"ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ፥ ደቂ ተባዕትዮ ክቃለሱልና ክንምሕፀን የብልናን"

ጓል ኣንስተይቲ እንትትመርፅ Image copyright Getty Images

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ስርዓት ፊውዳል ንምውጋድ ዝተወደበ ተቓውሞ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን፡ ኣብቲ እዋን ዕዙዝ ግደ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ተምሃሮ፡ ዓንዲ ሑቐ ተገይሩ ይውሰድ።

ኣብ ዓመፃት ሓረስቶት ቀዳማይ ወያነ ትግራይ፥ ባሌን ጎጃምን፣ ሃገር ለኸ ምንቅስቓስ መምህራን ብሓፈሻ እቲ ማሕበረሰብ፡ ብፍላይ ድማ ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ሰለማዊ ሰልፍታት ልዑል ፅዕንቶ ዋላ እኳ እንተነበረን፡ ታሪኸን ኣብ ብዙሕ መዛግብቲ ኣይተሰነደን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ፡ መምህር ዴቨሎፕመንት መስከረም ኣበራ ኣብዚ ጉዳይ ዝተወሰነ መሰረተ-ሓሳብ ኣለዋ።

ከም ኣገላልፃ መስከረም፡ መብዛሕትኦም ፅሑፋት ብደቂ ተባዕትዮ ስለ ዝፅሓፉ፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዘይምጉላህ ኩነታት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ ነይሩ።

ብፍላይ ድማ ብምሁራት ይቐርቡ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ሕቶታት፡ መሬት ንሓረስታይ፣ ደርባዊ ሕቶ፣ ተቓውሞ ኩናት ቬትናም፣ ፖለቲካ ዓለም ኣብ ክልተ መደብ ተገሚዑ፡ ምንቅስቓሳት ፀረ ሃፀይነት ኣብ ዝጎልበተሉ እዋን፡ ዋላ እኳ ደቂ ኣንስትዮ እንተነበርኦ፡ መራሕቲ እቲ ምንቅስቓስ ከምዘይነበራ ትገልፅ።

ውሑድ ተሳትፎ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ እውን ናይ ደቂ ተባዕትዮ መሓዙተን ፈለግ ብምስዓብ ከምዝኾነ ትዛረብ።

ብብርኪ ሃገር ዘተታት ፌሚኒዝም (ኣንስታውነት) ንክፍጠሩን፣ መዓርነት ፆታ ንክነግስ ንዝንቀሳቐሳ ደቂ ኣንስትዮ ፈላሚት መስራቲት ዝኾነት ስሂና ተፈራ፡ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ ብዘደንግፅ መልክዑ፡ ካብ ምንኣሱ ብተወሳኺ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነበረን ተሳትፎ "ብዘሕፍር መልክዑ" ኣብዚ እተ ዝበሃል ኣእነበረን።

ኣብ ምድላዋት ቡን ከፍልሓ፣ ኣኼባ እንትካየድ ፅሑፍ ንክፅሕፋ፣ ወረቐት ኣብ ምብታንን ጭርሖታት ካብ ምሓዝን ብዝዘለለ ትሑት ሚና ይወሃበን ከምዝነበረ ትዛረብ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ እዋን ተሳተፍቲ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፆተአን የላግፁለን ከምዝነበሩ ስሂና ትዛረብ።

እዚ ኩነታት እናተቐየረ ዝመፀ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ልዕል ብዝበሉ ብበዓል ዋልልኝ መኮንን ዝኣመሰሉ፡ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮን መሰልን ስለ ዝተቐበልዎ እዮም።

ድሕሪ 10 ዓመታት እውን ብዙሕ ለውጢ ከምዘየለ እትዛረብ መስከረም፡ ኣብ ውድባት ፖለቲካ ዘሎ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ እዩ።

ኣብ መዋቕር መንግስቲ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣዝየን ውሑዳት እየን። ድሕሪ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ቅልቅል ኢላ ዝጠፍአት፡ ምክትል ኣደ መንበር ውድብ ቅንጅት፡ ቡርቱካን ሚደቅሳ ትግለፅ።

ቅድሚኣን ድሕሪኣን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብወፍሪ ምጥፋእ ስም (ጠቐነ) ካብ ፖለቲካዊ ሃዋህው ተገሊለን እየን።

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንምንታይ ኣድልዩ?

ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም፡ ፖለቲካዊ ስልጣን መንግስቲ ዝተቖፃፀርዎ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብቀጥታ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከቱ ሕግታት ዘርቅቑን ዘፈፅሙን እውን ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ኣይተ ሽመልስ ካሳ፡ 'ቻለንጅስ ኤንድ ኦፖርቺኒትስ ኦፍ ውሜን ፖለቲካል ኢን ኢትዮጵያ' ኣብ ዝብል ፅሑፎም፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምንታይ ኣድልዩ ንዝብል ሕቶ፡ ብዋናነት ዘልዕልዎ ሕቶ ፍትሒ እዩ።

ፍርቂ ክፋል እቲ ማሕበረሰብ ከም ምዃነን መጠን፡ ኣብ ውክልና ዲሞክራሲ ደቂ ኣንስትዮ ንምንታይ ብባዕለን ዘይውከላ ዝብል ሕቶ እዩ።

እቲ ካልእ ድማ ልምዲ ህይወት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ብፍላይ ድማ ምስ ታሪኻዊ ኢ-ፍትሓውነት ፆታ ተተሓሒዙ ክስተኻኸሉ ዝግበኦም ሕግታትን ኣፈፃፅምኦምን ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈልጥ ስለዘየለ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብመዓረ ክውከሉ ይግባእ ይብሉ፡ ኣይተ ሽመልስ።

ናይ ምስሊ መግለጺ መስከረም አበራን የውብማር አስፋውን፤ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ተሪረን ካብ ዝቃለሳ ውሑዳት ተጠቀስቲ እየን።

እቶም ብድሆታት እንታይ እዮም?

መስከረም ከም ቀንዲ ምኽንያት እትገልፆ፡ "ኣባዊ ስርዓት" (ፓትሪያርኪ) ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ብምርግጋፅ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምድጋፍ ግደ ክህልወን ኣኽኢሉ እዩ።

በዚ ድማ ኣብ መቐሎ ስራሕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ገዛ፣ ቆልዓ ምውላድን ምሕብሓብን ይምደባ።

ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣደባባይ ምውፀአን ከም ነውርን ነቲ ስርዓት ከም ምጥሓስን ከምዝረአ ትገልፅ።

ነዚ ልማዳዊ ስርዓት ጥሒሰን ኣብ ፖለቲካ ዝሳተፋ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምዝንጣል፣ ፀርፊ፣ ከምኡ እውን "ክረኣ ክረአ በሃሊት" ዝብል ስም ከምዝሽመማን ትዛረብ።

ብፍላይ ድማ መሪሕነት፡ ስራሕ ወዲ ተባዕታይ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ትካላት ሃይማኖት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብብዙሕ መልክዒ ካብ ደቂ ተባእትዮ ከምዝንእሳ ምስባኾም ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።

ትካላት ሃይማኖት፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቦታ ብግልፂ ፈልዮም ምቕማጦም፡ ኣይተ ሽመልስ ይዛረቡ።

ካብ ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ጀሚሩ በየናይ መልክዑ ክእዘዛ ከምዘለወን፡ ከምኡ እውን ካብ ኣመራርሓ ሃይማኖታዊ ቦታታት ዝተገለላ ምዃነን ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ ይብሉ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ምህላወን፣ ሕዚ እውን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ትሑት መሃያ ዝኽፈላ፣ ፅግእተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ምዃነን፣ ኣብ ስራሕ እንትቁፀራ እውን ኣብ ገንዘበን ክውስና ስለዘይኽእላ ነዚ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣይተ ሽመልስ ይገልፁ።

ብፍላይ ድማ መዋቕር ስድራ እንትለዓል "ኣባዊ" ብዝኾነ መገዲ ዝምራሕ እንትኸውን፡ መንግስቲ እውን ስድራዊ መዋቕር ስለዝኽተል፡ ኣብ ገዛ ዘሎ ኣቧዊ ውሳነን ካልኦት ጉዳያትን ዘሎ ልዕልና፡ ኣብ መንግስታዊ መዋቕራት፣ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈትን ዕለታዊ መነባብሮን ይንፀባረቕ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እንተተምሃራ እውን፡ "ግዜ ዝሓለፎ" ክፍፍል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ንክሰርሓ የገድደን።

ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ተመሳሳሊ ስራሕ ሰሪሖም፡ ገንዘብ ዋላ እኳ እንተምፅኡ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ገዛ ዘሎ ስራሕ እውን ክትሰርሕ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ግዜአን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ንከየድህባ ፅዕንቶ ከምዘሕድረለን መስከረም ትዛረብ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መፅሄታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያዊ፣ ማሕበራዊ ጉዳያት እታ ሃገር ትንታነ ብምፅሓፍ እትፍለጥ መስከረም፡ ንደቂ ተባዕትዮ ተባሂሎም ዝተገደፉ ከም ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝበሉ ጉዳያት ናታ ቦታ ከምዘይኮነ ዝነግርዋ ከምዘለዉ ትገልፅ።

ብፍላይ እዚ ኣቧዊ ዝበሃል ስርዓት፡ እቲ ማሕበረሰብ ከም ስርዓት ዝተቐበሎ፤ ዋላ እኳ ንደቂ ተባዕትዮ እንተጠቐመ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝተቐበልኦ ንምፍራስ ሕልኽላኽ ይገብሮ።

"ብፍላይ ኣወዳት ናይ ባዕሎም ዝኾነ ዝእከብሉን ዝዘራረብሉን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘግለለ ጉጅለ ኣለዎም"።

በዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፖለቲካ ቅልቅል እንትብላ "ከምዝኹርኾማ" መስከረም ትዛረብ።

ኣብ ሓደ መፅሄት ትፅሕፍ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብተመሳሳሊ ዘርፊ ይፅሕፍ ምስ ዝነበረ ወዲ ብርዒ ዝነኣሰ መሃያ እንትትኽፈል፡ ከምኡ እውን ፅሑፋ ከምዘየንበቡ ዝነግርዋ ኣወዳት እውን ነይሮም።

"ንፍዕቲ ጓል ኣንስተይቲ እንተሃልያን፡ ንዕኦም ትፈታተን እንተመሲላቶምን፡ ብዝተፈላለዩ መገድታት ክወቕዑዋ ይደልዩ። ናይ ምትሕሓት ፖለቲካ ዝነገሰሉን ብዓይኒ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን መሰናኽላት ዝተመልኦ እዩ" ትብል።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂ ኣንስትዮ ንስሙ ክመርፃን ክምረፃን ሕጊ ይፈቕደለን።፥

ሕቶታት ፆታን መሰል ምውዳብን

ኣብ መዋቕር መንግስቲ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ 'ኳ እንተመፀ፥ ናይቲ ውድብ ስራሕ ካብ ምፍፃም ሓሊፈን ሓቀኛ ተሳትፎ ከምዘይገብራ፥ ነባር ተጋዳሊት ህወሓት የውብማር አስፋው ይዛረባ።

ኣብ ዘመን ሃፀይ ሃይለስላሴ ካብ 240 ኣባላት ባይቶ እተን 2 ጥራሕ ደቂኣንስትዮ ነይረን። ኣብ ዘመነ ደርጊ ድማ፥ ካብ 835 ኣባላት ባይቶ ወከልቲ፥ ቁፅሪ ደቂኣንስትዮ 14 እንት ኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ 30 ምኢታዊ ይሕዛ።

ብፍላይ ኣብ ሓደ ሐደ ባይቶ ተወከልቲ ክልላት ድማ ቁፅሪ ደቂኣንስትዮ ካብዚ ፈዴራል ፓርላማ ሓፍ ብመባል፥ ክሳዕ 50 ምኢታዊ ከምዝሕዛ መረዳእታት ይሕብሩ።

እቲ ወሰኽ ቁፅሪ ከም ኣወንታ ዝምልከታ ወይዘሮ የውብማር፥ ፖሊሲን ኢህወዴግ ካብ ምትግባር ወፃኢ ካሊእ እጃም ሰለዘይብለን፥ እቲ ተሳትፎ ጎደሎ ምዃኑ ይገልፃ።

"እዚ ተሳትፎአን ከም መሳርሕን መሰላት ደቂኣንስትዮ ፀንቂቑ ከምዝተመለሰን ገይርካ ንክረኣ ኣብ ረብሓ ይውዕል ኣሎ።

እቲ ቀንዲ ሕቶ ክኸውን ዘለዎ፥ 'ነፃነት ኣለወንዶ' ? 'እንታይ ዝኣኽላ ፖሊሲ እታ ሃገር ክቕይራ ይኽእላ' ? 'እንታይ ዝኣክልከ ፅዕንቶ የሕድራ'?" ክብላ ይሓታ።

እዚ ማለት፥ ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሞሩ 'ውን እንተኾነ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፊነት ዝርከባ ደቂኣንስትዮ።

ማሕበራዊ፥ ፖሊቲለካዊን ኢኮኖሚያውን መሓውራት መንግስት ንምቕያርን ሓደሽቲ ፖሊሲታትን ሕግታትን ኣብ ምርቃቕን ተሳትፎአን ውሱን ምዃኑ ወሲኸን ይዛረባ።

"ብዙሕ መስዋእትነት ዝተኸፈሎ ቃልሲ እንተኾነ 'ኳ፥ እቲ ዝመፀ ስርዓት ግና ዲሞክራስያዊ ዘይኮነስ ዓፋንን ክብሪታትን ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝግህስ 'ዩ" ይብላ።

ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ብዝወተደበ መልክዕ ጎሊሁ ኣይውፃእ 'ምበር፥ ከም ሰበሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ዓይነት ብርቱዕ ማሕበር ከምስረት ክኢሉ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣድሎኣዊ ሕግታትን ድሑራት ልምድታትን ከተርፉ፥ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ይጣበቕ፥ ከምኡድማ ዝፀንሑ ፍትሓዊ ዘይኮኑ ሕግታትን ፖሊሲታትን ክንቀሉን ይቃለስ፥ እኹል ገንዘብን ዓቕምን ዘይብለን ደቂኣንስትዮ ሕጋዊ ጠባቓ ይኾነን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂ ኣንስትዮ ዘበረታትዑ ፅሑፋት

ምስቲ ሓድሽ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ኣመልኪቱ ዝወፀ ሕጊ ተኣሳሲሩ፥ እቲ ማሕበር ናይ ፈንድን ገንዘብን ፀገም እንተሃለዎ'ኳ፥ ኣብታ ሃገር ፆታዊ ርክብን፥ ካልኦት መዘራረቢ ጉዳያትን ዛዕባ ክኾኑ ብምግባር ብዙሕ ለውጢ ኣመዝጊቡ እዩ።

ብዙሕ ዘይድፈሩ ሕቶታት ክለዓሉ ድማ ልዑል ግደ ተፃዊቱ።

ይኹን 'ምበር ክሳዕ ሐዚ ውድባት ፖሊቲካ፥ ነፃነት ደቂ ኣንስትዮን፥ ሕቶታት ፆታን (ጀንደር) ከም ሓደ ፖሊቲካዊ ሕቶ ገይሮም ክንቀሳቐሱ ብዙሕ ኣይረአን።

"ናይ መን ሓላፊነት እዩ ? መን እዩ ከልዕሉ ዝግባእ ነይሩ? ናይ መን ሕቶ መን እዩ ከልዕሎ ዝግባእ?" ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይድርድራ፥ ወይዘሮ የውብማር።

ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ምንቅስቓስ ደቂኣንስትዮ እንትለዓል፥ ኣብ ትሕቲ አገዛዝኣ ደቂኣንስትዮ ዘመነ ህንደኬ፥ ስማ ብጥፍኣት ዝለዓል ንግስቲ ዮዲት፥ ኣብ ማእኸላይ ዘመን ልዑል ተራ ዝነበራ ምንትዋብ፥ ጣይቱ፥ ዘውዲቱ ኢልና እንተዘርዚርና ቁፅረን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ እየን።

ንምንታይ ከም ይኸውን?

"ፊኒክሷ ሞታም ትነሳለች፡ ያልተቋጨው የትግራይ ሴቶች ገድል" ( ፊኒክስ ሞይታ ትለዓል እያ፡ ዘይተዛዘመ ቓልሲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ) ብዝብል ርእሲ መፅሃፍ ዘሐተማ ወይዘሮ የውብማር፥ ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ኩነታት 'ውን እቲ ሕብረተሰብ ንደቂኣንስትዮ ዘለዎ ትሑት ቦታ ዝፍለ ከምዘይነበረ ይዛረባ።

ኣብ መጀመርታ ኣከባቢ፥ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ቃልሲ ክሕወሳ ዘይተፈቕደ እንትኸውን፥ ካብ 1968 ዓ/ም ጀሚሩ ግና ብዙሓት ናብቲ ቃልሲ ተፀምቢረን ኣብ ዓውዲ ኲናት 'ውን ተሳቲፈን እየን።

'ደቂ ኣንስትዮ ዓበይቲ ኣፅዋራት ውግእ ክሽከማ ኣይኽእላን' ዝብላ አመለኻኽታ፥ ከምኡድማ ፆታዊ ማዕርነት ምስ ጉልበትን ኣካላዊ ዓቕሚ ምትእስሳርን፥ ፆታዊ ርክብ ስለ ዘይፍቀድ ደቂ ኣንስትዮ ከም መሰሓሓትቲ ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ከምዝነበሩ ይዛረባ። ሓል ሓሊፉ ፆታዊ ትንኩያታት 'ውን ነይሩ ይብላ።

እቲ ፀገም ኣብ ልዕሊ ደቂተባዕትዮ ጥራሕ ዘየላግባ እተን ነባር ተጋዳሊት፥ እቲ ቀንዲ መንቀሊ ንደቂተባዕትዮ ልዕል ኣቢሉ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ታሕቲ ዘንብር ስርዓት 'ዩ ይብላ።

"ብቑጠባ ኾነ ብፖሊቲካ ኣትሪርካን ተወዲብካን ምቅላስ 'ምበር ዝኾነ ሰብ ሓልዩ መሰልና ኣይክህበናን። ደቂኣንስትዮ ናይ ዝኾነ አካል ድጋፍ ከይተፀበያ ንመሰለንን ማዕርነተንን ዓርሰን ክቃለሳ አለዋ። ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፥ ደቂታባዕትዮ ክቃለሱ ክንምሕፀን የብልናን"ይብላ።

ኮይኑ ግና እቲ ሃዋህው ፖሊቲካ እታ ሃገር ብምልኳቱ፥ ሰላማዊ ሰልፊ ኮነ ናይ ምፅሓፍ መሰል ብምግዳቡን፥ ቃልሲ ደቂኣንስትዮ ድማ ክዘሓሓል ገይሩ እዩ ይብላ።