ኣብ ስዑዲ ዓረብ ጥርጡራት ብልሽውና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ከምጅማሮ ዝውሰድ እዩ ተባሂሉ።

ልኡል ስዑዲ ኣረብ ሙሓመድ ቢን ሰልማን - 4 መስከረም 2016 Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ኩነታት ንስልጣን ልኡል ስዑዲ ኣረብ ሙሓመድ ቢን ሰልማን ዘደልድል ኮይኑ'ሎ

ዋና ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣባላት ንጉሳዊ ስድራ፣ ሚንስትራትን ሰብ-ሃፍትን ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ምውዓሎም፡ ኣብቲ ኣንጻር ብልሽውና ዝግበር ወፍሪ ከምመበገሲ ዝውሰድ'ዩ ኢሎም።

ሸኽ ሳውድ ኣል ሞጀብ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ "ብልሸውና ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ካብ ሱር መሰረቱ ንምምሓው ዝተወሰደ ተበግሶ" ክብሉ ነቲ ምቕያድ ገሊፆምዎ።

እቶም ፖለቲካዊ መራሕትን ሰብ-ሃፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ምውዓሎም ዝሕብር ዜና ብሰንበት'ዩ ተቓሊሑ።

እዚ ድማ ንስልጣን ልኡል መሓመድ ቢን ሰልማን ዘደላድል ዕድል ሒዙ ከምዝመፀ ይቑጸር ኣሎ።

በቶም ልኡል ዝምራሕ መሓውር ፀረ-ብልሽውና፡ 11 ልኡላን፣ ኣርባዕተ ሚንስትራትን ሚንስትራት ነበርን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ መምርሒ ሂቡ።

ብደረጃ ዓለም ዝፍለጡ ቢልየነር በዓል-ሃፍቲ ኣል-ዋሊድ እውን ካብ ሞንጎኦም ከምዝርከቡ ፀብፃባት ኣመልኪቶም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሰበ-ስልጠን ስዑዲ ዓረብ ንዝተወሰደ ስጉምቲ ደጊፎም።

"ኣብ ልዕሊ ንጉስ ሳልማንን ልኡል ስዑዲ ዓረብን ፅኑዕ ምትእምማን ኣለኒ። ዝሰርሕዎ ነገር ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም" ኢሎም።

ገለገሊኦም እውን ንዓመታት ንሃገሮም (ስዑዲ ዓረብ) ከም ፀባ ላሕሚ ክሓልብዋ ምፅንሖም ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ "ምዕራፍ ሓደ" ክብሉ ዝገለፅዎ ከይዲ ምርመራ ይዛዘም ምህላው ሓቢሮም።

"ወሰንቲ ዝበሃሉ መረዳእታታት ተኣኪቦም፤ ዕምቆት ዘለዎም ሕቶታት እውን እናቐረቡ እዮም" ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ዝተታሕዙ ኩሎም ጥርጡራት ሕጋዊ መሰላቶም ከምዝሕለወሎምን፡ ሕጋዊ መስርሕ ቤት-ፍርዲ ድማ ብእዋኑን ግልፅነት ብዝመልኦን ከይድን ከምዝፍፀም ኣረዲኦም።

Image copyright Twitter/@asirmunicipal
ናይ ምስሊ መግለጺ ልኡል መንሱር፡ ወዶም ንነበር ልኡል ሙቕሪን ቢን ኣብዱልዓዚዝ እዮም።

ኣብ ብልሸውና ዝካየድ ምርመራ መሊሱ ዝተበራበረ፡ ንስዑዲ ምስ የመን ኣብ ዘዳብው ቦታ ዝተሓምሸሸት ሄሊኮፕተር ዝምልከት ምርመራ ክካየድ ምስጀመረ እዩ።

ምክትል ግዝኣት ኣሲር ልኡል መንሱር ቢን ሙቕሪን ካብ ዘካይድዎ ዑደት እናተመለሱ'ያ ሄሊኮፕተሮም ብሰንበት ዝተሓምሸሸት።

መንቀሊ ምሕምሸሻ ግን ኣይተፈለጠን።

ኣብ ጉዳያት ድሕንነት ዝፅብፅብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ውሽጢ 85 ዓመታት ኣጓኒፍዋ ኣብ ዘይፈልጥ ፈታኒ ኩነታት ምህላዋ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ሕዚ ስጉምቲ ዘይሕሰብ ነገር ምንባሩ'ውን ገሊፁ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት