ናይ ትራምፕ ቲዊተር ን11 ደቓይቕ ተዓጽዩ

መልእኽቲ ' ይቕሬታ እዚ ገጽ ኣይትረኽብዎን'

ምንጪ ስእሊ, Twitter

መግለጺ ስእሊ,

ተኸተልቲ ንጥፈታት ትዊተር ትራምፕ ንቕሩብ ደቓይቕ ' ይቕሬታ እዚ ገጽ ኣይትረኽብዎን' ዝብል መልእኽቲ ኣተኣናጊዶም።

ናይ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትዊተር፡ ትማሊ ሓሙስ ን 11 ደቓይቕ ዝኣክል ተዓጽዩ ከምዝነበረን ደሓር ምስተፈልጠ ግን ከምዝተኸፈተን ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣፍሊጡ።

ሓቀኛ ትዊተር ፔጅ (ትዊተር ገጽ) ዶናልድ ትራምፕ ብሰራሕተኝኡ ኣቢሉ'ዩ ጠፊኡ። እቲ ትካል ደሓር ብዘካየዶ ምርመራ ግን እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ግዜኦም ሽዕኡ'ዩ ኣብቂዑ።

ቲዊተር ፔጅ፡ ዶናልድ ትራምፕ ን11 ደቓይቕ ጥራሕ ከምዝተዓጸወን ተወሳኺ ምጽራይ ይገብር ከምዘሎን እውን ትካል ማሕበራዊ መራኸብታት ትዊተር ኣፍሊጡ ኣሎ።

41.7 ሚልዮን ተኸተልቲ ዘለውዎ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ርእሰ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ትማሊ ሓሙስ ኣጋ ምሸት ናብ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ቲዊተር ፔጅ ዘምርሑ ተኸተልቱ ' ይቕሬታ እዚ ገጽ ክትረኽብዎ ኣይትኽእሉን' ዝብል መልእኽቲ እዩ ጸኒሕዎም።

ምንጪ ስእሊ, Twitter

መግለጺ ስእሊ,

ፕሬዚደንት ትራምፕ ንጡፍ ተሳታፊ ማሕበራዊ መራኸብታት እዩ

ትዊተር ፔጅ ዶናልድ ትራምፕ ምስተኸፈተ ቀዳማይ መልእኸቲ እቲ ፕሬዚደንት ብዛዕባ ትልሚ ምንካይ ግብሪ ሪፐብሊካን ዝምልከት እዩ ነይሩ።

ቲዊተር ፔጅ ትራምፕ ዋላ ን11 ደቓይቕ ይተዓጾ ድኣ'ምበር ዝበጽሖ ጉድኣት ከምዘየለ ግን እቲ ትካል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ትካል ትዊተር እቲ ኩነታት የጻርዮ ከምዘሎን ዳግማይ ንኸየጋጥም ከምዝሰርሕን ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ መጋቢት 2008 ዓ/ም/ፈ ጀሚሩ ንጡፍ ተጠቃማይ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር እዩ።

ብፍላይ ፖሊሲታቱን ሕንጻጻቱን ንምልላይ ኣዕርዩ ተጠቒምሉ። ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ እዋን ፕሬዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ 2016 እውን መወዳድርቱ ንምስዓር ከምዝተጠቐመሉ ይግለጽ።