ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሊባኖስ ክምለስ እየ፡ ሳዓድ ሓሪሪ

ሎባኖሳውያን ኣብ እንዳ ቡን ኮይኖም መግለፂ ሳኣድ ሃሪሪ ብቴሌቬዥን እንትከታተሉ። Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ሃሪሪ ስልጣኖም ከምዝለቁ ምግላፆም ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገርን ኣብቲ ቀጠናን ውጥረት ነጊሱ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሳዓድ ሓሪሪ፡ ኣብ ውሽጢ ቁሩብ መዓልታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ብስሩዕ ኣገባብ ካብ ስልጣኖም ምልቃቖም ዕላዊ ከምዝገብሩ ገሊፆም።

ሳዓድ ሓሪሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ድሕሪ ምግላፆም፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ቴሌቬዥን ፉቸር ስዑድ ዓረብ ቀሪቦም እዮም መዝነቶም ከምዝሐደጉ ሓቢሮም።

ካቢኔ ሊባኖስ፡ ሓሪሪ፡ ኣብ ስዑዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ገና ኣብ ስልጣኖም ከምዘለዉን ገሊፁ እንተነበረ፡ ሓሪሪ ግና ነዚ ክሒዶሞ እዮም።

ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ስልጣኖም ንኽለቁ ምኽንያት ኮይኑኒ ንዝበልዎ ብኢራን ንዝድገፍ ሕዝቡላህ ብምውቃስ፡ ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ንባዕሎምን ንስድርኦምን ስግኣት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣሜሪካን ኢንግሊዝን፡ ካልኦት ሃገራት ንሊባኖስ ብተዘዋዋሪ መገዲ ከም መሰጋገሪ ጎንፂ ከይጥቀማላ ኣጠንቂቐን ነይረን።

መራሒ ሱኒን ነጋዳይን ዝኾኑ ሓሪሪ፡ ኣብ 2016 እዮም ከም ቀዳማይ ምኒስተር ሊባኖስ ኮይኖም ተመሪጾም።

"ካብ ስልጣነይ ብፍቓደይ ለቒቐ እየ። ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ሊባኖስ ብምኻድ ከኣ ብሕገ-መንግስታዊ መገዲ ካብ ስልጣነይ ክለቕቕ እየ" ክብሉ፡ ምስ ቴሌቬዥን ፉቸር ኣብ ዝገበሩዎ ቃለ-መሕትት ኣፍሊጦም።

ብርግፅ 'ብልሙድ መገዲ' ኣይኮንኩን ካብ ስልጣነይ ለቒቐ፡ ይኹን እምበር ንሃገረይ እወንታዊ መጠንቀቕታ ንምሃብ እዩ" ኢሎም።

"ብገዛእ ፈቓደይ ካብ ስልጣነይ ምልቃቐይ፡ ንሊባኖስ ደወል መጠንቀቕታ እዩ" ክብሉ ድማ ኣገንዚቦም።

ቅድሚ ሰሙን ካብ ሪያድ ብቴሌቬዥን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሳዓድ ሓሪሪ ንኢራንን ሕዝቡላህን ብምኽሳስ፡ ጉጅለ ሺዓ፡ ኣብ ሊባኖስ ሰፊሕ ቦታ ብምሓዝ ግዝኣታት እታ ሃገር እናፀለወ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓሪሪ፡ " ከም ውድብ ፀረ ሕዝቡላህ ኣይኮንኩን፡ ፀገመይ ሕዝቡላህ ነታ ሃገር የጥፍኣ ስለ ዘሎ እዩ" ብምባል ወሲኾም ሓቢሮም።

ውሳንኦም ክቕይሩ እንተኾይኖም ድማ፡ ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ፡ ካብ ክልላዊ ጎንፅታት ብምውፃእ ፖሊሲ ሊባኖስ ከኽብር ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ስልጣኖም ምልቃቖም ምግላፆም ስዒቦም ኣብ ከተማ በይሩት "ኩላትና ሳዓድ ኢና" ዝብሉ ብርክት ዝበሉ ፖስተራት ተራእዮም።

ኢራንን ሕዝቡላህን ግና ሓሪሪ እናፀለምዎም እናረኣየት ስዑድ ዓረብ ምድጋፋ፡ እናኸሰስዋ ይርከቡ።

ሓሪሪ ግና፡ ኣብታ ሃገር ከም ድላዮም ንምንቅስቓስ ነፃ ምዃኖምን ብምግላፅ፡ "ኣብዚ ነፃ እየ ዘለኹ፡ ፅባሕ ክጓዓዝ እንተደልየ ይኽእል እየ" ብምባል ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘለዎም ነፃነት መስኪሮም።

ኣብቲ ዞባ ቀንዲ ፀገም ኮይኑ ዘሎ፡ "ኢራን ኣብ ሃገራት ዓረብ ጣልቃ ምእታዋ እዩ" ክብሉ ንኢድ ኣእታውነት ኢራን ኮኒኖም።

"ሊባኖስ ምስ ሃገራት ዓረብ ምጉናፃ፡ ኣነ ሓላፍነት ኣይወስድን፡ ኢሎም ሓሪሪ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ የመን ፀረ ስዑድ ዓረብ ዝተወንጨፈ ሚሳይል ብምግላፅ።

መራሕቲ ስዑድ ዓረብ እውን እንተኾነ፡ ንኢራንን ሕዝቦላህን፡ ንተቓወምቲ ሖቲ ደጊፍኩም ብምባል ክኹንኖም ጸኒሑ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢንግሊዝ ቦሪስ ጆንሰን ድማ፡ ሳዓድ ሓሪሪ ከይተደናጎዩ ናብ ሊባኖስ ክምለሱ ተስፍኦም ምዃኑ፡ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

"እታ ሃገር መበገሲት ጎንፊ ክትኸውን ኣይግባእን፡ ሉኣላውነታ ክኽበር ይግባእ" ክብሉ ገሊፆም ቦሪስ ጆንሰን።

መራሒ ሊባኖስ ዝነበሩ ወላዲ ሳዓድ፡ ራፊቕ ሓሪሪ፡ ኣብ 2005 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ መኪና ብዝተፃወደ ፈንጂ ምሟቶም ይዝከር።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት