ኣብ ክንዲ ኣይተ ተኽለወይኒ ንትግራይ ዝውክል በዓል ሞያ ክምረፅ እዩ

ኣይተ ሐሸ ለማ
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣይተ ሐሸ ለማ

ፕሬዚደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣይተ ሐሸ ለማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ፕላኔት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ መንግስቲ ትግራይ በሰንኪ ዘረባ ኣይተ ተኽለ ወይኒ ዝተፈጠረ ግጉይ ምስሊ ንምዕራይ ከሰርሕ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ መበል 10ይ ጉባኤ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ዘስምዕዎ ዘረባ ንህዝቢ ትግራይ ስለዘይውክል መንግስቲ ትግራይ ውክልንኡ ከምዘልዐለ ኣይተ ሐሸ ኣዘኪሮም::

"ኣብ ክንዲ ኣይተ ተኽለወይኒ ንትግራይ ዝውክል በዓል ሞያ መን ክንመርፅ ከምዘለና ኣብዚ ሰሙን ክነፍልጥ ኢና" ኢሎም::

ብሰንኪ ዘረባ ኣይተ ተኽለወይኒ ተፈጢሩ ዘሎ ግጉይ ምስሊ ንምሕዋይ ድማ ክስረሐሉ እዩ ኢሎም::

ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ትማሊ ድሕሪ ፋዱስ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ብውልቀኦም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንደቀንስትዮ ትግራይን ንመራሒ ሃገርን ብዕሊ ይቕረታ ምሕታቶም ዝዝከር እዩ።

ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ኣብቲ ልዕሊ 300 ተሳተፍቲ ዝተረኸብሉ መበል 10ይ ጉባኤ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝተዛረብዎ ጉዳይ፥ ዘይተግኣዘን ግቡእነት ዘይብሉን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ዜጋታተት ቅርሕንቲ ፈጢሩ ቀንዩ።

"እቲ ጉባኤ ኣብ መቐለ ንክሳለጥ ካብ ዝነበረኒ ድልየት ተበጊሰ መቐለ ዓዲ ቖናጁ: ውቅብትን ሰሓቢትን እያ ኢለ ተዛሪበ እየ::

ይኹን እምበር ብኻልእ መልክዑ ስለዝተተርጎመን ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለዘስዓበን ኣነ ዝፈጠርኩዎ ዘየድልይ ክፍተት እውን ስለዝኾነ ንመላእ ደቀንስትዮ ትግራይ፣ ንከተማ መቐለ ደቀንስትዮ ማሕበር ካብ ልበይ ይቕረታ ይሓትት" ኢሎም።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ

"ሃገራዊ ኩነታት ምርጫ ፈዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ተኣሳሲሩ ዝፍነዉ ዝነበሩ ዘይጥጡሕ ጎስጓሳት ዝፈጠሩለይ ኣሉታዊ ፅዕንቶ፡ ባዕለይ ዝፈጠርኩዎ ኩነታትን ተደማሚሩ ንጋዜጠኛታት ዝሃብኩዎ መብርሂ ንመራሒ ሃገርና ብኡ ደረጃ ከልዕሎም ኣይነበረንን ኣብዚ ተመርኪሰ ስዒቦም ዝተፈጠሩ ኩነታት እውን ይቕረታ ይሓትት" ክብሉ ድማ ወሲኾም::

ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ብዛዕባ ደቀንስትዮ መቐለ ኣመልኪቶም ከምኡ እውን ብዛዕባ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያምን ዝምልከት ዝተዛረብዎ፥ ኣብ ማሕበራባዊ ሚድያ ዓብዪ ኣጀንዳ ኮይኑ ብሰፊሑ የዘራርብ'ሎ::

" እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ መቐለ እንተተኻይዱ ኣብ መቐለ ቆናጆ ስለዘለዋ ምሸት ምሸት... ሓቂ እየ ዝዛረበኩም...ሓቂ ምዝራብ ፅቡቕ እዩ:: ቆናጁ መቐለ ብጣዕሚ እየን ዘህርፋ ከየምልጣኹም" ብምባል እዮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተዛሪቦም::

ቅድሚኡ ድማ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ-ምልልስ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ሓሳብ ኣደዳ ነቐፌታ ገይርዎም እዩ ቀንዩ::

"ንሶም እንታይ ይፈልጡ። እንተደሊኹም ኣምፅኡዎም እንዶ ንካታዕ" ዝብል ግቡእ ዘይኮነ አዘራርባ ብዝብል እዩ ብብዙሓት ክንቀፉ ዝገበሮም።

ኣይተ ተኽለወይኒ ኣብ ኣመራርሓ ፌደሬሽን ንክፀንሑ መንግስቲ ትግራይ ወኪሉዎም ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ክልል እዚ ርእይተኦም፥ ኣይውክለንን ብምባል ውክልንኡ ከልዕል ተገዲዱ።

"በቲ ባዕለይ ዝፈጠርኩዎ ኩነታት ህዝብን ክልልን መንግስቲ ትግራይ ውክልንኡ ኣልዒሉ እዩ:: ኣነ እውን ነቲ ውሳነ ብምኽባር ዝተወሃበኒ ውክልና ብውልቀይ ኣልዒለ ኣለኹ" ኢሎም::

መንግስቲ ትግራይ ውክልና ኣይተ ተኽለ ወይኒ ኣልዒሉ ብኻሊእ በዓል ሞያ ንምትካእ ኣብ ከይዲ ዝርከብ ምዃኑ ይግለፅ 'ምበር፥ ብቐፃልነት ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛ እንታይ ዓይነት ፖሊቲካዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣይተፈለጠን።