ምሩጻት ስእልታት ኣፍሪቃ እዚ ቅነ

ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝተሓረዩ ምሩጻት ስእልታት እዚ ሰሙን።

ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጥሮታ ዝተሰናበቱ ኣይተ ስዩም ሃይለ ምስ ማኪኖኦም። Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ መካይን ቮልስዋገን ኣብዚ ሕዚ እዋን በብጎደንኡ ክትረኽበን ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ከም ድሌትካ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሮይተርስ ብዓርቢ ዝሓተሞ ፎቶ፡ በዓል ዕድመ ጸጋ ምስ ናይ 1977 ሞዴል መኪኖኦም ኮይኖም ዝተሰኣልዎ'ዩ። መግለጺ ጥንካረን ።
ተፈተንቲ ተመሃሮ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓደ ሓደ ግዜ ንእሽተይ ሓገዝ የድልየካ 'ዩ። እዚ ሰገን ኣብ ኬንያ ቀዳማይ ብርኪ ቤ ትምህርቲ ኪቦሮ መዛዘሚ ፈተና ቅድም ምውሳዱ የጻልት ኣሎ።
ውጽኢት መረጻ ኬንያ ተሃንጥዮም ዝከታተሉ ዜጋታት ኬንያ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ እውን ኣብ ኬንያ ከባቢ ኪሱሙ ዝተወስደ ቅላዕ እዩ። ዜጋታት ኬንያ ብቴሌቭዥን ዝፍኖ ውጽኢት ዳግማይ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ተመሲጦም ይከታተሉ።
ደገፍቲ ኣል ኣህሊ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሽሓት ግብጻውያን ኣብ ስቴድየም ካይሮ፡ ጋንትኦም ኣል ኣህሊ ቅድሚ ናብ ሞሮኮ ምጓዓዙ ኣብ ጸወታ ጽዋዕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ ዘኽእሎ ናይ መወዳእታ ስልጠና እንተካይድ ሞራላዊ ሓገዝ ንምሃብ ተኣኻኺቦም። ይኹን እምበር ብሰንኪ በዝሒ ቁጽሪ ደገፍቲ እቲ ጸወታ ተሰሪዙ።
ዘይቲ ብባህላዊ መንገዲ እትሰርሕ ኮትዲቫርያዊት ጓል ኣነስተይቲ። Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኮትዲቫርያዊት ጓል ኣነስተይቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ዘይቲ ብባህላዊ መገዲ እናጸሞቐት። እዚ ዘይቲ ካብ ሳሙና ጀሚርካ ክሳብ ባዮ ፊዩል ንምስራሕ ዝጠቕም እዩ። መንግስቲ ኮትዲቫር ፍርያት ዘይቲ ኣብ 2020 ዓ/ም/ፈ ብዕፅፊ ንምዕባይ ይሰርሕ ኣሎ።
ሊብያውያን ተቐዳደምቲ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ እዚ ተግባር ቀልዲ ዶ ይመስል? እዞም ሊብያውያን ተወዳደርቲ ቀዳም ኩሉሻዕ ፈታኒ ቅድድም 4 ኪሎሜትሮ ብምክያድ ዓርሶም የዘናግዑ። ሽቦ ኤልክትሪክ እንከይተረፈ ጠሓሒሶም ይጎዩ።
ኣብ ዝዓነወ ገዛውቲ ተኣኪቦም ሕብሕቢኢተይ ዝጻወቱ ህጻውንቲ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ቆልዑ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ከባቢ ወረዳ ካሳይ ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት ብሰንበት ተኣኪቦም ሕብሕቢኢተይ እናተጻወቱ። እቲ ተጎዝጕዞሞ ዘለዉ ዝፈረሰ ህንጻ ብሰንኪ ኣብ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ኵናት ሕድሕድ ዝዓነወ እዩ።
ውድድር ሜዳ ቴንስ Image copyright PA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣበ መወዳእታ ድማ፥ ኣብ ኪጋሊ ርዋንዳ ሓዱሽ ኣዳራሽ፡ ኣብ መንጎ እንግሊዛዊ ምክትል ኣብራሪ ነበር ሚካኤል ቫዩጋንን ኮኸብ ተጸዋታይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሄርሼል ጊቢስ ብሰንበት ዝተኻየደ ውድድር ሜዳ ቴንስ።

ፍልፍል ምስልታት ሮይተርስን ኤኤፒን