ተዘክሮታት ሶቭየት ሕብረት ነበር ብዓይኒ ኢትዮጵያውያን

አያልነህ ሙላቱ ምስ ፕረዚደንት ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም እንተተርጉሙ
ናይ ምስሊ መግለጺ አያልነህ ሙላቱ ምስ ፕረዚደንት ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም እንተተርጉሙ

ናብ ቅድሚ ሰላሳን ኣርባዓን ዓመታት እንትንምለስ፡ ስራሕቲ ስነ-ፅሑፍ ኢትዮጵያ ብትርጉም ስራሕቲ ሩስያውያን ወይ ከኣ ሶቭየት ሕብረት ነበር ፀሓፍቲ ዝተመልአ ኮይኑ ንረኽቦ።

ብሩስያውያን ደረስቲ ተፃሒፎም ብኢትዮጵያውያን ካብ ዝተተርጎሙ መፃሕፍቲ፡ ብኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩስያ ነበር ካሳ ገብረ-ህይወት ዝተተርጎመ 'ክራይም ኤንድ ፓኒሽመንት' ዝብል ናይ ፊዮዶር ዶስቶቭስኪ መፅሓፍ ምልዓል ይከኣል።

ናይዚ ደራሲ ስራሕ ዝኾነ 'ኖተስ ፍሮም ኣንደርግራውንድ' ብቋንቋ ኣምሓርኛ 'የስርቻው ስር መጣጥፍ' ብዝብል ተተርጒሙ። ስራሕቲ ማክሲም ጎርኪን ሊዮ ቶለስቶይን'ውን ካብቶም ዝርቁሑ እዮም። ኣብ ፅሑፋቶም ብዛዕባ ወያነ (ሰውራ) ሩስያ፣ ወፅዓን ቃልስን፣ ፍሉጥ ብዛዕባ ዝኾነ ሬድ ስኴር (ኣደባባይ)ን ሓፈሻዊ ባህልን ኣልዒሎም።

ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ይኹን ጣልያን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ ግዜ፡ ደገፍ ናብ ዝገበረትላ ሶቭየት ሕብረት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ከይዶም እዮም። እዋኑ ድማ ብ1960ታትን 70ታትን ነይሩ።

ብፍላይ ሶሻሊዝም ኣብ ዝተስፋሕፍሐሉ እዋን ርክብ ሶቭየት ሕብረትን ኢትዮጵያን ድልዱል ከምዝነበረ ይዝረብ።

ክልስ-ሓሳብ ሶሻሊዝም ዘንፀባርቑ ሓወልትታት ካርል ማርከስን ቭላድሚር ሌኒንን ከምኡ'ውን ስራሕቲ ትርጉም ማኒፌስቶታት ኮምዩኒስታዊ ሰልፊ ይፅርሑ።

በቲ ሽዑ እዋን ናብ ሶቭየት ሕብረት ከይዶም ካብ ዝተምሃሩ ኢትዮጵያውያን ስሙይ ፀሓፊ ተውኔት ኣያልነህ ሙላቱ ይርከብዎም።

ድርሰት ትያትር ንክመሃሩ ዝኸዱሉ እዋን ብ1962 ዓ.ም (ብዘመነ ንጉስ ሃይለስላሰ) እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ናብ ኣሜሪካ'ውን ዕድል ትምህርቲ እንተነበረ'ኳ፡ መንግስቱ ለማ (ካብ ማሕበር ደረስቲ) "ገንዘብ ንምርካብ እንተኾይኑ ብካፒታሊዝም ናብ እትምራሕ ኣሜሪካ ክኸየድ ከምዘለኒ ፡ ንስነ-ፅሑፍ ግን ናብ ኣሜሪካ ክኸይድ ምዒዶምኒ" ክብሉ ይዛረቡ።

ናብቲ ቦታ እንትበፅሑ: ኣቦሓጎ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ኢትዮጵያዊ/ኤርትራዊ ምስ ምንባሮም ተተሓሒዙ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ይዝክሩ። ፀሓፍን ገጣምን ምዃኖም'ውን ምምስሳል ስለዝተፈጠረ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝነበረ ሬድዮ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ "የደራሲው ደብተር" ብዝብል ኣርእስቲ ፕሮግራም የቕርቡ ነይሮም።

ፑሽኺን ብዛዕባ ኣቦሓጉኡ "ዘ ኒግሮ ኦፍ ፒተር ዘ ግሬት" ኣብ ዝብል ፅሑፉ ኣስፊሩ'ዩ።

ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ፡ ብኽልሰ-ሓሳባት ሶሻሊዝም፣ ኮምዩኒዝምን ማኦይዝምን ኣብ ዘዕለቕለቐሉ እዋን፡ ኩነታት ናብራ ሶሻሊስት ሃገራት እንታይ ከምዝመስል ዘርኣዮም ኩነታት ምንባሩ ይዛረቡ።

"ሶሻሊዝም ሶቭየት ሕብረት ንሰባት ዘየበላልፅ፣ ክብሪ ሰባት ዘበርኽ ስርዓት እዩ" ይብሉ።

ኣብቲ ቦታ ምስበፅሑ ብጣዕሚ ዘገረሞም ነገር ማሕበራዊ ናብራ እቲ ህዝቢ እዩ። ልዑል ማሕበራዊ ምትእስሳር ካብ ዘለዋ ኢትዮጵያ እንተመፁ'ውን ናይ ሩስያ ግን ዝያዳ ከምዘስደምም ገሊፆም።

"ብውልቀ-ዝውነን ንብረት የለን" ዝብሉ ኣያልነህ፡ ሽዑ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ከየፍቀዶም ሸሚዞም ተኸዲኑ ምስ ዝፀንሖም ተምሃራይ ክበኣሱ እንትብሉ "ክዳነይ ተሓፂቡ ኮይኑ'ዩ፡ ናተይ ምስተሓፀበ ክትክደኖ ኢኻ" ኢልዎም።

መሰረተ-ሓሳብ ካፒታሊዝም ዝኾነ 'ምውህላል ሃብቲ' ብምቅዋም "ንፅባሕ ዝተርፍ ነገር የለን" በሃላይ እዮም። ዝኾነ ይኹን ሰብ መሰረታዊ ድልየታቱ ክማልኣሉ ከምዝግባእ ዝዛረቡ ኣያልነህ፡ መግቢ ሕሳር ምንባሩ፡ ከምኡ'ውን ሕክምናን ትምህርትን ብነፃ ከምዝወሃብ ብተዘክሮ ይሕብሩ።

ናብራ ሞስኮ ቀሊል ኣይነበረን። ብፍላይ ንኸም ኣያልነህ ዝኣመሰለ ሃይማኖተኛን ካብ ፊውዳሊዝም ዝመፀን ሰብ፡ መደብ ዘይብሉን እምነት ከም ኣባሃህላ ማርክስ ኦፒየም (መዐወኒ) ዝረኣየሉ ኩነታት ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ንሰውራ ሩስያ ተመልክት ቀያሕ ኮኾብ "እታ ኮኸብ ናብ እግዚኣብሄር እናመላኸተት'ያ" ብምባሎም፡ ንብዙሓት ከምዘሰንበደ ኣይርስዕዎን። በዚ ዘረብኦም ዘጓነፎም ነገር እንተዘይነበረ'ኳ፡ እምነትካ ኣብ ኣደባባይ ምዝራብ ግን ክልኩል ምንባሩ ይዛረቡ።

ኣብቲ እዋን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ስለዝነበሩ፡ ማሕበር ኣጣይሶም እዮም። ኣባል ሕብረት ተምሃሮ ኣውሮፓ'ውን ነይሮም። "ኣብ ሕምብርቲ ሶሻሊዝም ስለዝነበርና ማእከል ኢና ነይርና" ይብሉ።

ኣብ ሞስኮ እንጀራ ኮነ ኢትዮጵያዊ ቤት-መግቢ ኣይነበረን። ብዙሕ ግዜ ድማ ሓወልቲ ማርክስ ናብ ዝርከበሉ ኣደባባይ 'ሬድ ስኴር'ን ኣደባባይ ፑሽኪንን ይኸዱ ነይሮም።

ብዛዕባ ልግስና ሩስያውያን ተዛሪቦም ዘይመንዉ ኣያልነህ፡ ወዶም ኣብ ሩስያ ምስተወለደ ይከናኸኑሎም ንዝነበሩ "ባቡሽካ" (ኣያታት ሩስያ) ኣይርስዕዎምን። ሕዚ'ውን ዝተረፈ ዕድሚኦም ኣብኡ እንተዘሕልፉ ከምዝመርፁ ይገልፁ።

ተሞክሮ ካብ ኣይተ ኣያልነህ ብ20 ዓመታት ኣፈላላይ ዝኸዱ መምህር ስነ-ጥበብ ፕሮፌሰር በቀለ መኮንን ግን ካብዚ ብተፃራሪ እዩ።

ኣብ ድሮ ምፍርራስ ሶቭየት ሕብረት ዝኸዱ በቀለ መኮንን፡ ዓብዪ እናተብሃለ ይውደስ ዝነበረ ሶሳሊዝም "ናይ ፀጋማይ ፖለቲካ ጣኦቶም ክፈራርስ ዝጀመረሉ እዋን ነይሩ" ክብሉ ይገልፅዎ።

ባዕሉ ንባዕሉ ሶሻሊስት ኢሉ ዝፅውዕ ዝነበረ ስርዓት ደርጊ፥ "ብዙሓት ሰባት ይገፍፍ፥ ይአስርን የሳቕን ስለዝነነበረ ናብ ሩስያ ምኻድ መማረፂ ምስ ምስኣንን ወይ ከኣ ከም መዋጽኦ ዝረአ እዩ ነይሩ" ይብሉ።

ንመጀመርያ ጊዜ ናብ መስኮ ዝኣተውላ መዓልቲ ዘይርስዑ ኣይተ በቀለ፥ "ናብ ኣዕፅምተይ ኣትዩ ዘሳቐየኒ ቁሪ፥ ሓፂን ዝኣተወኒ ዝኣከል እዩ ተሰሚዑኒ" ይብሉ።

ካብ ሓንቲ ብዙሕ ጥፍኣት ትፍፅም ዝነበረት ማሕበርነታዊት ሃገር፡ ናብ ካሊእ ሶሻሊስት ሃገር ምስዳድ እንታይ ስምዒት ከምዝፈጥር እንትዛረቡ፥ "ኩሉ ነገር ብጥርጣረን ብፅልኢትን እየ ዝምልከቶ ነይረ። ካሊእ ተሪፉ ሩስኪ እንትመሃር፥ ኣብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝነበረኒ ፍልጠት ንምጥፋእን ንምድንጋርን 'ውን ይመስለኒ ነይሩ" ይብሉ።

"እቲ ህዝቢ እትዩዎ ካብ ዝነበረ ከቢድ ፍርሓት ኣብ ዝወፀሉ እዋን እየ በፂሐ" ዝብሉ ኣይተ በቀለ፥ ስርዓት ሶሸሊዝም ዝተተርጎሞሉ መገዲ ዝተዛበዐ ከምዝነበረ ይኣምኑ።

"ንቤተክርስትያን ዝኸዱ ሰባት ነፃ ሕክምናን ነፃ ትምህርትን ክረኽቡ ኣይፍቀደሎምን፥ ስለዚ ድማ ሰባት ተሓቢኦም ይኸዱ ነይሮም" ይብሉ።

ምግቢ ከም ሰብኣዊ መሰል ስለ ዝረአ ዝጠሚ ሰብ'ኳ ተዘይነበረ፥ ነቲ ስርዓት ምቅዋም ከም ሓጥያት እዩ ዝረአ ነይሩ" ድማ ይብሉ፥ "ብዙሓት ዝተቓወሙ ሰባት ናብ ሳይበርያ ይውርወሩ ነይሮም" ብምባል።

እቲ ስርዓት ኣብ መፅሓፍ "ኣኒማል ፋርም" ዝዝንተው ታሪኽ ድርሰት ዘማሰስሉዎ እንትኸውን፥ እቲ ብዙሕ ዝዝረበሉ ዝነበረ ሕቶ ማዕርነት እንተኾነ 'ውን ኣብ ሕቶ የእትውዎ።

"ኣብ ባቡር እንትንጓዝ ከምዝተዓዘብናዮ፥ ስታሊን ብዝዘርገሖ ቀጢን ገመድ ስለላ፥ ኣንሽቲ ንሰብኡተን ከይተረፈ ዝስልላሉ ኩነታት ነይሩ" ይብሉ።

Image copyright YAMIL LAGE

ናይ "ጥርኑፍ" ኣተሓሳስባ ዝሰፈነሉ ኩነታት ነይሩ እንተበሉ 'ኳ፥ ናይ ስነ ፅሑፍ ክእለቶም ላዕሊ በፂሑ ከምዝነበረን ናይ ምንባብ ባህሎም ምዕቡል ከምዝነበረን ይዛረቡ።

ሶሻሊዝም ብደረጃ ዓለም ለኸ ምስ ተስዓረ፥ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ዝነበረ ዘርኣዊነት ፈንቂሉ እንተወፀ 'ኳ፥ ኣብቲ ጊዜ ግን ጉሉሕ ዓሌታዊነት ኣይነበረን።

"ብርግፅ ገሊኦም ሰባት ፀሊም ሰብ ርእየዮም ስለዘይፈልጡ ገሊኦም ከዓ ብዘይምፍላጥ ይፍፅሙ እዮም፥ መብዛሕትና ካብ ፈተዊት ሃገር ስለዝመፀና ግና ከቐይሙና ኣይደልዩን ነይሮም" ይብሉ፥ ኣይተ በቀለ።

ኣብ ናይ 6 ዓመት ፃንሒቶም ንመስኮ ብዙሕ ኣይፍተውዋ 'ምበር፥ ናይ ሌኒን ግራድን ዊንተር ፓላስን ዝኣመሰሉ ከባብታት ዊንታ ሐዝውን ኣብ ውሽጦም ኣሎ።