ፕሬዚደንት ዙምባብዌ 'ዘይእመን' ንዝበልዎ ምክትል ፕሬዚደንት እታ ሃገር ኣባሪሮም።

ኤመርሰን ማንጋግዋ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይተ ማንጋግዋ ንፕሬዚደንት ሙጋቤ ክትክእ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ

ምክትል ፕሬዚደንት ዙምባብዌ ኤመርሰን ማንጋግዋ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተባረሩ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ወዲ 75 ዓመት ኤመርሰን ማንጋግዋ ካብ ስልጣን ዝተኣለየሉ ምኽንያት 'ተኣማኒ' ክኸውን ስለዘይከኣለ'ዩ ክብል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ዙምባዌ ሚኒስትር ስምኦን ካህያ ሞዮ ዕላዊ ገይሩ'ሎ።

ንሱ ካብ ስልጣኑ ክእለ ድሕሪ ምኽኣሉ፡ በዓልቲ ቤት ፕሬዚደንት ዙምባብዌ ግሬስ ኣሰር ሰብኣያ ተኸቲላ ፕሬዚደንት ናይ ምዃን ዕድል ተጣጥሕ ከምዘላ ይግለጽ።

በዓልቲ ቤት ፕሬዚደንት ሙጋቤ፡ ግሬስ፡ እቲ ሕዚ ተባሪሩ ዘሎ ምክትል ፕሬዚደንት እታ ሃገር ንኽባረር ብተደጋጋሚ ንሰብኣያ ክትሓትት ጸኒሓ እያ።

ኣይተ ማንጋግዋ ምስ ዝተመደበሉ ስራሕን ሓላፍነትን ዘይሳነ ስነ ምግባር ክፍጽም ከምዝጸንሐ'ውን ሚኒስትር ስምኦን ወሲኹ ሓቢሩ።

ነባር መሪሕነት ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ዝግለጸሉ ኤመርሰን ማንጋግዋ፡ ካብቶም ን ፕሬዚደንት ሙጋቤ ክትክኡ'ዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ዝነበሩ ሰብ መዚ ሓደ እዩ ነይሩ።

ንሱ ካብ ስልጣኑ ክእለ ምኽኣሉ ድማ፡ ውድብ ፖለቲካ (ሰልፊ) ዛኑ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ኣብ ናይ ኤመርሰን ቦታ ንበዓልቲ ቤት ፕሬዚደንት ሙጋቤ፡ ግሬስ ሙጋቤ፡ ምክትል ፕሬዚደንት ገይሩ ክሓሪ ትጽቢት ይግበር።

ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሃራሪ፡ ምስ ሃገር በቆል ኣብያተ እምነት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ '' ተመን ኣብ ርእሱ እዩ ክውቃዕ ዘለዎ'' ክብሉ ገሊጾም።

ኣስዕብ ኣቢሎም ከዓ '' ኣብ ድሕሬና ኾይኑ ውሽጣ ውሽጢ ተንኮላት እናኣለመ ምስ ዝውዕል ተመን ብግልጺ ኢና ክንላዘብ ዘለና። ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ እነካይዶ ጉባኤና ብሕብረት ክንስጉም ኢና'' ብምባል ምስ ምክትሎም ዝኣተውዎ ሰሓቦ ጉተቶ ፖለቲካ ግልጺ ገይሮም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ልዕሊ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ዝተኣልመ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝነበረን፡ ቁጽሪ ሓደ ተጠርጣሪ ድማ እቲ ሕዚ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዘሎ ምክትል ፕሬዚደንት ኤመርሰን ማንጋግዋ ምንባሩ፡ በዓልቲ ቤት ሙጋቤ፡ ግሬስ ኣጠንቂቓ ምንባራ ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት