ወተሃደራዊ ሓይሊ ዚምባብዌ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ሃገሩ ክኣቱ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሰራዊት ዚምባብወ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋ

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዚምባብወ ጀነራል ኮንስታንቲኖ፡ ንገዛኢ ሰልፊ ዛኑ ዝደናደኑ አእዳዎም ክእከቡ ከምዘለዎም እንተዘይኮይኑ ሰራዊት ኢዱ ከእቱ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እዚ ምትእትታው ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ድሕሪ'ቲ ፕረዚደንት ዚምባበወ ንምክትሉ ነበር ኢመርሰን ምናንጋግዋ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምስጓጉ እዩ።

፡ ንገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ንዝደናደኑ ኣጠንቂቑ።

እቲ ምስ 90 ዝኾኑ ሓለፍቲ ሰራዊት ኣብ ፕረስ ኮንፈረንስ ዝተሳተፈ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ዚምባብወ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ስም ሰብ ኣይጠቐሰን። እቲ ከም ተካኢ ፕረዚደንት ሙጋበ ዝረአ ዝነበረ ምክትል ፕረዚደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ ካብ ሃገር ወጺኡ ተሰዲዱ እዩ።

ንገዛኢ ሰልፊ ዛኑ ዝደናደኑ አእዳዎም ክእከቡ ከምዘለዎም እንተዘይኮይኑ ሰራዊት ኢዱ ከእቱ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እታ ሕጂ ከም ተካኢት በዓል ቤታ እትረአ ዘላ ወይዘሮ ግሬስ ሙጋበ፡ ንምክትል በዓል ቤታ ነበር ኢመርሰን ምናንጋግዋ "ኣብ ርእሱ ክውቃዕ ዘለዎ ተመን እዩ" ክትብል እያ ትገልጾ።

እቲ ፕረዚ ደንት ሙጋበ ካብ መዝነቱ ዘባረሮ፡ ብፖለቲካዊ ጉርሑን ኣካይዳኡን፡ "እቲ ሓርገጽ" ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ሚስተር ምናንጋግዋ ንፕረዚደንት ሙጋበ፡ " ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ንስኻን በዓልቲ ቤትካን ከም ድላይኩም እትገብሩዎ ውልቃዊ ንብረትኩም ኣይኮነን" ኢሉዎ ነይሩ እዩ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ሓደ እዋን ፕረዚደንት ክኾና ይኽእላ እየን ክበሃላ ዝጸንሓ ግሬስ ሙጋቤን ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኢመርሰን ምናንጋግዋን

ጀነራል ቺዌንጋ፡ ከም ኢመርሰን ምናንጋግዋ ዝኣመሰሉ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ንእተሳተፉ ሰባት ምስጓግ ፈጺምካ ክጽወር ኣይክእልን እዩ ክብል ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሓይልታት ምክልኻል መግለጺ ሂቡ። " እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተራ ንዝነበሮም ሰባት ዕላማ ዝገበረ ናይ ምግላልን ምእላይን ምድንዳን ጠጠው ክብል ኣለዎ" ክብል ነቲ ኣኼበኛ ገሊጹሉ።

ኣስዒቡ፡" ነቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብድሕሪ መጋረጃ ዝዋስኡ ዘለዉ፡ ክብርታት ሓርነታዊ ተጋደሎና እንተተንኪፉን ንዕኡ ዝደናደን ነገር እንተተራእዩን ሰራዊት ኢዱ ከእቱ እዩ" ኢሉ።

እዚ ሕጂ ብፕረዚደንተ ሙጋብ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሚስተር ምናንጋግዋ ከም ሓላፊ ምክልኻልን ሃገራዊ ድሕነትን ሰሪሑ እዩ። ይኹን እምበር ፕረዚደንት ሙጋበ ደገፍ ክሳብ 40 ዝዓመቶም መንእሰያት ፖለቲከኛታት ዚምባብወ ኣለዎ።

ጀነራል ቺወንጋ እውን "ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ኣብዛ ሃገር ትርጉም ዘለዎ ምዕባለ ኣይተራእየን። ብሰንኩ ከኣ ዚምባብወ ብሕጽረት ገንዘብን ብናህሪ ዋጋ ሃለኽትን ትሳቐ ኣላ" ብምባል ንጭቕጭቕን ህልኽን ፖለቲከኛታት ወቒሱዎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት