ሕፁይ ቢቢሲ- ብሉፅ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ እዚ ዓመት፡ ቪክቶር ሞሰስ - ናይጄርያ/ቸልሲ

ቪክቶር ሞሰስ

ቪክቶር ሞሰስ ኣብ ኩዕሶ ንዘለዎ ሙያ ንድሕሪት እንትግምግሞ፡ እዚ ንናይጀርያን ቸልሲን ኣብ ማእኸል ዝፃወት ተፃዋታይ፡ ንዓመተ ግጥማት 2016/2017 ከም መቐይሮ ነጥቢ ይወስዶ።

ንዓመታት ብልቓሕ እናተዘዋወረ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ወዲ 26 ዓመት ሞሰስ መዕለቢኡ ኣብ ስታምፎርድ (ቸልሲ) ኮይኑ'ሎ። ፅዋዕ እንትወስዱ'ውን ኣባሎም ኮይኑ እጃሙ ፈፂሙ።

ሞሰስ ክዝክራ ዝኽእል መዓልቲ ምናልባት 1 ጥቅምቲ ክትኸውን ትኽእል'ያ። ኣሰልጣኒ ኣንቶንዮ ኮቲንዮ ጋንታኦም ካብ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ስዕረት ምስኣጋጠማ፡ ኣሰላልፋ ተፃወቲ ናብ 3-4-3 ብምቕያር፡ ንናይጀርያዊ ተፃዋታይ ብዘይተለመደ ኩነታት ኣብ ድሕሪት ብየማናይ ክንፊ ኣሰሊፋ ምስ ሃልሲቲ ገጢማ።

ኣብቲ ሊግ ንፈለማ እዋን'ዩ ምስ ቸልሲ ተሰሊፉ ተፃዊቱ። ንምጥቃዕ ዝነበሮ ድልየትን ናብ ድሕሪት እናተመለሰ ናይ ምፅዋት ብቕዓቱን 'ማን ኦፍ ዘ ማች' (ናይቲ ፀዋታ ብሉፅ) ክበሃል ኣኽኢልዎ።

ኣብ ልዕሊ ሃልሲቲ ዝተረኸበ ዓወት ድማ፡ ቸልሲ፡ ኣብ ዝቐፀሉ 13 ተኸታተልቲ ፀዋታት ክትስዕር፡ ሞሰስ'ውን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ማህሰይቲ ክሳብ ዘጋጥሞ ብቐፃልነት ንኽስለፍ መሰረት ኣንፂፉ።

እቲ ኣብ ሓደ እዋን መዕለቢ ዘይነበሮ ተፃዋቲ፡ ምስ ቸልሲ ዘፅንሖ ሓድሽ ውዕሊ ብምፍራም መፅንሒኡ ፈሊጡ'ሎ። ብ2012 ኣብ ዝፈረመላ ጋንታ ዕድሉ ኣመቻችዩ'ሎ።

ካልኦት ኣቐዲሞም ዘይረኸብዎ ዕድል፡ ሞሰስ ግን ምስታ ጋንታ ዘፅንሖ ውዕሊ ተፈራሪሙ። ወዲ 26 ዓመት ሞሰስ ንዝረኸቦ ዕድል ክብለፀሉ ይግባእ። ብዙሕ ትፅቢት ዘይግበረሉ ዝነበረ ተፃታይ፡ ብኒሕ፣ ጥንካረን ቅልጣፈን ነቲ ታሪኽ ቀይርዎ።

ቴክኒካል ዳይሬክተር ጋንታ ቸልሲ ሚካኤል ኤሜናሎ "እዚ ሓድሽ ውዕል፡ ሞሰስ ዕውት ንምዃን ንዝገበሮ ፃዕርን ውፉይነቱን ዝተኣሰረሉ ኪዳን'ዩ" ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓወት ዘጠዓዓመ ሞሰስ፡ ቸልሲ ብኣርሰናል ኣብ ዝተሰዓረትሉ ናይ ኤፍ ኤ ካፕ ፍፃመ'ውን ሜዳልያ ረኺቢ እዩ።

ሞሰስ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ሰለስተ ዓለም-ለኻዊ ፀዋታት ጥራሕ'ዩ ተሰሊፉ። ሻምፒዮና ኣፍሪካ ንዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ካብ መፃረዪ ብምስጓግ፡ ንናይጀርያ ናብ ፅዋዕ ዓለም ክትሓልፍ ኣብ ዘኽኣለ ፀዋታ፡ 4-0 እንትስዕሩ ሸቶ ኣቑፂሩ እዩ።

ሱፐር ኤግልስ (ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ) ናብዚ ደረጃ ክበፅሑ ብምሕጋዙ፡ ጄ-ጄ ኦካቻ፡ ኣብ ቢቢሲ ኣዋርድ ብ2004 ድሕሪ ዝረኸቦ ዓወት፡ ሞሰስ ፈላማይ ናይጀርያዊ ክኸውን'ዶ ይኸውን?

ናትኩም ብሉጽ ንምምራጽ እዚ ፈለግ African Footballer of the Year contenders ተጠቐሙ።

ትጥቀምሉ ዘለኹም መሳርሒ ኣይተቐበሎን።
ቪክቶር ሞሰስ- ቸልሲን ናይጀርያን