ዶናልድ ትራምፕ ንሰሜን ኮርያ 'ኣይትፈታተኑና' ክብል ኣጠንቂቑ

ትራምፕ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ትራምፕ ኣብ መደርኡ ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ ብዙሕ ተዛሪቡ

ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንባይቶ ደቡብ ኮርያ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ እዋን ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ዘየናሕሲ መጠንቀቕታ ሂብዎ።

''ኣትሒትካ ኣይትርኣየና፡ ኣይትፈትነና'ውን'' ድሕሪ ምባሉ ነቲ ''ጸላም ዝመልኦ ሕልማዊ'' ሂወት ሰሜን ኮርያ ድማ ኮኒኑ።

ን ኪም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ ድማ ''እቲ ኣጥሪኻዮ ዘሎኻ ብረት ውሕስነት ኣይህበካን ዘሎ፡ በንጻሩ ንስርዓትካ ኣብ ሓደጋ'ዩ ዝሸማ ዘሎ'' ኢልዎ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ትራምፕ ንሰሜን ኮርያ ኣጠንቂቖም

ፕሬዚደንት ትራምፕ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ምስ ስሜን ብምንጽጻር፡ ድሕሪ ኲናት ኮርያ ከም ሃገር ዝተጎናጸፋቶ ዓወታት ብምንእድ ኢዩ ጀሚሩ። ነቲ ኩነታት ድማ ''ምስ ዘጉሂ ፈተነ፡ (ኤክስፔሪሜንት) ኣብ ናይ ታሪኽ ቤት-ምርምር ላቦራቶሪ'' ኣነጻጺርዎ።

ሰሜን ኮርያ ''ብወተሃደራዊ ጉጅለ'' ኢያ ክትምራሕ ጸኒሓ፡ ''እቲ ዓቢ ናይ ህዝቢ እምንቶ ኣብ ናይ መራሕቶም ትዕድልቲ ድማ ከም ወለዶም ኮይኖም ክመርሕዎምን ነቲ ህዝቢ ከም ጊላ ክሕዝዎን ኣኽኢልዎም'' ኢሉ።

እቲ ዝሓለፈ ናይ ኣሜሪካ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘርእዮ ዓቕሊ ከም ድኽመት ብምርኣዮም ድሕሪ ምጥንቃቑ ድማ፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዝተፈልየ ከምዝኾነን፡ ፕሬዚደንት ኪም፡ ነቲ ሃገሩ ትሰርሖ ዘላ ኒዩክለራዊ ኣጽዋሩ ድማ ደው ከብሎ ተማሕጺንዎ።

Image copyright EPA

ንኪም ኤል ሱንግ፡ መስራቲ ሰሜን ኮርያን፡ ኣቦሓጎ ነቲ ሕጂ ዘሎ መራሒ ኪም ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ ''ሰሜን ኮርያ ከምቲ ኣቦሓጎኻ ዝሓለማ ገነት ኣይኮነትን፡ በንጻሩ ገሃነም ኢያ፡ ወዲ ሰብ ክነብረላ ዘይትብሃግ ገሃነብ'' ኢሉ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ መደርኡ፡ ዓለም ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ቻይናን ሩስያን፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ምምስራሕ ኒዩክለራዊ ኣጽዋራ ደው ከተብሎ ጸቕጢ ኪገብራላ ጸዊዑ።

''ዓለም፡ ነቲ በቲ በጋሚዶ መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ ታህዲድ ኒዩክለራዊ ጥፍኣት ክትጻወሮ ስለዘይትኽእል ኩለን ሓላፍነት ዝስምዐን ሃገራት ብምሕባር፡ ነቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ክንጽላን ኩሉ ክረኽቦ ዝኽእል ደገፍን ሓገዝን ተቐባልነትን ድማ ክነፍጋ ጸዊዑ''።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ክሊማ (ለውጢ ኩነታት ኣየር) ነቲ ናብቲ ወተሃደር-ነጻ ዝኾነ ዞባ - ኣብ ዶብ ክልቲኤን ኮርያ ዝርከብ - ብሮቡዕ 8 ጥቅምቲ ኪገብሮ ተመዲቡ ዝነበረ ምብጻሕ ኪገድፎ ተቐሲቡ።

ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ናይ ኤስያ ዑደቱ ብጃፓን ድሕሪ ምጅማር፡ ናብ ደቡብ ኮርያ ድሕሪ ምብጻሕ ሮቡዕ ናብ ቻይና፡ ካብኡ ከኣ ናብ ቬትናምን ፊሊፒንስን ኪበጽሕ ኢዩ። ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ምምስራሕ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ደው ከተብል ኣጠንቂቑ

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ትራምፕ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ መዘክር ስውኣት ደቡብ ኮርያ ዑደት ገይሩ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት