ፕረዚደንታዊ ምርጫ ላይበርያ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምዝጸንሕ ኮይኑ

ጆርጅ ዊሃን ጆሴፍ ቦካይ Image copyright Reuters/ EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ጆርጅ ዊሃ (ጸጋማይ) ምክትል ፕረሲደንት ጆሴፍ ቦካይ (የማናይ)

ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃን ምክትል ፕረሲደንት ጆሴፍ ቦካይ ኣብቲ 7 ሕዳር ዝግበር ዳግማይ ምርጫ ክወዳደሩ'ዮም። እንተኾነ ኣብቲ ቀዳማይ ምርጫ ሳልሳይ ኮይኑ ዝተዓወተ ኣባል ሰልፊ ሊበርቲ ቻርለስ ብራምስኪን ነቲ ውጽኢት ቅኑዕ ኣይኮነን ክብል ሞጊቱ'ሎ።

እቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ምርጫ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2003 ዝተገብረ ውግእ ሓድሕድ ናይ ፈለማ ነጻ ምርጫ'ዩ።

ብድሕርቲ ናይ'ቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ድማ ኣድማ ዝብትኑ ፖሊስ፡ ነቲ ቤት ፍርድን ኮሚሽን ምርጫን ንምሕላው ተመዲቦም ኣለዉ።

ልኡኻት ናይቲ ኢኮዋስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቁጠባዊ ምትእኽኻብ ከባቢ ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ምስ ሰበ ስልጣን ኩለን ሰልፍታት እታ ሃገር ተራኺቦም ይዝትዩ ኣለዉ።

Image copyright AFP

እታ ፕረሲደንት ንመንያ ትድግፍ?

ሚስተር ብራምስኪን እቲ ቀዳማይ ምርጫ "ጥበብ ዝተሓወሶ ከቢድ ምድንጋራትን ስርቅን" ዝመልኦ'ዩ ነይሩ። ኣድመጽቲ ንምዕንቃፍ ድማ ናይ ምርጫ ነቑጣታት ደንጉየን ከምዝኽፈታ ተገይሩ ኢሉ ከሲሱ። እቲ ክሲ ብግቡእ ክሳብ ዝምርመር ድማ እቲ ዳግማይ ምርጫ ከይካየድ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ። እንተኾነ ዋላ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ክሲ እንተነጸጎ እቲ ዳግማይ ምርጫ ምድንጓዩ ኣይተርፎርን'ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ኮሚሽን ምርጫ ድሮ ብዙሕ ወርቃዊ ጊዜኡ ኣጥፊኡ ስለዘሎ ይብሉ ተዓዘብቲ።

ሰልፊ ሕብረት፡ ናይ ሚስተር ቦካኪ እትርከበን ካልኦት ክልተ ሰልፍታት'ውን ነቲ ክሲ ናይ ሰልፊ ሊበርቲ ደጊፈንኦ ኣለዋ። ሰልፊ ሕብረት፡ እተን ፕረሲደንት (ኤለን ሰርሊፍ ጆንሰን) ኣብቲ ምርጫ ኢደን ኣእትየን ክብል ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ። እተን ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ፈለማ ፕረሲደንት ኮይነን ዝተመርፃ ተሸላሚት ኖቤል ዝኾና ኤለን ሰርሊፍ፡ ስልጣነን ተጠቒመን ውጽኢት ምርጫ ክጥምዝዞኦ ፈቲነን ክብል እቲ ሰልፊ ከሲስወን።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ሞንሮቪያ ጆናታን ፐይለለ ከምዝብሎ፡ ዝምድና ኤለን ሰርሊፍን ምክትለንን ክሳብ ክንዲ'ቲ ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ሰበ-ስልጣን'ቲ ሰልፊ ድማ፡ እቲ ምክትል ፕረሲደንት፡ ንሰን ኣብቲ ምርጫ ክወዳደር ዝደልይኦ ሰብ ኣይኮነን ይብሉ። እንተኾነ እተን ጓል 79 ዓመት ዝኾና ሰርሊፍ ነቲ 28.8 ሚእታዊት ዝረኸበ ቦካይ ከምዝድግፍኦ ደጋጊመን ገሊፀን'የን። ጆርጅ ዊሃ 38.4 ድምጺ'ዩ ረኺቡ።

Image copyright AFP/Getty
ናይ ምስሊ መግለጺ ኢለን ጆንሰን ሲርሊፈ ንምክትለን ዘይምድጋፈን ይሕመያ

ሰልፊ ኮንግረስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ጆርጅ ዊሃ ግን "እቲ ን12 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሰልፊ ተዓሚጸ ኢሉ ክበኪ ዘሕዝን'ዩ" ክብል መልሲ ሂቡ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ ሚስስ ሰርሊፍ እቲ ምርጫ ብዓወት ንኽዛዘም ኩሎም ኣብቲ ምርጫ ዝሳተፉ ኣካላት እቲ ምርጫ ብሰላም ንኽካየድ ክጽዕሩ ጸዊዐን።

ማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ከምዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ቀዳማይ ምርጫ ገለ ዘይልሙዳት ነገራት እንተነበሩ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ዝርከቦም ዓለም-ለኻውያን ተዓዘብቲ ምርጫ ካልእ ዘሰክፍ ነገራት ከምዘይረአ ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ ንሰልፊ ሊበርትን ነቲ ኮምሽን ምርጫን ናይ መካትዒ ጽሑፎም ንሓሙስ ከቕርቡ ኣዚዙ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ናይቲ ኮምሽን ሄንሪ ፍሎሞ እቲ ቤት ፍርዲ ንዝህቡ ዝኾነ ይኹን ውሳነ ከምዘኽብሮ ንቢቢሲ ገሊጹ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ላይበሪያ ኣብቲ ዝተገብረ ቀዳማይ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ምትላላት ነይሩ ዝብል ክስታት ድሕሪ ምስምዑ፡ ነቲ ዳግማይ ምርጫ ንምክያድ ዝግበር ምድላዋት ደው ክብል ኣዚዙ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ እዋን መረጻ ጎደናታታት እታ ከተማ ጸጥ ኢሉ ዊዒሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት