ካብ ስልጣን ዝተኣለዩ ምኽትል ፕረዚደንት ዙምባብዌ ናንጋግዋ ሃገር ለቒቖም

ኤመርሰን ናንጋግዋ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኤመርሰን ናንጋግዋ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ከምዝተጨወየ ተዛሪቦም

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ ምኽትል ፕረዚደንት ኤመርሰን ናንጋግዋ፡ ካብ ዝበፅሖም ምፍርራሕ ቅትለት ንምህዳም ካብ ሃገር ከምዝወፁ ተገሊፁ።

ወዲ 93 ዓመት ሙጋቤ፡ ምክትሎም ስልጣኖም ንምምንዛዕ ተንኮል ይፍሕሱ ምንባሮም ይዛረቡ።

"ናብ ነብያት ቤተ-ክርስትያን ኣፖስቶሊክ ከይዶም ሙጋቤ ዝሞተሉ እዋን መዓዝ'ዩ ኢሎም። ኮይኑ ግን ንቐደም ንሱ ከምዝመውት ተነጊርዎ" ክብሉ ንደገፍቶም ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ በዓልቲ ቤቶም ግሬስ ሙጋቤ ንዕኦም ናይ ምትካእ ሰፊሕ ዕድል ኣለወን።

ግሬስ ሙጋቤ ብወገነን እቶም ምክትል ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክእለዩ ፀቕጢ ክገብራ ፀኒሐን'የን። "ኣብ ርእሱ ክቕጥቀጥ ዝግባእ" ተመን ክብላ ድማ ይገልፅኦም።

ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ኣብ ዝህልዎ ፍሉይ ጉባኤ ምክትል ኮይነን ክሽየማ ትፅቢት ኣሎ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሙጋቤ፡ ኣብ ሰልፎም ንዘለው ውዲተኛታት ከምዘፅርዩ ተሓንዮም

እቲ ሰልፊ ንኤመርሰን ናንጋግዋ ካብ ኣባልነቶም ትማሊ ረቡዕ ሰጒጉ።

ድልየታት ምኽትሎም ካብ ቀደም ከምዝፈልጡ ዝገለፁ ሙጋቤ " ናባይ ቀሪቡ፡ ናብ ፕረዚደንትንት ተሰኪመ ከደይቦ ድልየት ነይርዎ። ኣነ ግን ኣይሞትኩን፤ ካብ ስልጣን'ውን ኣይወረድኩን" ክብሉ ንደገፍቶም ተዛሪቦም።

"ኣብ ጎኑ ምስ ዝነበሩ ተሓባበርቲ እውን ክንረዳዳእ ተስፋ እገብር" ኢሎም።

ምኽትል ፕረዚደንት ኤመርሰን ናንጋግዋ ብውልቆም ዝሃብዎ ርእይቶ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ዝፈረሙሉ በዓል ሓሙሽተ ገፅ መግለፂ ግን ነቶም ፕረዚደንት ተኣማኒ ከምዝነበሩ ይሕብር።

ንሶም ከምዝብልዎ ዝበፅሖም ዝነበረ "ጠቐነ" ነዚ ምኽንያት'ዩ።

እቲ መግለፂ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር፡ ንዚምባብዌ ክመርሑ መደብ ከምዘለዎምን፡ ሙጋቤ ምስ በዓልቲ ቤቶም ንሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ናይ ውልቆም ከምዝገበርዎ ብምዝራብ የፀልምዎም ምህላዎምን ይሕብር።

እቲ ሰልፊ ንኽጭወ ዕድል ብምሃብ'ውን ንመራሕቲ ይኸስስ።

Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ደገፍቲ ግሬስ ሙጋቤ ኣብ ህዝባዊ መእከቢ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ምሰለን ሒዞም ደገፎም ገሊፆም

"ነዚ ዕብዳንን 'ድንቁርናን' ዝተላበሰ ምስጓግን ምእጋድን ኣባላት ሰልፊ ክንነፅጎ ይግባእ። ብዘለና ዝተፈለየ ቅዋም ኮነ ብሩህን ንመነባብሮ ህዝብና ዘመሓይሽን ሓሳብ ጥራሕ እዚ ክኸውን የብሉን" ይብል እቲ መግለፂ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሺንጋይ ንዮካ ከምእትብሎ፡ እቲ በዓል ሓሙሽተ ገፅ መግለፂ ናቶም ኮይኑ ንሃገሮም ብዝገበሩዎ ውዕለት ክእሰሩን ብዝፈፀምዎ ክሕደት ክኽሰሱን እዮም።

ንልዕሊ 40 ዓመታት ምስ ሙጋቤ ብቐረባ ክሰርሑ ዝፀንሑ ናንጋግዋ፡ ንዕኦም ንምትካእ ኣብ ዝነበረ ንሕንሕ ሕፁያት ይመርሑ ነይሮም።

ፕረዚደንት ሙጋቤ ንምክትሎም ካብ መዝነቱ ኣባሪሮም