ኣብ ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ተኹሲ ተሰሚዑ

ኣስመራ - ሲነማ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብዝተራእየ ናይ መንእሰያት ናዕቢ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ጽዑቕ ተኹሲ ከም ዝተሰምዐ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

በዚ ምኽንያት ድማ ኤምባሲ ኤሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣስመራ ተቓውሞታት ከም ዘምሰየን፡ ፓሊስ ቶኽሲ ከም ዝኸፈቱን ብምሕባር፡ ዜጋታቱ ክጥንቀቑ ተማሒጺኑ።

ክሳብ ሕጂ፡ በቲ ዝነበረ ተኹሲ ዝወረደ ጉድኣት ምህላውን ዘይምህላውን ኣይተፈልጠን።

እቲ ናዕቢ፡ መንግስቲ፡ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣል እስላምያ እተሰምየት፡ ኣስታት 2800 ተማሃሮ እተምህር ቤት ትምህርቲ ክትዕጾ ብምእዛዙን፡ ኣካየድታ ብምእሳሩን ከምዝተበገሰ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, GG

መግለጺ ስእሊ,

ዝተኣሰሩ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እቲ ናዕቢ ከምዘጋጠመን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዝተበተንን ኣብ ትዊተር ሓቢሩ።

ሎሚ ንግሆ ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ምኒስትሪ ዜና ደዊልና እኳ እንተነበርና፡ እቲ ምኒስተር ኣብ ኣኼባ ምህላዉ ተሓቢርና። ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክንረኽቦ ዝሓለንና ሓበሬታ እውን ኣይተዓወተን።

ሰራሕተኛ ኤምባሲ ጥልያን ኣብ ኣስመራ ሚስተር ዲየጎ እቲ ፍጻሜ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ከምዘጋጠመን ኣብ ሓጺር ግዜ ከምዝተበተንን ሕጂ ግን ኩሉ ነገር ርጉእ ምህላዉን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ይኹን እምበር ትማሊ ምሸት ኣብ ኣኽርያ ሓያሎ ሰባት ከምዝተአስሩ ምንጭታት ይሕበሩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ ብዕሊ ክውደብ ዳርጋ ናይ መጀመርታ'ዩ።