ኢትዮጵያ፡ ዓማዊል ኢንተርኔት ካብ ዘየዕግባ ቀዳሞት ሃገራት ሓንቲ ኾይና

ግልጋሎት ኢንተርኔት ኣብ ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተገልገልቲ ሞባይልን ኢንተርኔትን፡ ክልከላታት ብምንባር፡ ካብ ቻይና ቀጺላ ምስ ሶርያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ፍሪደም ሃውስ ኣፍሊጡ።

ኢትዮ ቴሌኮም ብግድኡ ''ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ኢንተርኔት ኮነ ሞባይል ተዓጽዩ ኣይፈልጥን'' ይብል።

ሃገራት ቻይናን ሩስያን ብኢንተርኔት ኣቢሎም ዝግበሩ ወግዕታት እናጠለፉ ተገልገልቲ ንምትእጉጓል ዝጀመርዎ ስራሕ፡ ሎሚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ልሙድ እናኾነ ምምጽኡ ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ የመልክት።

ብመሰረት መጽናዕቲ ፍሪደም ኦፍ ዘ ኔት፡ ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ካብ ሚእቲ ዝመዝን ረቛሒታት፡ 86 ሚኢታዊት ብምምዝጋብ ካብ ቻይና ቀጺላ ምስ ሶርያ ማዕረ ነጥቢ ሒዛ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ 65 ሃገራት ጥራይ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ ሃገራት ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ኣካል እቲ መጽናዕቲ ከምዘይነበራ ተፈሊጡ።

ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ብምዕፃዋ ሚልዮናት ዶላር ከሲራ

ኢትዮ-ቴሌኮም፡ ንቕድሚት'ዶ ንድሕሪት?

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮ ቴሌኮም ኣይተ ዓቡዱራሒም ኣሕመድ ብወገኖም ''ኣብ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ኢንተርኔት ኮነ ሞባይል ተዓጽዩ ኣይፈልጥን። ቅድሚ ሕዚ ፌስቡክን መሰላት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንምጥቃም ዘኽእል ኦቨር ዘ ቶፕ( over the top) ዝበሃል ዓይነት ግልጋሎት፡ ሃገራዊ ፈተና ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ጥራይ'ዩ ተዓጽዩ ነይሩ እምበር ኣብ ሃገርና ኢንተርኔት ተዓጽዩ ኣይፈልጥን'' ኢሎም።

ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ትካል ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሌታት ተበጊሱ ዕላዊ ዝገበሮ መጽናዕቲ እምበር ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ከምዘይኮነ እውን ኣይተ ዓብዱራሓማን ወሲኾም ገሊጾም።

''ከም ዓለም ለኸ ሓድነት ቴሌኮሙኒኬሽን (ITU) ን ኣይሲቲ ኣፍሪቃን (ICT Africa) ዝኣመሰሉ ትካላት'ዮም ናትና መሰረተ ልምዓት ዝፈልጡን ክልክዑ ዝኽእሉን እምበር ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ሓቅነት የብሉን'' ብምባል ተቐባልነት ዘይብሉ ጸብጻብ ከምዝኾነ ኣይተ ዓብዱራሓማን ገሊጾም።

Image copyright Freedom House

ፍሪደም ሃውስ '' ግልጋሎት ማሕበራዊ መራኸብታት ብምጉዳል ኣብ ስርዓት ዲሞክራሲ ኣሉታዊ ጽልዋ ምሕዳር'' ኣብ ትሕቲ ዝብል መጽናዕቱ፡ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ጸሪሑ።

  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝለዓለሎም ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ግልጋሎታት ሞባይልን ኢንተርኔትን ምዕጻው።
  • ማሕበራዊ መራኸቢታትን መተግበሪታቶምን ከምዘይሰርሕ ይግበር።
  • ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መርበብ ሓበሬታታት ክዓኡ ምጽንሑ ዝብሉ እቶም ቀንዲ እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድኹም መሰረተ ልምዓት ምህላዉን፡ ግልጋሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ጥራሕ ምዃኑን፡ ዓማዊል ግልጋሎት ኢንተርኔት፡ ከምልቦም ንከይጥቀሙ ምኽንያታት ከምዝኾኑ'ዩ ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ዘረድእ።

ሰራሕተኛ ኣርቲክል 19 ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥን ዘሎ ፓትሪክ ሙታሂ ብወገኑ '' ከም ናተይ እምነት እቲ ብፍሪደም ሃውስ ዝወጽአ መጽናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ዘንጸባርቕ'ዩ'' ክብል ገሊጹ።

'' ሰባት ንኽውደቡ፣ ሓሳባቶም ንኽገልጹን ክቕስቅሱን ግልጋሎት ኢንተርኔትን ሞባይልን ይጥቀሙ'ዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ከምዝታት ዝበለ ውዳበታትን ሓሳባትን ስለዘጨንቖ ንዘይደልዮም መርበብ ሓበሬታታትን ግልጋሎት ሞባይልን ምቁራጽ ከም ልሙድ ገይሩ ወሲድዎ'ዩ''። ክብል ፓትሪክ ሓሳቡ የጠናኽር።

ብ1941 ዓ/ም/ፈ ኣብ ኣሜሪካ ከምዝተጣየሸ ዝዝረበሉ ትካል ፍሪደም ሃውስ፡ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፣ ስርዓት ዲሞክራሲን ፖለቲካዊ ናጽነትን ኣድሂቡ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ዘካይድ ትካል እዩ።

ዋላ እኳ መጠን ዝርግሐ ኢንተርኔት ኢትዮጵያ ኣብ 2011 ዓ/ም/ፈ ካብ ዝነበሮ ኣስታት ሓደ ሚኢታዊት፡ ናብ 15 ሚኢታዊት ክብ እንተበለ ከምኡ እውን ቁጽሪ ተጠቀምቲ ሞባይል ካብ 16 ሚኢታዊ ናብ 51 ሚኢታዊ እንተወሰኸ ካብ መስርዕ ትሑት ወሃብቲ ግልጋሎት ኢንተርኔት ግን ክትወጽእ ኣይከኣትን።

መጽናዕቲ ፍሪደም ሃውስ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ጸሪሑ ከምዝጸብጸቦ እንተኾይኑ ኢትዮጵያ ካብተን ግልጋሎት ኢንተርኔት ብኽባር ዋጋ ዝሸጣ ሃገራት ሓንቲ'ውን እያ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ ኮምፒተር ወይ እውን ብሞባይል ግልጋሎት ኢንተርኔት ንክረኽቡ ኣብ ወርሒ ብማእኸላይ 80 ዶላር ወጻኢ ከምዝሓቶም ሓደ መጽናዕቲ ኣረዲኡ። ዝሓሸ ዝርግሐ ኢንተርኔት ኣለዎን ዝበሃላ ሃገራት ኬንያን ኡጋንዳን ግን ናይ ሓደ ዜግአን ወርሓዊ ወጻኢኡ ካብ 30 ዶላር ዘይዛይድ ከምዝኾነ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት