ጣብያ ነቀምቴ ኣፃርየ ብዝረኸብኩዎ መሰረት፥ ብዛዕባ መንነት እቶም መወትቲ ዝተዘረበ ዝተሰሓሓተን እዩ፤ ብሱሩ እውን ተጋሩ ኣይኮኑን" ኢሎም።

ኣቶ ኣዲሱ ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ በዓል ብዝተፈጠረ ሁከትን ኣብ ርእሲ እቶም ሰለስተ ዝሞቱ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት እውን ዝለዓለ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ጣብያ ከተማ ነቀምቴ ኮማንደር ጌታቸው ኢታና፥ ንሓደ ከባብያዊ ሬድዮ ከምዝገለፁዎ፥ ነቲ ሁውከት መሰረት ኮይኑ ዝበሉዎ፡ ኣብ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ተኣኪቡ ተረኺቡ ዝብል ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ ምዃኑ ውን ተዛሪቦም።

ሓደ ሓደ ውልቀ ሰባት፡ ነቲ ዕግርግር ተጠቒሞም ናብ ስርቅን ወረራን ከምዘድሃቡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

እዚ ዕግርግር ክለዓዓልን ጉድኣት ክበፅሕን ምኽንያት ዝኾኑ 16 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡ ምርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ሓላፊ ሪፈራል ሆስፒታል ነቀምቴ ኣይተ ኣብርሃም፥ ንቢቢሲ ከምዝገለፆዎ፥ ኣብቲ ዕግርግር ጉድኣት ዝበፅሖም 9 ሰባት ናብቲ ሆስፒታሎም ከምዝመፁን፥ ካብ መንጎኦም እቶም ኣርባዕተ ናይ ሕክምና ድጋፍ ረኺቦም ከምዝወፁን ገሊፆም። ክብድ ዝበለ ጉድኣት ዝበጽሖም እቶም ዝተረፉ ግና ግልጋሎት ሕክምና ይረኸቡ ምህላዎም ተዛሪቦም።

ብተዛማዲ ዜና፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ብፍላይ ኔትወርክ ብሮድካስት ኦሮምያ (ኦቢኤን) ''ኣብ ቀረባ እዋን ሓደ ውልቀ ሰብ ዶላር ሒዙ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክንቀሳቐስ ተረኺቡ'' ኣብ ዝብል ዜናኡ፡ ንብሄር ናይቲ ተጠርጣሪ ረቝሑ

ምጽብጻቡ ብህጹጽ ክእረም ኣለዎ እንትብል ብ20 ጥቅምቲ ደብዳቤ ጽሒፉ'ዩ።

''ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኦሮምያን ኣፈላላይ ምፍጣር ኣይከኣልን'' ዝበሉ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ብወገኖም ቅድም ኢሉ ቴሌቭዥን እቲ ክልል፡ ማለት እውን ኦቢኤን እቶም ብጥርጣረ ዝተትሓዙ ሰባት ምስ ህዝቢ ትግራይ ብምትሕሓዝ ዘቕረቦ ኣጸባጽባ ጌጋ ምንባሩ ኣሚኖም።

ቦርድ ቴሌቭዥን እቲ ክልል፡ ትማሊ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ገምጋም ኣካይዱ፡ ኣብቲ ጸብጻብ ዓብይ ጌጋ ምንባሩን ከምዚ ዝበለ ጌጋ ንኸይድገም ድማ ኣንፈት ከምዝተነጸረ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ'ቲ ጸብጻብ ዘቕረበ ጋዜጠኛ ድማ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣይተ ኣዲሱ ኣብሪሆም።

''ቅድሚ ሎሚ ተመሳሳሊ ጌጋ ፈጺሙ ምንባሩን ዘይምንባሩን ድማ ንግምግም ኣለና" ኢሎም።

ኣብ ከተማታት መቱን ካልኦትን፡ ኣብ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ማእሰርትን ምንግልታዕን ኣመልኪቱ ብዛዕባ ዝውረ ዘሎ ግቡእ ምጽራይ ይካየድ ከምዘሎ እውን ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ግልጺ ገይሮም።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣማስዩ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ተቐቲሉ ተባሂሉ ሎም መዓልቲ ኣብ ዓድግራት ስነ ስርዓት ቀብሩ ዝተፈጸመ ነብስሄር ሙሴ ብርሃነ፡ ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፌስቡክ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ፍጹም ጌጋ ምዃኑ ስድርኡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ዓብይ ሓዉ በላይ ብርሃነን ኣባል እቲ ስድራ ተመስገን ገብረእግዚኣብሄርን ብቴሌፎን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ''ሞት ሓውና ምስቲ ኩነታት ከምዘይተኣሳሰርን እቲ ዝውረ ዘሎ ጌጋ ምዃኑን ክፍለጠልና ኣለዎ'' ክብሉ ሓቢሮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት