ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ሰላማዊ ሰልፊ ለንደን 04 ሕዳር 2017
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ለንደን 04 ሕዳር 2017

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ብተመሃሮ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ብምድጋፍን፡ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ናይ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ንምኹናን፡ ዝሓለፈ ቀዳም 04 ሕዳር ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ (እንግሊዝ) ዝተገብረ ሰልፊ፡ ተሳተፍቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ሃይማኖት ዝገብሮ ዘሎ ምእትእትታው ደው ከብሎ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖታት ክፍትሑን መሰል ዜጋታት ክኽበርን ጻውዒቶም ኣቃሊሖም።

"ነቲ ህዝብና፡ ብመሪሕ ግደ ኣቦና ሙሳ መሓመኑር ኣብ ኣስመራ ዝገበሮ ሰለማዊ ሰልፊ፡ እቲ ስርዓት ብተኹስን ጎንጽን ስለዝመለሰ ኢና ተቓውሞና ከነርኢ ነዚ ሰልፊ ምስ ብጾትና ኮይነና ወዲብናዮ " ክትብል፡ ወይዘሮ ከድጃ ዓሊ መሓመድኑር ካብ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ትምህርቲ ሰብኣዊ መሰል'ዩ፡ እምነት ሰብኣዊ መሰል'ዩ፡ ምቅዋም ሰብኣዊ መሰል'ዩ፡ ባህግኻ ምግላጽ ሰብኣዊ መሰል'ዩ፡ ምሳኻ ዝተወለደ'ዩ፡ መልእኽትና ድማ እዚ'ዩ" ብምባል ድማ ርእይቶኣ ትገልጽ።

ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዲያእ መምህር ዝነበረ፡ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ፡ ኣቶ ብርሃኑ መሓመድ ብወገኑ፡ እታ ቤት ትምህርቲ ብዘይካ'ቲ ፡ ንተማሃሮኣ እትህቦ ውሱን ሃይማኖት ሞራላዊ ትምህርቲ፡ ስሩዕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ እተምህር ስምይቲ ቤት ትምህርቲ ምዃና ሓቢሩ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተረኽቡ ካህን ኦርቶዶክስያዊት ቤት ክርስትያን መንእሰይ ቀሺ ሺኖዳ፡ ብቛንቋ ዓረብን ትግርኛን ንሰልፈኛታት ቃሎም ሂቦም።

እቶም ካህን " ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስቱን መራሕቱን ካብ ዝግፋዕን መሰል እምነቱን ኣምልኾኡን ካብ ዝገሃስን ነዊሕ እዩ ኮይኑ።

ስለዚ ንሕና ኩልና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላማይ ክርስትያን ከይበልና እግዚኣብሄር ንቓንዛናን ስቓይናን መደምደምታ ኪገብረሉ ንጸልን ንለምን" ክብሉ፡ ብትግርኛን ዓረብኛን ሃይማኖታዊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ቀጺሎም እቶም ካህን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ምስ ትምህርቲ ዝተኣሳሰር ናይ ኣስመራ ናይ ተምሃሮ ተቓውሞ፡ ናይ ኣስላም ጉዳይ ጌሩ ጥራሕ ከቕርቦ ይፍትን ምህላዉ፡ እንተኾነ እቲ ተግባር ቅኑዕ ከም ዘይኮነን ህዝቢ ክፈልጦ ከም ዝግባእን ኣረዲኦም።

ካብ ከተማ ሊድስ ዝመጽአ ኣንዋር መሓመድ፡ " መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት፡ ክሳብ ጳጳስ ኣመንቲ ክርስትና ምእሳር በጺሑ'ዩ። ኣብ እምነት ምስልምና እውን ሕጂ ጥራሕ ዘይኮነ ተደጋጋሚ ምትእትታው ኣጋጢሙና እዩ።

ስለዚ ከኣ ኢና ድምጽና ነስምዕ ዘሎና" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ካልእ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈት ኣደ ከኣ፡ "ስርዓት ሓላፊ፡ ህዝቢ ግን ነባሪ ስለዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስላሙ ክስታኑ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንሓድሕዱ ኪደጋገፍን ሓድነቱ ክዕቅብን ይግባእ" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኣባል እቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝወደበ ኤርትውያን ሕብረት ጉጅለታት ዝተሰምየ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ዝኾነ፡ ኣቶ ጳውሎስ መንግስተኣብ ምኪኤል ብወገኑ፡ " ኤርትራውያን፡ ኣስላምናን ክርስትያናን ሓደ ኢና - ዝፈላልየና የሎን።

ህዝብና ኸኣ ምልኪ ስለዝመረሮ እዩ ኣብ ውሽጥን ወጸእን ተቓውሞኡ ዘስምዕ ዘሎ። ስለዚ መንግስቲ፡ ነቲ ተቓውሞ፡ ጉዳይ ሓንቲ ንእሽቶ ቤት ትምህርቲ ኣምሲሉ ኪገልጾን ምስ ምስልምና ከተኣሳስሮን ዓገብ እዩ" ኢሉ።

ከምቲ ኣባ ሺኖዳ ዝበሉዎ ከኣ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ፡ አሰር እቶም ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ተቓዊሞም ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾኑ ዓለማውያንን ውሉደ ክህነትን ሃገራውያን ኣቦታት ብምስዓብ ኣብ ጎድኒ ፍትሒ ደው ክብል ኣዘኻኺሩ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ሰልፊ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ

ዓርቢ 03 ሕዳር'ውን ሓያሎ ኤርትራውያን ተቐማጦ ለንደን ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም ነይሮም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ደገፎም ነቲ ናይ ኣስመራ ናይ ተማሃሮ ሰልፊ ንምግላጽ፡ ኣብ ስቶኮልም ሽወደን፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ መልበርን ኣውስትራልያ፡ ኣብ ካይሮ፡ ግብጺ፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከም ዘካየዱ፡ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ 31 ጥቅምቲ፡ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላምያ፡ መንግስቲ፡ ኣብ ጉዳያት ቤት ትምህርቶም ኢድ ካብ ምእታው ክቑጠብን፡ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣካየድቲ እታ ቤት ትምህርቲ ክፍትሑን ዝጽውዕ ሰለማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ከም ዘካየዱ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት