ተኹሲ ብምኽፋት መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ዕጡቕ 'ኣብ 2012 ካብ ሆስፒታል ሕሙማን ኣእምሮ ዝሃደመ'ዩ' ተባሂሉ

ፍፃመ ገበን ዘርእይ ሓፁር ፕላስተር Image copyright Getty Images

መረዳእታ ፖሊስ ከምዝሕበሮ፡ ኣብ ቴክሳስ 26 ሰባት ዝቐተለ ተጠርጣሪ፡ ብ2012 ኣብ ቴክሳስ ካብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕሙማን ኣእምሮ ዝሃደመ እዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሎምዎ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ድማ ዴቪን "ንዓርሱን ንኻልኦትን ሓደገኛ ምንባሩ" ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ነበርን ውላዳን መጥቃዕቲ መሰብጸሐ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ኣዘዝቱ ክሳብ ሞት ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ከምዝፍፅም ይሕነ (ይፍክር) ምንባሩ'ውን ተገሊፁ።

ኣዘዝቲ ፖሊስ፡ እቲ ቅድም ክብል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ጥራሕ ዕጥቂ ካብ ምሓዝ ክእገድ ምገበሮ ነይሩ በሃልቲ እዮም።

ኣብ ኒው ሜክሲኮ ካብ ዝርከብ ማእከል ምምሕያሽ ጥዕና ባህርያት ከምዝወፀ'ውን ይግለፅ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ስድራ ግዳያት መጥቃዕቲ ኣብ መቓብር

እቲ ኬሊ፡ ካብቲ ማእከል ምህዳሙ ዝሓበረ ሰብ፡ "ብፀገም ጥዕና ኣእምሮ ይጥቃዕ ምንባሩ" ንፖሊስ ተዛሪቡ'ዩ።

ፌደራላዊ ቢሮ ምርመራ ኣሜሪካ ድማ፡ መንቀሊ ፍፃመ ቅትለት ንምርዳእ ሞባይል ኬለይ ንምኽፋት ይፅዕር ምህላው ኣፍሊጡ።

ወዲ 26 ዓመት ፈፃሚ ቅትለት፡ ቅድሚ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ምስ ደቁ ኣብቲ ቤተ-ክርስትያን ተራእዩ ምንባሩ ጋዜጣ ሁስተን ክሮኒክል ፀብፂቡ

መሓዛ ሕጋዊት ኣዲኡ ዝኾና ሚሸል ሺልድስ ኣብቲ ቦታ ምስተራእየ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ጥዕና ይምለስ ምህላው ከምዝገመታ ተዛሪበን።

ኣብ ገጽ-ፌስቡክ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞ ቤተ-ክርስትያን ዝተጠቅዑ ስእልታት፡ ህፃናት ንህዝባዊ በዓል 'ሃሎዊን' (በዓል ቀውዒ ሰልቲክ) ዘድምቑ ኣልባሳት ተኸዲኖም የርእዩ።

ካብ ግዳያት መጥቃዕቲ'ውን ኣብቶም ስእልታት ነይሮም።

ሸለልትነት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ፡ ኣብ ምቅላዕ ገበናት ኬሊ