ናፅነት ካታላን፥ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ መፀዋዕታ ሂቡ

ሰልፈኛታት ስፕን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ፑጁሞንት ኣብ ብራስለስ እንትዛረቡ ሰልፈኛታት ክልቲኡ ወገን ቅዋሞም ገሊፆም

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስፐይን ነቶም ካብ ስልጣኖም ዝተላዕሉ ቻርለስ ፑጁሞንት ሓዊሱ ን13 መራሕቲ ካታላን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ሂቡ።

ኣብ ቀፃሊ ንዝፍፀም ሓላፍነት ንምውሳድ ድማ 7.2 ሚልዮን ዶላር ከትሕዙ እውን ሰለስተ መዓልታት ሂብዎም'ሎ።

እዚ መፀዋዕታ'ዚ ነቲ ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ስፐይን ክሲ ክንምስርት ኢና እንትብሉ ብሰኑይ ዝተዛረብዎ ስዒቡ'ዩ መፂኡ።

መራሒ ግዝኣት ካታላን ፑጅሞንት ምስ ብርክት ዝበሉ ሚንስትራት ኣብ ቤልጅየም እዮም ዘለዉ፤ ፖለቲካዊ ዕቑባ ክሓቱ ከምዘይከዱ ድማ ኣቐዲሞም ተዛሪቦም እዮም።

ቻርለስ ፑጅሞንት ኣብ መፈለምታ ጥቅምቲ ንዝተወለዐ ናፅነት ካታላንን ንዕኡ ስዒቡ ዝመፀአ ዕግርግርን መሪሖም። ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ስፐይን ነቲ ዝተወሃበ ድምፂ ውድቂ ገይሩዎ እዩ።

ማእኸላይ መንግስቲ ስፐይን ንካታላን ይመርሕ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ደገፍቲ ንናፅነት ኣብ ኣፍደገ ፓርላመንት ካታላን

ፑጅሞንት፥ ላዕለዋይ ጠበቓ ስፐይን ሆዜ ማኑኤል ማዛ፡ መራሕቲ ካታላን ብዓመፅ፣ ህዝቢ ብምልዕዓልን ብዘይእርኑብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ህዝቢን ከምዝኽሰሱ ምስተዛረቡ እዮም ብሰኑይ ናብ ብራስለስ ከይዶም።

መራሕቲ ካታላን መፀዋዕታ ቤት ፍርዲ በፂሕዎም ኣሎ። ሓሙስ ወይ ክዓ ዓርቢ ክኽሰሱ እዮም። ብፍቓዶም ተዘይቀሪቦም ዓቃቢ ሕጊ ተኣሲሮም ክቐርቡ ክእዝዝ እዩ።

ፑጅሞንት ናፃ መስርሕ ስርዓት ፍርዲ ክካየድ እንተዀይኑ ክምለስ እየ ኢሎም።

ካልኦት ብርክት ዝበሎ መሳርሕቲ ፑጅሞንት እውን መፀዋዕታ ቤት ፍርዲ በፂሖዎም'ሎ ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጀምስ ረይኖልድስ ካብ ባርሴሎና።

ብመሰረት ፀብፃብ ኤፍፒ ድማ፡ ዳይና ላሜላ፥ ዓቅብቲ ሕጊ ኣንፃር እቲ ኽሲ ቅኑዕን ርትዓውን ክኸውን ከምዝኣዘዙ ገሊፁ'ዩ።

ኣብ ሕገ መንግስቲ ስፐይን ዓመፅ ምክያድ ክሳብ ማእሰርቲ 30 ዓመት እዩ ዘቕፅዕ።