ኣብ ብሄር ዘድሃቡ ጎንፅታትን መጥቃዕትታትን

ተመዛበልቲ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሃማሬሳ
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ከባቢ ዶብ ኦሮምያን ሶማሌ ኢትዮጵያን ዝተመዛበሉ ዜጋታት (ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተወሰደ ስእሊ)

እቲ ኮምሽን፡ ምስ ዶብ ብዝተተሓዘ፡ ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ዝተወለዐ ጎንፂ፡ መንቀሊኡን ዝበፅሑ ጉድኣታትን ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዞባ ጌዲኦ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ሃረሪ ከተማ ሃረር ተፈፂሞም ዝበሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ገይርዎ ኣብ ዝነበረ መግለፂ፡ ንብሄር ተንከፍ መጥቃዕትታትን ጎንፅታትን እኹል ቆላሕታ ከምዘይተውሃበ ሓቢሩ ነይሩ። ኣድላይ ዝኾነ ሕጋውን ትካላውን ስራሕቲ ኣይተፈፀሙን'ውን ክብል ኣፍሊጡ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ጉባኤ ብፅኣት ተረፈ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ መግለፂ ዝወጸአ ብሓደ ወገን ኣብቶም ከባቢታት ዝተፈጠሩ ጎንፅታት ፍታሕ ከምዘድልዮም ንምሕባር፤ ብኻልእ መዳይ ድማ እናተጉሃሃሩ ዝመፅኡ ዘለዉ ጎንፅታትን ጥቕዓታትን ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ምብፅሖም ንምግላፅ እዩ።

"ክልተ ክልላት ብማዕረ ዝሳተፉሎም ብመሬትን መገሃጫ(ጥሪት ዝውዕላሉ መሬት)ን ኮነ ካልኦት ምኽንያታት ዝለዓሉ ጎንፅታት ኣለው፤ ቅድም ክብል'ውን ዝነበሩ እዮም። ካብ ቀረባ እዋናት ንደሓር ድማ ንነብሶም ክከላኸሉ ኣብ ልዕሊ ዘይኽእሉ ውሑዳን ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት እናወሰኹ ይመፁኡ ኣለዉ" ኢሎም ኣይተ ብፅኣት።

ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ዶባት ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ብዝተወልዑ ጎንፅታት ብዙሓት ህይወቶም ድሕሪ ምስኣኖምን ብኣሽሓት ዝግመቱ ተወለድቲ ኦሮሞ ካብ ሶማሌ ድሕሪ ምፍንቓሎምን፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቡኖ በደሌ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ ካማሺ ዘጋጠሙ ጎንፅታትን መጥቃዕትታትን ምኽንያት ሞትን ምፍንቓልን ምዃኖም ይዝከር።

"ንሕና ልዕሊ ኩሉ ህይወትና ኢና ንደሊ"፡ ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቱ

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ መስከረም 2009 ዓ.ም ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ጌዲኦ፤ ሰነ 2009 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሃረር፡ ኣብ ዓሌት ዘነፃፀሩ ግህሰታት መሰል ተፈፆሞም'ዮም ዝብል መግለፂ ሰመጉ፡ እዚ ከኣ ብሄር ተኮር ጎንፅታትን ጥቕዓታትን "ናብ ዝኸፍአ ደረጃ እናተሰጋገሩን ሓደገኛ ናብ ዝኾነ ኣንፈት የምርሑ ምህላዎምን ሓደ መርኣዪ ክኸውን ይኽእል" ኢሉ።

ኣብ ኢሰመኮ ዳይሬክተር ሰብኣዊ መሰላት ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ ብወገኖም "ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝመፅኡ ሓበሬታታት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ብሄር ንዘነፃፀሩ ጎንፅታት ዘፃሪ ጉጅለ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ክዋፈር'ዩ" ክብሉ ገሊፆም። እቲ ጉጅለ ካብ ሞንጎ ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት፡ ክልላት ኦሮሚያን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ከምዝርከባ'ውን ሓቢሮም።

Image copyright Wendimagegn asefa
ናይ ምስሊ መግለጺ ካብ ከባቢ ቡኖ በደሌ ዝተመዛበሉ ዜጋታት

ኣይተ ብርሃኑ "ምስ ሕቶ ዶብ ብዝተተሓዘ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ዝበፅሐ ፀገም ዘፃርይ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ተዋፊሩ ስርሑ እናፈፀመ'ዩ" ኢሎም።

ኢሰመጉ፡ ንግዳያትን ስድራ ግዳያትን ብቐጥታ ብምዝርራብ፡ ቃል መሰኻክር ብምቕባልን ጉድኣት በፂሕዎም ናብ ዝተብሃሉ ካባብታት ብኣካል ብምብፃሕን ብዝተገብረ ምፅራይ፡ "ኣብ ወርሒ መስከረም 2009 ዓ.ም ብዝተፈፀመ ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ፡ ህይወት ብርክት ዝበሉ ሰባት ምሕላፉን ንብረት ምዕናዉን ኣረጋጊፀ" ኢሉ።

ብተወሳኺ'ውን ኣብ መዛዘሚ ሰነ 2009 ዓ.ም ማእከል ባህልን ታሪኽን ኣፍረን ቀሎ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ-ኩርናዕ ድሕሪ ምቕማጡ፡ ኣብ ልዕሊ ብሄር ዘነፃፀረ ምድሃል፣ ማእሰርትን መግረፍትን ከምዝተፈፀመ ሓቢሩ።

መንግስቲ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጎንጺታት ክራይ ኣከብትን ኮንትሮባንዲስት ነጋዶን ዘለዓዕሉዎም ከምዝኾኑ ይዛረብ።

ኣብ ቀረባ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ከምዝበሉዎ ኣመራረሓ ኣካላት መንግስቲ 'ውን ተሳትፍቲ እዮም ፣ ስጉምቲ ድማ ክውሰዶም እዩ።

ጉባኤ ሰባዊ መሰላት፣ መንግስቲ ዝወስዶም ስጉምትታት ዝደንጎዩን ነቲ ጸገም ካብ ሱር መሰረቱ ዝፍትሽ ኣይኮነን ይብሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ መምህርን ሓላፊ ዲን ሕግን ምሕደራን ኣይተ ገብረሂወት ሓዱሸ፣ ሓቅነት ይጎድሎም እዩ ብዝብል ምኽንያት፡ "እቶም ብመንግስቲ ዝውሃቡ ዘለዉ መግለጺታት፡ ምድንጋር ካብ ምፍጣር ሓሊፎም ካሊእ ረብሓ የብሎምን" ይብሉ።

ቀጺሎም እውን "ኣብ ልዕሊ ፖሊቲካ ምበር ኣብ ሕጊ እምነት የለን" ይብሉ። እቶም መጥቃዕቲ ዘጋጠሞም ፍትሒ ከምዝደልዩ ኣረጊጾም ይዛረቡ።

ብዛዕባ ኣብ ዘይክልሎም ዝርከቡ ዜጋታት ናይ ጸጥታ ሓላፍነት ድማ፣ ንካልኦት ክልላት ንብሕተን ዝግደፍ ጉዳይ ከምዘይኮነ የረድኡ።

Image copyright PAUL SCHEMM

ተመሳሳሊ ዛዕባታት