ሰራዊት ሚያንማር፡ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሮሂንግያ፡ ንጹህ እየ ይብል

ስደተኛታት ሮሂንግያ Image copyright DIBYANGSHU SARKAR
ናይ ምስሊ መግለጺ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሮሂንጋውያን ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ይርከቡ

ሰራዊት ሚያንማር 'ኣካይደዮ' ናይ ዝበሎ ምርመራ ውፅኢቱ ዕላዊ እንትገብር፡ ኣብ ቅትለት ሙስሊም ሮሂንግያ ኢደይ ኣየእተኹን ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ እቲ ሰራዊት መንበሪ ገዛ ሮሂንጋውያን ከምዘየቃፀለን ህይወት ሰባት ከምዘየጥፍአን ሓቢሩ።

ኮይኑ ግን እቲ ጸብጻብ ምስቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘረጋገፅዎ ሓቂ ዝፃባእ ኮይኑ'ሎ። ወድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ተግባር "ዓሌታዊ ጭፍጭፋ" ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ዝተብሃለ ዓለም-ለኻዊ ትካል ድማ "ብሓሶት ተላዕጢጡ ዝወፅአ ፀብፃብ" ክብል ገሊፁዎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ባይታ ወሪዱ ከፅርዮ'ውን ሓቱቱ።

መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተኸልከለሉ ኣጋጣሚ ነቲ ኩነታት ከጻሪ ዕድል ዝረኸበ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆናታን ሄድ፡ ሰዓብቲ እምነት ቡድሂስት፡ ብሰራዊት ሚያንማር ተሓጊዞም፡ መንበሪ ኣባይቲ ሙስሊም ሮሂንግያ ከቃጽሉ ምዕዛቡ ፀብፂቡ'ዩ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ብዝተፈጠረ ጎንፂ፡ ፍልቂ ሚልዮን ዝኾኑ ሙስሊም ሮሂንግያ ካብ ሚያንማር ከምዝወፁ'ውን ገሊፁ።

ካብ ሞንጎ ናብ ባንግላዲሽ ዝኣተዉ፡ ብጥይት ዝተወቕዑ ሮሂንግያውያን ነቲ ኩነታት እንተረድኡ፡ እቲ ሰራዊትን ሰዓብቲ እምነት ቡድሂስትን ንሰላማውያን ሰባት ይቐትሉን ገዛውቲ የቃፅሉን ምንባሮም ተዛሪቦም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ መግለፂ፡ ጎንፂ ኣብ ዝተፈጠረሉ ከባቢ ካብ ዝነብሩ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ቃሎም ከምዝተቐበለን እቲ ሰራዊት ዝኾነ ዓይነት ገበን ከምዘይፈፀመ ምዝራቦምን ሓቢሩ።

"ሰራዊት ሚያንማር ንሰላማዊ ሰብ ኣይቀተለን፤ ፆታዊ መጥቃዕቲ ኣይተፈፀመን፤ ማእሰርቲ ኮነ መግረፍቲ ኣይተፈፀመን። ስርቂ ኣይተኻየደን፤ መሳጊድን መንበሪ ገዛውትን ኣይተቓፀሉን፤ ዝኾነ ሰብ እውን ኣይተፈናቐለን" ይብል እቲ ፀብፃብ።

"በቶም ዝተቓፀሉ ገዛውትን ዝተሰደ ሰባትን ተሓታቲ ዝኸውን 'ቤንጋሊ' ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣሸባሪ ጉጅለ ሮሂንግያ'ዩ" ክብል ኣፍሊጡ።

Image copyright AFP/ GETTY IMAGES

ዘይእሙን ፀብፃብ

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆናታን፡ እቲ ትኽክለኛን ተኣማንነት ዘለዎን ፀብፃብ ንምርካብ ግዜ ከምዝወስድ ይገልፅ።

ብዘስደምም ኩነታት እቲ ሰራዊት ካብቲ ገበናት ንዓርሱ ነፃ ምግባሩ ዘይእሙን ፀብፃብ ይገብሮ። እቲ ዝውቀስ ዘሎ ሰራዊት ሚያንማር በዓሉ ዘካየዶ ምርመራ ምዃኑ'ውን ካልእ ፀገም ከምዝኾነ ይሕብር።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ካብ ሙስሊም ሮሂንግያ ዝስማዕ ብተፃራሪ ምዃኑን ዘረድእ ጆናታን፡ ከቢድ ኣፅዋር ኣይተጠቐምናን እንተበለ'ኳ፡ ንሱ ግን ጎንፂ ናብ ዝተፈጠረሉ ከባቢ እንትጓዓዝ ድምፂ ከቢድ ኣፅዋር ከምዝሰምዐ ገሊፁ።

"ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናይቶም መንበሪኦም ገዲፎም ዝወፁን ንባንግላዲሽ ዝኣተዉን ሙስሊም ሮሂንግያ ቃል ተቐቢሎም ዘውፅእዎም ፀብፃባት፡ እቲ ሰራዊት መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ እምበር ካብቲ ገበን ነፃ ከምዝኾ ዘርእዩ ኣይኮኑን" ክብል ትንታንኡ ይዛዝም።

ቀፃሊ...

ወሃቢ ቃል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝብልዎ፡ ተሓታትነት ሰራዊት ሚያንማር ከምዘረጋግፅ ግልፂ'ዩ።

"ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ኢዱ ሓዊሱ ነዚ ግፍዒ ደው ከብልን ፈፀምቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቦምን ይግባእ" ኢሎም።

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ታይለርሰን፡ ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ሚያንማር ዑደት ከካይዱ ትፅቢት ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት