ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተ-ክርስትያን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተኹሲ ብዉሑድ 26 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ቴክሳስ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመላ ቤተ-ክርስትያን - 5 ሕዳር 2017 Image copyright KSAT
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ቴክሳስ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመላ ቤተ-ክርስትያን - 5 ሕዳር 2017

ሰበ-ስልጣን ከምዘፍለጥዎ፡ ትማሊ ሰንበት ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያን ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብዉሑድ 26 ሰባት ሞይቶም።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ፡ ዊልሰን ካውንቲ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን እዩ።

ደሓር ዝተቐተለ ዕጡቕ ናብታ ቤተ-ክርስትያን ብምእታው'ዩ ኣብ ልዕሊ ሰባት ተኹሲ ዝኸፈተ።

ቁፅሪ ዝሞቱ ሰባት ዘረጋገፁ ኣማሓዳሪ ግሬግ ኣቦት፡ ኣብ ታሪክ ግዝኣት ቴክሳስ እቲ ዝኸፍአ መጥዋዕቲ ተኹሲ ምዃኑ ተዛሪቦም።

"ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ኩሎም ንነዊሕ ግዘ ዝፀንሕ ሓዘን እዩ" ኢሎም ኣብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ።

ዕድመ ግዳያት መጥቃዕቲ ካብ 5 ክሳብ 72 ከምዝበፅሕን፡ ካልኦት 20 ሰባት ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡን ተሓቢሩ።

ሃገራዊ ማሕበር ጠበንጃ ኣሜሪካ ኣንጻር ብረት ሓድሽ ሕጊ ክድንገግ ጠሊቡ

ዞባዊ ዳይሬክተር ክፍሊ ድሕንነት ህዝቢ ፍሪማን ማርቲን፡ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ሰብ ኣብ መእተዊ 20ታት ዕድመ ከምዝርከብን ሙሉእ ንሙሉእ ፀሊም ክዳን ተኸዲኑ ምንባሩን ገሊፆም።

ዴቪድ ፒ ኬለይ ዝተብሃለ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ምዃኑ'ውን ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ፀብፂበን። ፖሊስ ግን ብዝዕብኡ ዝሃቦ መረጋገፂ የለን።

ፓስተር እታ ቤተ-ክርስትያን ፍራንክ ፖሜሮይ ንኣገልግሎት ዜና ኤቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ጓል 14 ዓመት ጓሎም በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲላ'ያ።

ኣዛዚ ፖሊስ ጆ ታኪት፡ ገበናት ኣብ ምፅራይ ዝርከብ ፖሊስ፡ ኣስማት መወትቲ ክፈልጡ ኣይከኣሉን። 23 ሰባት ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ሞይቶም እንትርከቡ፡ ክልተ ድማ ኣብ ደገ ተተኲስዎም ዝተቐተሉ እዮም።

ሓደ ምስክር ዓይኒ "ዳርጋ ከም ዳርባ ዝትኩስ ጠመንጃ ዝዓይነቱ ኢና ሰሚዕና" ክብል ን ኤን ቢ ሲ ተዛሪቡ።

"ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎ ማሕበረ-ሰብ ስለዝነብር፡ እንታይ ከምዝተፈጠረ ንምፍላጥ ኩሉ ሰብ ህንጥው ነይሩ" ኢሉ።

ኣብ ኤስያ ዑደት የካይዱ ዘለው ፕረዚደንት ዶናልድ ትራመፕ "ሰይጣናዊ ተግባር" ክብሉ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።

"ኣብ ዘንብዕን ዘሕዝንን ኩነታት፡ ብጥንካረና ደው ክንብል ኢና" ክብሉ ተዛሪቦም።