ማህደር ፎቶ ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን

ጋናዊት ተሳታፊት እቲ ፌስቲቫል Image copyright EPA

ፌስቲቫል ጣዕሳን ታሕጓስን ኣብ ወደባዊት ከተማ ኣይቮሪኮስት፡ መዘናግዒ ግራንድ ባሳም ብቀዳም ተኻይዱ።

ተሳታፊት በዓል ኣቢሳ Image copyright EPA

ህዝቢ ንዛማ፡ ኣብ ፌስቲቫል 'ኣቢሳ' ማለት እውን ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ሕቶታት ዝሓተሉ መድረኽ ተሰላሲሉ።

ባህላዊ ንጉስ እቲ ከባቢ Image copyright EPA

ንጉስ እቲ ከባቢ ኣብ መዘናግዒ ግራንድ ባሳም፡ ምስ 'እትምጥኖ' ቆልዓ ተጸይሩ።

ይቕረ በሃልቲ Image copyright EPA

ሓደ ዓይነት ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዘጋገይዎም ሰባት ይቕረ ብምባል ብማእኸል ህዝቢ አቋሪጾም ይሓልፉ። ደሓር ይቕረ ምስተበሃሃሉ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመቶም ኮይኖም ታሕጓሶም ይገልጹ።

ላሞጅ Image copyright AFP

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ውሩይ ሙዚቀኛ ላሞጅ፡ ኣብ ናይ ንግዳዊት ከተማ ናይጀርያ ሌጎስ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣቕሪቡ። ስራሕቲ ቅዲ ሙዚቀኛ ፈላ ኩቲ ሓዊሱ ዝሰርሓ ካሴቱ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ከመርቓ'ዩ።

ሙዚቀኛታትን ተላሃይትን Image copyright AFP

ዙምባቤውያን፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብሓንሳብ ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ ይደርፉን ይስዕሱዑን።

ተሳተፍቲ እቲ በዓል ኣመንቲ ክርስትና Image copyright AFP

መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ሓበራዊ መድረኽ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዙምባብዌ፡ ካብ ዝተፈልጡ ኣብያተ ክርስትያናት ዝመጹ'ዮም።

ደገፍቲ ዛኑ Image copyright AFP

ኣባላት ውድብ ፖለቲካ( ሰልፊ)፡ ዛኑ ንበዓልቲ ቤት ፕሬዚደንት ዙምባብዌ ግሬስ ሙጋቤ ዘለዎም ደገፍ እናገለጹ።

ሮበርት ሙጋቤ ምስ በዓልቲ ቤቱ Image copyright AFP

ኣብቲ መድረኽ፡ ግሬስ ሙጋቤ ምስ በዓል ቤታ ወዲ 93 ዓመት ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ተረኺባ ነይራ። ንሱ ኣብቲ መድረኽ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ከምእትትከኦ ዝዓይነቱ መደረ ኣስሚዑ።

ሊብያዊ ዘፋፊ ዓሳ Image copyright EPA

ኣብ ገምገም ባሕሪ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ፡ ገፋፊ ዓሳ ጀልብኡ ደው እናበለ

ኣረጊት መጽሓፊ መሽን Image copyright EPA

ኣብ ወደባዊት ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ኬፕ ታውን፡ ኣብ ሓደ ቤተ-መዘክር፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ ንምርኢት ዝቐረበት ኣረጊት መጽሓፊ መሽን።

ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ Image copyright Reuters

ኣብ ኡጋንዳ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ህጻውንቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ብሽከለትኦም።

እሁሩ ኬንያታ ምስ ራይላ ኦዲንጋ Image copyright Reuters

ቀንዲ ተነሓናሓቲ ፕሬዚደንታዊ መረጻ ኬንያ፡ እሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ብጳጳስ ተማእኺሎም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተወስደ ቅላዕ።

ፍልፍል ስእልታት AFP፣ EPA፣ PA ኢሉ'ውን Reuters እዮም።