ኣብ ሰሌዳ ብራና ዝጠልቀየ መበቆል ጥበብ ኢትዮጵያውያን

ተወልደብርሃን ጠልሰምን ካልኦት ናይ ባዕሉ ድርሰት ይስእል
ናይ ምስሊ መግለጺ ተወልደብርሃን ኣብ ጠልሰም ጣንዩ፤ ኰይኑ ግና ናይ ባዕሉ ድርሰት ሓዊሱ ይስእል

ጠልሰም ልሙድ ቅዲ ስእሊ እዩ ምባል ኣይከኣልን፤ የግዳስ ዝተፈለየ ሓይሊ ዘለዎ ጥበብ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ካብ ካልኣይ ክፍለዘመን ኣትሒዞም ዝጀመርዎ ቅዲ ጥበብ እዩ።

እቲ ካልእ ዓለም "ማጂክ ኣርት" ብምባል ይፅውዖ።

እቲ ኣበየ ገዳማት ኢትዮጵያ ኣብ ሰሌዳ ብራና ዝጠልቀየ መበቆላዊ ጥበብ እዩ ጠልሰም ዝበሃል ዘሎ።

ቃል እንትድመሮ ድምፂ፣እንትውሰኾ መስመር ይኸውን ጠልሰም ስእሊ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ 9 ጠልሰምቲ ኣለዉ፤ካብዚኦም እቶም 5 ኣብ ገዳማት እዮም ዝነብሩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ቃል እንትድመሮ ድምፂ፣እንትውሰኾ መስመር ይኸውን ጠልሰም ስእሊ

ኣብ ኢትዮጵያ ጠልሰማዊ ስእሊ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ይውዕል። ኣብነት ንፈውሲ ዝጠቅም ጠልሰም፥ክታብ፣ማዕረ ቑመት፣መሰውርን ካልኦትን ምፅራሕ ይከኣል።

ንሰብ ግርማ መጐስ ደሪቡ ዘድምቕ፣ነቲ ደቂቕን ፍሩይን ዝያዳ ኣግዚፉን ኰሊዑን እውን የቕርብ።

ኣብ ልዕሊ ርእሲ ሰብ ንዝሓደረ ጋንየን ጐዘሞን ጭማራን ኰይኑ ዘጥቅዕን ዝከላኸልን እውን እዩ። ንኣብነት ኣቃቤ ርእስ።

ኣብ ጠልሰም ብሓይሊ ድምፂ ሰባት ተኣምራዊ ጉልበት ዓጢቖም ከቢድ ሸኽሚ ሰፍ ንኸብሉ ዝሕግዝ ድጋማዊ ድምፂ ብስእሊ ይግለፅ።

እዚ ብልሙድ ዓንደረቢ ይበሃል።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ጥንታዊ ኣሰኣእላ ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ

ተወልደብርሃን ኪዳነ መን እዩ?

ንሎሚ ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ ጠልሳሚ ክነላልየኩም።ተወልደብርሃን ኪዳነ ኣብ ኣስመራ ማይ ጃሕጃሕ ተወሊዱ። ወዲ ሓደ ዓመት እንተሎ ተሓዚሉ ናብ ከተማ መቐለ መፂኡ።

ኣብ እንዳ ጋብር ትምህርቲ ክህነት ድይቁና ተማሂሩ። ሻቡ መርጌታ ኣርኣያ ኢዱ ሒዞም ጠልሰም ስእሊ ኣምሂሮምዎ።

ናብ ኣስኳላ ኣትዩ 8ይ ክፍሊ ምስበፀሐ ድማ ኩሉ ጠናጢኑ ናብ ጐጃም ገዳም ጣና ቂርቆስ ተዓዚሩ።

ኣውኡ ሰለስተ ዓማውቲ መመላእታ ሕግታትን ኣሰኣእላን ጠልሰም ካብ ኣቦታት ተማሂሩ።

ጠልሰማዊ ስእሊ ብቖፅሊ፣ሱር፣ዕምባባን ሓመድን ብኸመይ ምስኣል ከምዝካኣል ብስርዓት ፈሊጡ።

ብድሕሪኡ ናብ ሰሜን ገፁ ኣቕኒዑ ኣብ ገዳም ኣቡነ ይምረሃነ ክርስቶስ ሓደ ዓመት ምሉእ ብዛዕባ እንታይነት ጠልሰም ኣፅኒዑ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ 9 ጠልሰምቲ ኣለዉ፤ካብዚኦም እቶም 5 ኣብ ገዳማት ይነብሩ

ካብኡ ቀፂሉ እውን ኣይዓረፈን ኣብ ሰሜን ሸዋ ናብ ዝርከብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ኣትዩ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ጠልሰም መፅናዕቲ ኣካይዱ።

እዚ ኹሉ ኣፅኒዑ እውን ኣይፀገበን፤ ናብ ደብረ ዘይቲ የረር ዝበሃል ከባቢ ብምኻድ ኣብ ገዳም ቤተ ሩፋኤል ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ተቐሚጡ ተመሳሳሊ ኣብ ጠልሰም ኳዕትን መፅናዕትን ገይሩ።

ኣብዚ ኸይዲ መፅናዕትን ምርምርን "ጠልሰም እቲ ዝዓበየ መግለፂ ስልጣነ ኢትዮጵያውያን ምዃኑ ኣረጋጊፀ እየ" ይብል ጠልሳሚ ተወልደብርሃን ኪዳነ።

ተወልደብርሃን "እቲ ፈላሚ ሰኣሊ ባዕሉ ፈጣሪ'ዩ፤ ንሰብ ስኢሉዎ፤ ምኽንያቱ ሰብ ንባዕሉ ስእሊ ጠልሰም እዩ።

ካብኡ ሰብ ካብ ፈጣሪ ዝወረሶ ሓይሊ ተጠቒሙ ይጥልስም'ሎ። ብዚ ኣቢሉ ምስ መላእኽቲ የውግዕ።

እቲ ካብ ፈጣሪ ዝወረሶ ፍልጠት እናረቐቐ ምስ ከደ ሕሉፍ ሓሊፉ ምስ ኣጋንንቲ ቀዘም እናበለ ይሓድር'' ብምባል ኣፈጣጥራ ጠልሰም ይገልፅ።

ፍርያታት ጠልሰም

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኸዓ ኣብ ትግራይ ጠልሰማዊ ስእልን ጥበብ ሓረግን ኣብ ጥንታዊ ብራና እዩ ዝርከብ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጥበብ ጠልሰም ርእሲ ሰብ ዝሓደረ ጋንየን 'ውን የባርር ተባሂሉ ይእመነሉ

ተወልደብርሃን ኣብ ጠልሰም ጣንዩ'ዩ፤ ኰይኑ ግና ናይ ባዕሉ ድርሰት ሓዊሱ እናማዕበለ እዩ ዝስእል።

ዛጊድ ምስ ካልኦት ሰኣልቲ ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤምባሲ ኣመሪካ፣ ብሄራዊ ቴኣትር፣ ነፃ ኣርት ቪለጅ፣ ሆቴል ሸራተን፣

ከምኡ እውን ኣብ ከተማ መቐለ፣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራትን ከተማ ኣክሱምን ዓውደ ምርኢት ጠልሰማዊ ስእልታት ኣቕሪቡ እዩ።

ኣብዚ ዝተሓላለኸን ረዚንን ጥበብ ተቢዑ ይሰርሕ፤ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 160 ጠልሰም ስኢሉ'ሎ።

ተወልደብርሃን ዝመሃዞም ጠልሰማዊ ስእልታት ብውህብቶን መሸጣን ናብ እስራኤል፣ኣመሪካ፣ናብ ኣውሮጳ ብፍላይ ናብ ፈረንሳይ፣ጣልያንን ዴንማርክን ኣትዮም ኣለዉ።

ጠልሰም ኣብ ቀልቀል ሓደጋ

"ኢትዮጵያውያን ቅድሚ ጠልሰም ዝነበረ ርስቲ ጐይታ ዝበሃል ጥበብ ጠፊኡና፤ ስኢንናዮ ኣለና። ርስቲ ጐይታ ኣብ ስነ ፍጥረት ዘድሀበ ቅዲ ጥበብ እዩ ነይሩ።

ሎሚ ንማለቱ ኣብ ገዳም ደብረ ዳሞ(ብዘት) ከምኡ እውን ኣብ ገዳም ይምረሃነ ክርስቶስ (ላልይበላ) ይርከብ።" ይብል ተወልደብርሃን።

ብምቕፃል "ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ብምትሕብባር ኣብ 5 ከባብታት ትግራይ ጠልሰምን ጥበብ ሓረግን ንመንኣሰይ ከምህር ኣንቂደ ነይረ።

'ጠልሰም ከ እንታይ እዩ? ኣይንፈልጦን' ኢሎምኒ፤ ኣብ ብራና ስኢለ ኣርእየዮም፤ ተጋህ ኢሎም ኣይተቐበሉንን። ገዛይ ዓፅየ ይስእል ኣለኹ'' ብምባል ምችው ባይታ ከምዘይረኸበ ተዛሪቡ'ሎ።

ተወልደብርሃን ምሸት ክሳብ ውድቕቲ ለይቲ ሽምዓ ወሊዑን ዕጣን ዒግ ኣቢሉን ምስኣል ይፈትው።

ዓሚ ተሰኣቱ ቅዱሳን ብፍልይ ዝበለ ጥበብ ንምስኣል 78 ሽምዓ ወዲኡ። እቲ ስእሊ ንፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ብመልክዕ ውህብቶ ተበርኪቱሎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ጥበብ ጠልሰም ንክታብን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ አገልግሎትን ይውዕል

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣንስትዮ ጠልሰምቲ የለዋን፤ምኽንያቱ ስራሕ ጠበብቲ ስለዝበሃል ከቢድ ፅዕንቶ ይፈጥር።

ተወልደብርሃን ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢንተለክችዋል ተቘፂሩ ዘመናዊ ጥበብ ኣሰኣእላ ይምህር'ሎ።

ንቐፃሊ ሓደ ስፍሕ ዝበለ ዓውደ ምርኢት ጠልሰማዊ ስእሊ ናብ ህዝቢ ንምቕራብ እውን መዲቡ'ሎ።

"ጠልሰም ኣብ ቀልቀል ሓደጋ'ሎ፤ እቲ ምንታይ ተፀኒዑ ኣይተሰነደን፤ ኣነ ብወገነይ ኣፅኒዐ ዝዋህለልኩዎ ፍልጠት ኣብ መፅሓፍ ኣሐቲመ ከይስንዶ ሰኣን ኣያን ማእገርን ኣቋሪፀዮ" ብምባል ኣምሪሩ ይዛረብ ጠልሳሚ ተወልደብርሃን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት