ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ቬትናም ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኤስያ ፓስፊክ ክዛረቡ እዮም።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ትራምፕ፡ 9 ኖቨምበር 2017 Image copyright AFP/Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣፔክ፡ 21 ሃገራት ዝሓቖፈ መድረኽ ምትሕብባር እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቬትናም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ምትሕብባር ቁጠባ ኤስያ-ፓስፊክ ዘስምዕዎ ዘረባ ድሮ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።

ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ንግድን ምዕባለን እቲ ዞባ፡ ኣብ መፃኢ ዝህሉ እጃም ሃገሮም ከፍልጡ ትፅቢት ይግበር።

እታ "ኣሜሪካ ንቕድሚት" እትብል ጭርሖኦምን ካብ ዞባዊ ስምምዓት ንግዲ ምንስሓቦም፡ ካብ ነፃ ንግዲ ከምዘድሓርሓሩ ይቑፀር።

ምስ ቻይናን ጃፓንን ዘሎ ገዚፍ ንግዳዊ ዘይምምጥጣን ንምምሕያሽ'ውን ቃል ኣትዮም'ዮም።

ኣፔክ፡ ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ፓስፊክ 21 ሃገራት ዝሓቖፈ እንትኸውን፡ እዚ ድማ ዳርጋ ነቲ 60% ሓፈሻዊ ፈፍርያት ውሽጢ ዓዲ (ጂዲፒ) ዓለምና ይሽፍን።

ትርምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ንደሓር፡ ሃገሮም ካብቲ ምሕዝነት ክተንሳሕብን ምስ 12 ሃገራት ዝነበሩ ዓበይቲ ንግዳዊ ስምምዓት ክተርፉን ገይሮም። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንቁጠባ ረብሓታት ኣሜሪካ ይሃስይ ዝብል'ዩ።

ብድሕሪ ዘረባ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ'ውን ዝዛረቡ እንትኾኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝራኸቡ ትራምፕን ፑቲንን ዝገብርዎ ዘረባ'ውን ትፅቢት ይግበረሉ።

ንሓድሽ እጃም ኣሜሪካ ቅርፂ ምትሓዝ

ጆናታን ሄድ፡ ካብ ቢቢሲ ኒውስ

ኣፔክ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ኣሜሪካ ኣብ ዓለምና ምስ ዘለዋ ወነንቲ ልዑል ቁጠባ፡ ኣብ ጉዳያት ነፃ ንግድን ድልዱል ቢዝነስን ምትእስሳር ንምፍጣር ክትጥቀመሉ ዝፀንሐ መራኸቢ እዩ።

ትራምፕ ግን፡ ኣብ እስያ ፓስፊክ ንዓመታት እናተመዝገበ ዝመፀ ቁጠባዊ ምዕባለ ንኩባንያ ሃገሮም ከምዝሃሰየ ይገልፁ።

ከስምዕዎ ትፅቢት ዝግበረሉ ዘረብኦም ድማ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ድሕሪ ሕዚ ክህልዋ ንዝኽእል ብፅሒት ንከነፅሩ ዕድል ዝፈጥረሎም እዩ።

ኣባል ሃገራት ግን ብዘይ ሃለዋት ኣሜሪካ ቁጠባዊ ምትአስሳር ዘጠናኽራሎም መገድታት ናብ ምትእልላሽ ካብ ዝኣትዋ ፀኒሔን እየን። ቻይና ግን ወታሃደራውን ዲፕሎማስያውን ዓብላልነት ብምሓዝ መነሓንሓታ ኮይና'ያ።

ምምጣን ንግዲ

ኣብ ቻይና ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ "ቻይና ንዝረኸበቶ ዕድል ስለዝተበለፀት ከምዘይወቕስዋ" ተዛሪቦም እዮም።

ነቲ ምስቻይና ዝተፈጠረ "ዘይፍትሓውን ናብ ሓደ ገፅ ዝዛዘወን" ንግዳዊ ርክብ መራሕቲ ኣሜሪካ ዝነበሩ ተሓተቲ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ትራምፕ፡ ብድሓሪ ኣብ ኣኼባ ኣፔክ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ ኣብ ቬትናማዊት ከተማ - ሃኖይ ዑደት ክገብሩ እዮም።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት