ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ኢራንን ዒራቕን ልዕሊ 340 ሰባት ቀቲሉ

ሐደጋ ምንቅጥቃጥ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሓላብጃ ዘጋጠመ ዕንወት ሐደጋ ምንቅጥቃጥ

ከርማንሻህ ኣብ ዝበሃል ምዕራባዊ ዞባ ኢራን ዘጋጠመ 7.3 ማግኒትዩድ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ልዕሊ 340 ሰባት ከምዝቐተለን ብዙሓት ካልኦት ከምዝጎድአን ሰበስልጣን እታ ሃገር ብተለቪዥን ሓቢሮም። ኣብ ዒራቐ እውን ካልኦት ሽዱሽተ ሰባት ስለዝቐተለ ፡ ቁጽሪ መወትቲ፡ ክውስኽ እውን ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ነበርቲ ከቢድ ራዕዲ ብምፍጣሩ ሰባት ካብ ኣባይቶም ወጺኦም ኣብ ጎደናታት ምሕዳሮም ተሓቢሩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ዝርከቡ መሳጊድ ከኣ ብመጉልሕ ድምጺ ጸሎት የዕርጋ ኣለዋ።

ሓላፊ ህጹጽ ረድኤት ሓደጋ ኢራን ሚሰተር ሓሰን ኮሊቫንድ መብዛሕተኦም እቶም ግዳያት ካብ ዶባት 15 ኪ/ሜ ኣብ ረሒቓ እተርከብ ኢራናውያን ነበርቲ ከተማ ሳረፖል ኢ ዛሃብ ምኻኖም ኢሪን ኣብ ዝተባህለት ተለቪዥን እታ ሃገር ሓቢሩ። ናይታ ከተማ ቀንዲ ሆሰፒታል በቲ ሓደጋ ኣዚያ ስለዝተሃስየት ከኣ ነቶም ኣማኢት ግዳያት እቲ ሓደጋ ንምእላይ ጸገም ኣጋጢሙ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ብዙሓት ነበርቲ ባቕዳድ ካብ ኣባይቶም ናብ ጎደናታት ወጺኦም

ሓላፊ ቀይሕ ወርሒ ኢራን ሚስተር ሞረትዝ ሳላም ኣብ ሸሞንተ ዓድታት ከቢድ ዕንወት ከምዝበጽሐ ንአገልግሎት ተለቪዥን እታ ሃገር ሓቢሩ። ካልኦት ዓድታት እውን ምስንኻልን ምቁራጽን ኣገልግሎት ኤለትሪክን ቴለኮሚኒኬሽንን ኣጋጢሙወን ምህላወን ተገሊጹ። ሚስተር ኮሊቫንድ ሰራሕተኛታት ድሕነት ሓደጋ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዘስዓቦ ምህማም መሬት ተዓናቒፎም ምህላዎም ኣረዲኡ።

ብሸነኽ ዒራቕ እታ ቐንዲ ዝተሃስየት ዳረባነዲካን ዝተባህለት ከተማ ኮይና ካብ ዞባ ኩረዲስታን ከተማ ሱለይማንያህ 75 ኪ/ሜ ረሒቓ ትርከብ። ኩርዳዊ ሚኒስተር ጥዕና ረካዊት ሓማ ራሺድ ዓቲ ኩነታት ኣዚዩ ሕማቐ እዩ ዘሎ ክብል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ናይ ኣመሪካ ናይ ጂኦሎጂ መጽናዕታዊ ትካል እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት 30 ኪ/ሜ ደቡባዊ ምዕራብ ሓላበጃ ኣብ ጥቓ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢራን ከምዘጥቀዐ ሓቢሩ። እቲ ኣስታት 33.9 km ዕምቆት ዘለዎ ምንቅጥቃጥ መሬት ክሳብ ቱረኪ፡ እስራኤልን ኩዌትን እዩ ተሰሚዑ። ኢራን ኣብ ቀንዲ መስመር ተኽእሎታት ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ዘለዎ ኣካባቢ ስለእትርከብ ብዙሕ ግዜ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ የጋጥማ እዩ

ተመሳሳሊ ዛዕባታት