ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ጥምየት ኣዕርዩ ኣተሓሳሲብዎ'ሎ

ወደብ ሖደይዳ Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ የመን ዝኣትወሉ ወደብ ሖደይዳ

የመን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥምየት ከምዘጋጠማን፡ ናይ መግቢ ሓገዝ እንተዘይተገይሩላ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ግዳያት፡ እቲ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዝርከቡ ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት እውን፡ ንየመን ካብ ተጠቃምነት ወደብ ዝኣገደ ውሳንኡ ጠጠው ከብል ከምዝግባእ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዛት ማርክ ሎወኩክ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ የመን ዝመደበሩ ተቓዋሚ ጉጅለ ናብ ከተማ ርያድ ሚሳይል ብምትኳሱ፡ እቲ ልፍንቲ ናብ የመን ዘእቱ ሰማያውን ምድራውን በርታት ዓጺይዎም ይርከብ።

እቲ ብተቓዋዊ ጉጅለ ዝተተኮሰ ባለስቲክ ሚሳይል ብጥቓ ርእሰ ከተማ ስዑድ ዓረብ ርያድ'ዩ ሓሊፉ።

መራኸቢታት ምድርን ሰማይን ናይ ምዕጻው እስራቴጂ፡ ካብ ኢራን ናብ ተቓዋሚ ጉጅለ ሑቲ የመን፡ ዝኣቱ ኣጽዋር ኵናት ጠጠው ንምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ስዑድ ዓረብ ኣፍሊጣ ኣላ።

ካብ 2015 ዓ/ም/ፈ ጀሚራ ኣንጻር ስዑዲ ዓረብ እትቃለስ ዘላ ኢራን ግን ንዓማጺ ጉጅለ ሑቲ ትሕግዝ'ያ ዝብል ክሲ ስዑድ ዓረብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ክትብል ነጺጋቶ።

ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣይተ ሎውኩክ፡ ብዛዕባ እቲ ንየመን ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸበባ ኣመልኪቱ ትማሊ ረቡዕ ንቤት ጽሕፈቱ ሓበሬታ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ ናብ የመን ረድኤት ከይኣቱ ከልኪላ

ስዑዲ ዓረብ፡ ብእትመርሖ ልፍንቲ ኣብ ልዕሊ የመን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፡ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ ኣብታ ሃገር ጥምየት ከምዝኽሰት ኣይተ ሎውኩክ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ምናልባት እውን ንሚልዮናት የመናውያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ጥምየትን፡ ዓለምና፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈልጥ ጥምየት ከይኸውን ስግኣት ሓዲርዎ ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቅድሚ ሰሙን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለምን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብሚልዮናት ናይ ዝቑጸሩ የመናውያን ኩነታት ኣተሓሳሲብዎም ከምዘሎ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም፡ ንኣስታት 9 ሚእቲ ሽሕ የመናውያን መከላኸሊ ሕማም ኮሌራ ክኾኖ ዘጓዓዕዞ ክሎሪን ዝተባህለ መድሃኒት ከምዝተዓጸዎ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣፍሊጡ ነይሩ።

7 ሚልዮን የመናውያን ደበና ጥምየት ከምዘንጸላለዎም ድማ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣስታት ሓደ ሚልዮን የመናውያን ብሕማም ኮሌራ ተጠቒዖም።

ጠለብ ዜጋታታ ካብ ወጻኢ ብዝኣትዉ ሸቐጣት እትማልእ የመን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብሰንኪ ስዑድ ዓረብ እትመርሖ ኪዳን ተኾርምያ ትርከብ።

ከም ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ካብ 2015 ዓ/ም/ፈ ንደሓር ኣብ የመን ኢዱ ስለዘእተወ፡ ብመጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር ጥራሕ 60 ሚኢታዊት ሲቪል ዜጋታት ዝርከብዎም ልዕሊ 8 ሽሕ ሞይቶም፣ ኣስታት 50 ሽሕ ድማ ግዳያት ኮይኖም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት