ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ

ሎሚ 15 ሕዳር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ስደተኛታትን ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ነቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ብምድጋፍ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ተቓውሞ ዘካየዱ ሰልፈኛታት "ትምህርትን ኣምልኾን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ፡ እሱራትና ይፈትሑልና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣስላምናን ክርስትያናን ሓደ ኢና። እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ!" ዝብል ጭርሖታት ብትግርኛን ዓረብን እናቃልሑ ብጎድናታት ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተኣኻኺቦም ተቓውሞኦም ድሕሪ ምስማዕ፡ ንምኽንያትን ዕላማን እቲ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ቃል ዝሓዘ ጽሑፍ ንወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣረኪቦም።

ከምኡ እውን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ፡ ማይ ዓይኒ፡ ሕጻጽ፡ ሽመልባ፡ ዓዲ ሓሩሽ ዝበሃላ ኣርባዕተ መዓስከራትን ኣብ ክልል ዓፈር ኣብ ዘለዋ፡ በራሕለ፡ ኣሳዒታ (ኣሳይታ) ዝበሃላ ካልኦት ክልተ መዓስከራት፡ ኤርትራውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈ ግርማይ ዝበሃል፡ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ "ኣብ ኤርትራ ዜጋታትና ይሳቐዩ ስለዘለው ኣስላም ኣሕዋትና ነበርቲ ኣኽርያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሰላም ከይመሃሩ ዕንቅፋት መሰጋጠሞም ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ንዘካየድዎ ተቓወሞ ንምድጋፍ እየ ድምጸይ ከስምዕ ወጺአ" ክብል ንወኪል ቢቢሲ ሓቢሩ።

መልእኽቱ ብምቕጻል፡ ዕላማና፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለው ወከልቲ ኤርትራ፣ ሕብረት ኣፍሪካን መላእ ኣፍሪካን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቃወሙ እዩ ድልየትና። መንእሰይና ብኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብስደትን ማእሰርትን ይሳቐ ስለዘሎ፡ ካብዚ ጸግም እዚ ንኪላቐቕ እጃሞም ከበርክቱ እዩ ድላይና" ኢሉ።

ቅደሚ ትሽዓተ ዓመታት ንስርዓት ኤርትራ ተቓዊሙ ዝመጽአ መንእሰይ እስክንድር ዘሪሁን፡ ንማእሰርቲ ወዲ 93 ኣቦና ሸኽ ሙሳን፡ ካልኦት ኣማኢት ኤርትራውያን እሱራትን፡ ፍትሒ ንኪረኽቡን ሰብኣዊ መሰሎም ንኪኽበርን ምእንቲ እየ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምሕጽንታይ ዘቕርብ ዘለኹ ኪብል እንከሎ፡

ናይ ምስሊ መግለጺ ሄለን ገብረኣምላኽ

ኣብ ኤርትራ ንኽልተ ዓመት ድሕሪ ምእሳራ፡ ካብ ዘጋጠማ ግህሰት ሃዲማ ዝመጽአት መንሰይ ሄለን ገብረኣምላኽ፡ "መንግስቲ ኣብ ሃይማኖትን ትምህርትን ኢዱ እናእተወ ዘሸገሮ ህዝብና ንዘካየዶ ተቓውሞ ደገፈይ ንምግላፅ እየ ወጺአ" ትብል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ልደታ ዝነብር ኣቶ ኢማም ኣቡበከር እውን " ህዝብና፡ መንእሰይን ሽማግለን ይሳቐ፡ መሰረተ ልምዓት ደኺሙ፡ ኣብ ወጽዓን ስቓይን ስለዘሎ፡ ይእከል እብል ኣለኹ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሰልፊ ብምድጋፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ካብ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብስልክን ኢመይል ርእይቶ ክንረክብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት