ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ጥምረት ሰራዊት፡ ንየመናውያን ረድኤት ከይአቱ ምኽልካሉ 'መቕዘፍቲ' እዩ ተባሂሉ

ኣብ ደሴት ሖደይዳ ስርናይ እንክራገፍ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሖደይዳ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣትወሉ ኣገዳሲ ወደብ

ኣቕረብቲ ረድኤት ትካላት፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሰራዊት ኩሎም መንገድታት ብምዕፃዉ ሓገዝ ንምእታው ዘኸእል ምችው ኩነታት ክፍጠረሎም ኣተሓሳሲቦም።

ወድብ ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን እዚ "መቕዘፍታዊ" ሃዋህው፡ ህይወት ረድኤት ዘድልዮም ሚልዮናት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቐ ሓቢሮም።

ስዑዲ ብወገና፡ ሑታውያን ተቓወምቲ ካብ ኢራን ኣፅዋራት ይቐርበሎም ብምንባሩ ነቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰደት ኣፍሊጣ።

ኢራን እውን ነቲ ኣንፃር ሓይልታት ጥምረት ዝዋጋእ ተቓዋሚ ኣየዕጠቕኩን ኢላ። ብቐዳም ድማ ባላስቲክ ሚሳይል ብርእሰ ከተማ ስዑዲ ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ'ሎ።

ልኡል ስዑዲ ሞሓመድ ቢን ሳልማን፡ ንተቓወምቲ ወገናት ሮኬታት ምሃብ "ኲናት ከም ምእዋጅ ይቑፀር" ኢሎም።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተወካሊ ኣሜሪካ ኒኪ ሃለይ ከምዝበልኦ ድማ፡ እቶም ናይ ቀዳም ሚሳይላትን ካልኦትን ስርሒት ኢራን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኢራን ንኽልተ ገደባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓሳ'ውን ተሓታትነት ክህሉ ከምዝግባእ ኣረዲኤን።

እቶም ጥሕሰታት ድማ፡

  • ኢራን፡ ብዘይ ኣፍልጦ ባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ደገ ኣፅዋር ከይተቕርብ፣ ከይትሸይጥን ከይተሰጋግርን ዝድንግግ ማዕቐብ
  • ንፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ሓዊሱ፡ ንመራሕቲ ሖቲን ደገፍቶምን ኣፅዋር ከይተቕርብ ዝድንግግ ማዕቐብ እዮም።

እቲ ሚሳይል ዓመፅቲ ሑቲ ንመጥቃዕቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ሰራዊት ጥምረት ከም ግብረ-መልሲ ዝተኮስዎ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ሚንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢራን ገሊፁ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣስታት 900,000 የመናውያን ኣብ ስግኣት ሕማም ኮሌራ

ወኪላት ረድኤት፡ ናብ የመን ዘእቱ ዶባት ብምዕፃዎም ከምዝተቖጥዑ እንትግለፅ፡ ቀይሕ መስቀል ንብሕቱ ን900,000 ኣብ ስግኣት ንዘእተወ ሕማም ኮሌራ ዝኸውን ኣፋውስ ንምሕላፍ መንገዲ ከምዝተዓፀዎ ኣፍሊጡ።

ወሃብ ቃል ቤት-ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ጀንስ ላርክ "እቶም መንገድታት ክኽፈቱ እንተዘይኪኢሎም ነቶም ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከቡ ሰባት ከም መቐዘፍቲ ዝቑፀር እዩ" ኢሎም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ሸውዓተ ሚልዮን ዜጋታት የመን ስግኣት ደርቂ ኣንጸላልዩዎም ኣሎ።