ሓፃቢ መኪና - ኤርትራዊ ከያኒ ኣብ መቐለ

ሓፃቢ መኪና - ኤርትራዊ ስነጥበባዊ
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ከተማ መቐለ መካይን ሓፂቡ ዝናበር ኤርትራዊ ከያኒ

ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ሓያል እዩ። ፍቐሪ ጥበብ ዝሓደሮ ሰብ ዝገበረ ገይሩ ባህጊ ውሸጡ ክፍፅም ዝኽእሎ ዘበለ ነገር ኩሉ ይገብር።

ይኹን እምበር ይከኣል እዩ ዝበሃል ነገር ፈቲኑ እውን ዘይዕወት ብዙሕ እዩ። እዚ ንግዚኡ ስሙ ክረቁሕ ዘይመረፀ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ

ዝዓበየ'ሞ ሕዚ ግና ብስደት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣዚዩ ዓሚቚ ፍቕሪ ጥበብ ኣለዎ።

ካብ ቁልዕነቱ ደርፍታት ስሙይ ድማፃዊ የማነ ባርያን ካልኦት ውሩያት ድምጻውያንን እናሰመዐ ዓብዩ።

ሓደ መዓልቲ ኣሰር እቶም ኣብ መድረኽን ኣብ መስኮት ተለቪዥንን ዝርእዮምን ዝሰምዖምን ዝነበረ ፍቱዋት ድምጻውያን ከምዝኽተል ድማ ይስመዖ ነይሩ።

ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ከኣ፡ ጎኒ ጎኒ ኣካዳምያውን ቴክኒካውን ትምህርቱ ደርፊ ክፈታትን ጀሚሩ፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ኣስመራ ብሞያ ኣውቶሞቲቭ ሰልጢኑ ወዲኡ። ፍቕሪ ጥብብ ደፊኡዎ ኣብ ኤርትራ ምስ መሰልቱ ስነጥበባውያን

ኣብ ዝተፈላለየ መዘናግዒ ቦታታትን መርዓታትን ብኽራሩ ንፈተውቲ ጥበብ የዘናግዕ ነይሩ።

ካብኡ ቀፂሉ እውን ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ "ሃገራዊ ፌስቲቫል ኤርትራ" ደርፊ ኣቕሪቡ።

እዚ መንእሰይ'ዚ ኣብ ምዕጥር ንሰለስተ ኣዋርሕ ተዓሊሙ'ዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ኤርትራ ህይወት ስለዝመረሮን ከም መንእሰይ መፃኢ ስለዘይተራእዮን ዝሐሸ ዝብሎ ነገር ከናድይ ንስደት ክኸይድ ወሲኑ።

ኣብ ኣመሪካ እትነብር ሓፍትንኡ ብዝገበርትሉ ናይ ገንዝብ ሓገዝ ከኣ ዶብ ንዘስግሩዎ ሰባት 120 ሽሕ ቕርሺ ከፊሉ፡ ኣብ 2015፡ ካብ ኣስመራ ንዓዲ ቐይሕ ብኣውቶቡስ፡ ካብኡ ብእግሪ ተጓዒዙ ድሕሪ ሰለሰተ መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

"ክንብገስ እንከለና፡ 8 መሓዙት ኢና ነይርና፡ እተን ሰለስተ ኣዋልድ ግን ደኺመናና ተታሒዘን ተመሊሰን" ይብል እዚ ፈታዊ ጥበብ መንእሰይ ንጉዕዞ ስደቱ ብምረት እንትዝክር።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት ተቐቢሎም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሰዲዶሙዎ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ምስቶም ካብ ኣስመራ ዝመፅኡ ኢትዮጵያውያን ብሓባር ይሰርሕ

ዳሕራይ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ዘለዎ፡ ናብ ሰቡ ከኽይድ ከምዝኽእል ምስተነገሮም፡ ብመደብ ጥርናፈ ስድራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ዓርኩ ከይዱ።

ፀኒሑ ግን ፍቕርን ሕልምን እቲ ኣብ ውሸጡ ዝሰራሰር ዘሎ ስነ-ጥበብ፡

ዋላ እውን ኣብቲ ዝተሓተ ስራሕ ተሳቲፉ ካሴት ከሕትም ስለዝወሰነን ኣብ ከተማ መቐለ ስለዝሓስረሉን፡

ነታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ውሽጣን ውሻጠኣን ብስርዓት ዝተማህራ መኪና ሓጺቡ ፍቕሪ ጥበቡ ንምርዋይ ድፍእ ክብል ይውዕል ኣሎ።

ፈለማ ብሱዳን ገይሩ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ክቕፅል'ዩ ዝሓስብ ነይሩ።

ዳሕራይ ግና ኣጋጣሚ ኰይኑ ካብ ኤርትራ ምስ ዝተመልሱ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ስለዝተመሓዘወን

ኣብ ስራሕ ዝሐሸ ምርድዳእ ስለዝፈጠረን ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪሑ ፍቕሪ ጥበቡ ክውን ክገብር መሪፁ።

ምኽንያቱ ኣብ መቐለ፡ ንሓንቲ ደርፊ፡ ኩሉ ወጻኢታታ ሸፊንካ ኣሰናዲእኻ ናብ ህዝቢ ንኸተቕርባ፡ ካብ 4 ክሳብ 7 ሽሕ ብር ትውድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኣወሃሃድቲ ሙዚቃ ግና ከሳብ 15 ሽሕ ይሓቱ።

ብድሕሪኡ እውን እታ ደርፊ ናይ መወዳእታ መልክዕ ሒዛ ንኽትወፅእ ተወሳኺ 2000 ብር የድሊ።

ብምስሊ ኣልቢስካ ብመልክዕ ክሊፕ ናብ ህዝቢ ንኽትቀርብ እንተተደልዩ ከኣ፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 17 -25 ሽሕ ብር ክትሓትት እንከላ፡ ኣብ መቐለ ግን ካብ 3-5 ሽሕ ብር ጥራሕ ትውድእ።

በዚ ምኽንያት ከኣ'ዩ እዚ ስነ-ጥበባዊ መንእሰይ፡ ዋላ'ኳ ብዝተማህሮ ፍልጠት ኣብ ምዕራይ መኪና እንተዘይተዋፈረ መኪና ሓፂቡ ሕልሙ ክውን ክገብር ኣብ ፃዕሪ ዝርከብ።

ካብቲ ኩሉ ፅቡቕ ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ኮይኑኒ ዝብሎ ነገር ግና ኣሎ።

ንሱ ከኣ፡ ኣብ ባንክ ገንዘብ ከቐምጥ ዘይምኽኣሉ፡ ፍቓድ መምርሒ መኪና ንምውፃእ ነዊሕን ኮለልን ምዃኑ፡

ከምኡ እውን ካብ መዓስከር ዝወፅእ ፍቓድ ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ስለዝሕደስን'ዩ ይብል።

እዚ ድማፃዊ መንእሰይ ኣብ ኣስመራ እንከሎ ዋላ እኳ ኩለን ደርፍታት የማነ ባርያ ኣዝዩ ዝፈትወን እንተነበረ ንሓንቲ ደርፊ ግና ኣመና ዕዙዝ ፍቕሪ ነይሩዎ።

ወጋሕታ ፀላም ወፂኡ ነዛ ደርፊ ብዓይነ ሕልንኡ ጥራሕ እንተይኰነስ ልሳኑ ከፊቱ ይዝይማ ነበረ።

"ከመዓልካ ሓወይ ዕባይ ናይ ኣስመራ

ወዲ ዓባይ ሻውል ወዲ ኣርብዓተ ኣስመራ

ብሓፈሻ ኩለኹም መንእሰያት ኤርትራ''ብምባል ቁልዕነቱ ይዝክር።

"ትዝክሩ ዲኹም ናይ ቀደም ፀወታ

ተኣኪብካ ምዛር ናይ ግርህነት ዋልታ

ከም ሎሚ ከይኰነ ብማዕዶ ሰላምታ

ተንኰል ከይነገሰ ከየስፋሕፈሐ

ጥዑም ግዜ ነይሩ ምሸቱ ዝወግሐ'' ዝብል ዜማ ተዓጂቡ ግዜ ፅቡቕ ክወግሓሉ ይፅበ ነበረ።

ደሓር ካብ መረበቱ ካብ ኤርትራ ዕልምልም ጠፊኡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ነታ ናብ ከብዱ ጠውላሕ ዝበለቶ ደርፊ የማነ ባርያ ዘኪሩ የስቆንቁን። በታ 'ዝፀንሐ እዩ ስደት' እንትብል ዓርሱ የፀናንዕ።

"ሎሚ ኣይኰነን ሓድሽ ተጀሚሩ ስደት

ውግእ ወረ ውግእ ፀረ ሰላም ህውከት

ዝፀንሐ እዩ ካብ ቀደም ዓለም ምስ ተፈጥረት

ሰብ ከየሰልጠነ እንከሎ ገና ኣብ ድሕረት" ዝብል ዜማ ኣስተማቒሩ ይድቅስ።

"ሎም እውን እንተዀነ ኣብቲ ምዕቡል እዋን

ዓመፅ ኣይተረፈን ዘይናትካ ምውናን

ስለ'ዚ ኸዓ ስደት ዝቐፀለ

ካብ መግዛእቲ ክሓስም ዝዓመረ" ብምባል ዝያዳ ክተብዕ ከምዘለዎ ምስ ዓርሱ ይመክር።

እዚ መንእሰይ እምበኣር ነቲ ኣብ ደሙ ዘሎ ፍቕሪ ጥበብ ሓደ መዓልቲ ኣብ እዝኒ ሰማዐቲ ከቕርቦ ከይተሓለለ ይሰርሕ ስለዘሎ እንኳዕ ሓሳብ ልብኻ ኣስመረልካ ዝበሃለሉ እዋን ርሑቕ ከይኸውን ይትስፎ'ሎ።