ሃረርን ጀጎልን ብምስሊ

ከተማ ሃረር፡ ኣብ ድሩት ስፍሓት መሬት ብዙሓት በጻሕቲ ላብ ዘተኣናግዳ ከተማታት ዓለምና ሓንቲ እያ። እቲ ልዕሊ 1000 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ከተማኣ ምንጪ ቅርስታታን እዩ። መንደቕ ጀጎልን ሓሙሽተ ኣፍደገታቱን፡ ናይ ኣዋርቕ ገንዘባ፡ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ መሳጊዳ፡ ኣሰራረሓ ኣባይታ፡ ዘቤታዊ ንዋትን ስርሓተን ቀንዲ መስሕብ በጻሕታ እዩ።

Image copyright Empics

ቤተ መዘክር አርተር ራምቦ ብስም ፈረንሳዊ ጸሓፊ ዝተሰምየ ሙዚየም እዩ። ኣብቲ ቤተ መዘክር ቅድሚ ነዊሕ መታት ዝተላዕሉ ምስሊ ከተማ ሃረርን ብዛዕባ ዝተኻይዱ ምርምራትን ዘርእዩ ክፍልታት ኣለዉዋ። እቲ ብ1880 ናብ ከተማ ሃረር ዝመጽአ ፈረንሳዊ ጸሓፊ አርተር ራምቦ ኣብቲ ን11 ዓመት ዝጸንሓሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 120 ዓመታት ዝጸንሐ ኣሳእል ኣልዒሉ እዩ። እቲ ቤተ መዘክር ጂዋጅ ብዝበሃል ህንዳዊ ከምዝተሃንጸ ሓበሬታታት የረድኡ።

አፍላላ ዉፋ ዝተባህሉ ካብ ካይላ ዝስርሑ ባህላዊ ኣቕሓ ብቑጽሪ ኣርባዕተ እዮም። ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብሄረሰብ ሃረር ብቕደም ተኸተል እዮም ዝቕመጡ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ነናይ ገዛእ ርእሶም አገልግሎት አለዎም። እቲ ቐዳማይ ናይ ኣደ ባንክ ክበሃል እንከሎ ሰብኣይ ንዕለታዊ መነባብሮ ዝኸውን ገንዘብ ዘቐምጠሉ እዩ። እቲ ካልአይ መቐመጢ ባህላዊ መድሃኒት ከገልግል እንከሎ እቲ ሳልሳይ መድሃኒትን እኽሊ ዘርእን ይቕመጦ። እቲ ራብዓይ ዝተፈላለየ ሰነዳት ሕረሻን ናይ ዕድጊ ረሲትን ይሕዝ።

እዚ ቆሪ ሃዳ ዝተሰምየ ባህላዊ ኣቕሓ፡ ሓንቲ ኣደ፡ ጓላ ተመርዕያ ናብ እንዳ ኣሕሙኣ ክትከይድ እንከላ ዝተፈላለየ መግብታት እተስንቐላ መትሓዚ ኣቕሓ እዩ። እቲ ኣቕሓ ክሳብ 25 ኪሎግራም ዝምዘን መግቢ ናይ ምሓዝ አቕሚ ኣለዎ። እቶም ናይ ሃረር መግቢ ሒዞም ዝኸዱ ሰባት ንባህልን ስርዓትን ሃረር ብዝግባእ ዝፈልጡ ኪኾኑ ኣለዎም። እዚ ኣውሒ ካብ ዝተባህለ ገረብ ዝስራሕ ዓይነት ኣቕሓ ድሕሪ ዝተወሰኑ ዕለታት ናብ ስድራ እታ ጓል ዝተፈላለየ ህያብ ሒዞም እዮም ዝምለሱ።

ኣብ ባህሊ ሃረር ኮፍ መበሊ መደብ ልዑል ቦታ ኣለዎ። ኣብ ሓደ ቤት ሓሙሽተ መደብ ይስረሑ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ንደረጃን እቲ ሰብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ብጽሒት የንጸባርቑ። ንፍልጠት፡ ጾታና ዕድመን ከኣ መሰረት ይገብሩ። መራሐቲ ሃይማኖትን ምሁራንን ከምኡ እውን ኣቦታት ኣብቲ ብርኽ ዝበለ መደብ ክቕመጡ እንከለዉ፡ ኣንስቲ፡ ኣባጽሕን ህጻናት ከኣ ኣብቲ ዝተዳለወሎም መደብ ይቐመጡ። እቶም ሓሙሸተ መደብ ብቋንቋ ሃደሬ ''አሚር ነደብ'' ''ግድር ነደብ'' ''ጥት ነደብ'' ''ጉት ነደብ'' እና ''ገብትሄር ነደብ'' ይበሃሉ።

ከምዚ ሎሚ፡ ጫማ ብዘመናዊ ኣገባብ ከይተሰርሐ ደቂ ሃረር ካብ ዕንጨይትን ቆርበትን ዝተሰርሑ ጫምታት ይወድዩ ነይሮም። እቲ ካብ ዕንጨይቲ ዝስራሕ ጫማ ኣብ ገዛ ከገልግል እነከሎ እቲ ካብ ቆርበት ዝስራሕ ከኣ ንነዊሕ ርሕቀት የግልግል።

ግንቢ (ህንጻ) ጀጎል ብ1551/52 ከምዝተሃንጸ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ የመልክቱ። እዚ ህንጻ እዚ 4 ሜትሮ ቁመትን ካብ 50-75 ሴንቲሜትርን ስፍሓት ኣለዎ። ነቲ ህንጻ ዘስርሑዎ ከአ ንጉስ/አሚር ኑር ቢን ሙጃሂድ ምዃኖም ይንገር። እቶም ሓሙሽተ ኣፍደገታት እቲ ህንጻ፡ ማይ ዝርከበሉ መኣዝን ንምምልኻት እዮም ተሰሪሖም ይበሃል።

ሓደ ካብቶም ሓሙሸተ ኣፍደገታት ከረ ፈልአና ተባሂሉ እዩ ዝስመ። በቲ ሽም'ቲ ዝተጸወዓሉ ምኽንያት ከኣ እቲ መገዲ ናብታ ዓዲ ስለዝወስድ እዩ ይበሃል። ደቂ ሃረር ግን፡ ኣፍደገ ከረ አሱሚ ኢሎም እዮም ዝጽውዑዎ። አሱሚ ማለት ብሃደሪኛ፡ በርበረ ማለት ኪኸውን እንከሎ እቲ ሽም ካብቲ ኣብ ማዕድኡ ዝርከብ ቀይሕ ወሓዚ ዝተወስደ እዩ ይብሉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት