ብናይ ፅዕነት መኪና ሓደጋ ዘብፅሐ ተጠርጣሪ ግብረ-ሽበራ ኣብ ቤት-ፍርዲ ኣሜሪካ ቀሪቡ

ሳይፉሎ ሳይፖቭ

ኡዝቤካዊ ስደተኛ፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንሸሞንተ ሰባት ብናይ ፅዕነት መኪና ጨፍሊቑ ብምቕታል፡ ብዓቃቤ ሕጊ ኣሜሪካ ተኸሲሱ።

እቲ ወዲ 29 ዓመት ሳይፉሎ ሳፒቮ፡ ንጉጅለ እስላማዊ ግዝኣት ኣይ ኤስ ብንብረትን ንዋቱን ብምድጋፉ እውን ተኸሲሱ ኣሎ።

ሰይፉሎ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምስ ፈጸም ብፖሊስ ተወቒዑ ተታሒዙ፡ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ኣሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ፡ ሰይፉሎ ብዛዕባ ዝፈፀሞ ገበን ብግልፂ ተዛሪቡ እዩ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ድሕሪ ሰዓት፡ ኣብ ማንሃታን ኣብ ብስክሊተኛታትን እግረኛታትን ብናይ ፅዕነት መኪና ዝተፈፀመ ግብረ ራዕዳዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ እናተገለፀ እዩ።

በቲ መጥቃዕቲ 6 ሰባት ሽዑ ንሽዑ እንትሞቱ፡ ክልተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ህይወቶም ዓሪፎም ። 12 ሰባት ድማ በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ እንትኾኑ እቶም ትሽዓተ ኣብ ሆስፒታል ይርከቡ።

መረዳእታታት ቤት-ፍርዲ ፌደራል ኣሜሪካ፡

  • ሰይፉሎ ሳይፖቭ፡ እቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከምዝተዋደደ ገሊፁ።
  • ንሱ ከምዝገለፆ፡ ፅርግያታት ብህዝቢ ዝጨናነቑሉ በዓል ሃሎዊን ብመደብ'ዩ መሪፅዎ።
  • ኣብ መኪንኡ ባንዴራ ኣይ ኤስ ከርኢ እኳ ደልዩ እንተነበረ፡ ንባዕሉ ትኹረት ከይስሕብ ብምስጋእ ግና ውሳንኡ ቀይሩ።
  • ሰበ ስልጣን፡ ጽሑፋት ግብረ-ራዕድን ከምኡ እውን ቪድዮታት ፕሮፖጋንዳ ኣይኤስን ኣብ ሞባይሉ ረኺቦም።
  • ብጉጅለ ኣይኤስ ከም ዝተለዓዓለ እውን ገሊፁ። ብፍላይ ድማ፡ መራሒ ኣይኤስ ኣቡባከር ኣልባግዳዲ፡ ሙስሊም ኣብ ኢራቕ ዘጋጥም ሞት ሕነ ንምፍዳይ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ ከምዝሰሓቦ ይዛረብ።

ቅድም ክብል ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኒውዮርክ ጆን ሚለር፡ "እዚ ሰብ'ዚ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፃት ብኣይኤስ ዝተዋህቡ ቀጥታዊ መምርሕታት ንምፍፃምን፣ ሰዓብቲ እቲ ጉጅለ ከምዚ ዝበሉ መጥቃዕትታት ከመይ ምፍፃም ከምዝኽእሉ ዝገልፁ ኣንፈታት ንምትግባርን ዝመጽአ እዩ" ብምባል ንጋዜጠኛታት ገሊፆም።

እዚ ተጠርጣሪ መን እዩ?

ሰይፉሎ ሳፒቮ፡ ናብ ፓተርሰን ኒውጀርሲ ቅድሚ ምምፅኡ፡ ኣብ ታምፓ ፍሎሪዳ እዩ ዝነብር ነይሩ።

ኣብ 2010 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ ኡዝበኪስታን ናብ ኣሜሪካ ብዲቪ እዩ ኣትኡ። ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ እታ ሃገር እውን ኣለዎ። ግልጋሎት መጓዓዝያ ኡበር፡ ሰይፉሎ ሹፈር ኡበር ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሳይፖቭ፡ ብፖሊስ ተወቒዑ ዝቖሰለ እንትኸውን፡ ኣብ ዊልችየር ኮይኑ እዩ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ።

ማዕኸን ዜና ሲቢኤስ፡ እዚ ተጠርጣሪ ኣብ 2015 ብ ኤፍቢኣይ (FBI) ኣብ ዝተኻየደ መዝገብ ምርመራ ግብረ-ራዕዲ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ንሰበ ስልጣናት ኣሜሪካ ብምፅራሕ ገሊፁ።

እቲ ምንጪ ከምዝሓበሮ፡ ምስ አኽረርቲ ሓይልታት ርክብ ነይርዎ እዩ። እንተነኣሰ ካብ ሞንጎኦም እቲ ሓደ ኡዝቤካዊ እዩ። እዞም ምርመራታት ኣብ ኣሜሪካ ድዮም ኣብ ወፃኢ ተኻይዶም ግና ግልፂ ኣይኮነን።

እዚ ሰብ ኣብቲ ግዜ ብFBI ተመርሚሩ'ኳ እንተነበረ ቀንዲ ትኹረት ግና ኣይነበረን።

ፕረዚደንት ኡዝበኪስታን ሻቭካት ሚርዚዮየቭ፡ ሃገሮም ንምርመራ እዚ መጥቃዕቲ ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ከምትገብር፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ገሊፆምሎም። ሰበ ስልጣን ኡዝቤክ ክሳብ ሕዚ፡መንነትን ዜግነትን ሰይፉሎ ሳይቮፕ ግና ኣፍልጦ ኣይሃቡን።

ዝተውሃቡ ግበረ መልስታት?

ኣብ ቀንዲ መጓዓዝያታት ኒውዮርክ፡ ፖሊስ ጥቡቕ ሓለዋ እናገበረ እንትኸውን፡ ኣብ ቀፃሊ ሰንበት ኣብታ ከተማ ንዝካየድ ማራቶን፡ ተወሰኽቲ ፖሊስ ክምደቡ እዮም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እዚ ሰብ ስርዓት ፍትሒ ኣሜሪካ ስለዝጠሓሰ ናብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ኣሜሪካ ጓንታናሞ ቤይ ክለኣኽ ይግበኦ ኢሎም።

"ንከምዚኦም ዝኣመሰሉሰባት ሕዚ ካብ ዝወሃቦም ዘሎ ቅፅዓት ዝበለፀ ቅፅዓት ክወሃቦም ይግባእ" ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ዜጋታት ኡዝበኪስታን ናብ ኣሜሪካ ንኸይኣትዉ ማዕቐብ ካብ ዝተገበረለን ሃገራት ከምዘይኮነት ድማ ገሊፆም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት