ፕሬዚደንት ሙጋበ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ኣትዩ

ወተሃደራት ኣብ ጎኒ ታንክታት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣፅዋር ዝተሰከማ ተሽከርከርቲ ኣብ ጎደናታት ሃራሬ ተራእየን

ሰራዊት ዚምባብዌ ምሉእ ብምሉእ ነታ ሃገር ዝተቖጻጸራ እንትከውን እቲ ካብ 1980 ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋበ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ገሊፁ።

ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ምቁጽጻሮም ኣንጻር እቶም ኣብ ዙርያ ሙጋበ ኮይኖም ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ኣብ ዝፈጠሩ ሰባት ኢና ዓሊምና ዘሎና ድማ ኢሎም።

እቲ ስጉምቲ ድሕሪ ፕሬዚደንት ሙጋበ ንብዓልቲ ቤቱ ግሬስ ናብ ስልጣን ንምምጽእ ነቲ ምክትሉ ዝነበረ ኤሜርሶን ምናንጋግዋ ብሃገራዊ ጥልመት ድሕሪ ምኽሳስ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምግላፉ ኢዩ ማዕቢሉ።

ሓደ ጀነራል ኣብቲ ሃገራዊ ቴሌቪዝን ኣብዝሃቦ መግለጺ ዕላዋ መንግስቲ ከምዘየካየዱን ሙጋበ ኣበይ ከምዘሎ ኣይግለጽ ድኣ'ምበር ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጹ።

እንተኾነ ስጋብ ሕጂ ካብ ሙጋቢ ዝኾነ ይኹን ዝተውሃበ መግለጺ መግለፂ።

እንተኾነ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዜና ማዕከናት ከምዝበልኦ፡ ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ሓቢረን።

ናይ ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ ትዊተር ከምዝበሎ ድማ ምክትል ፕሬዚደንት-ነበር ኤሜርሶን ምናንጋግዋ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ዛኑ ግዚያዊ ፕሬዚደንት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ናይ ዚምባብዌ ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ፡ ትዊተር ከምዝበሎ፡ ድማ ምክትል ፕሬዚደንት ነበር ኤሜርሶን ምናንጋግዋ ግዚያዊ ፕሬዚደንት ሃገር ክኸውን'ዩ።

ሰራዊት ዚምባብዌ ድሕሪ ምቁጽጻር ሃገራዊ መደበር ፈነወ'ቲ ሃገር [ዚማባብዌ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ''ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ዘነጻጸረ'' ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ''ዕልዋ መንግስቲ ኣይኮነን'' ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋበ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጾ።

ወጋሕታ ናይ ሮቡዕ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ርእሰ ከተማ ሃራሬ ናይ ከቢድ ብረት ተኹሲ ተሰሚዑ።

ኣይዛክ ሞዮ ነቲ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ዕልዋ መንግስቲ ብምንጻግ እቲ መንግስቲ ''ኣይተተንከፈን'' ኢሉ።

ድሕሪ ገለ ሰዓታት ወተሃደራት እታ ሃገር ንዋና ቤት ጽሕፈት መደበር ፈነወ ዚምባብዌ ምቁጽጻሮም ኢዮም እቲ መግለጺ ዝተዋህበ። ሓደ ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ከምዝበሎ ''ንህዝቢ ዚምባብዌ ከነረጋግጾ እንደልዮ ፕሬዚደንት ሙጋበን ስድራ ቤቱን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለውን ሓለወኦም ድማ ውሑስ ኢዩ'' ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብምቕጻል፡ ''ንሕና ነቶም ኣብ ዙርያ ሙጋበ ዘለው ገበነኛታትን ኣብ ሃገርና ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ኣብ ዝፈጥሩ ኢና ኣነጻጺርና ዘሎና። ተልእኾና ድሕሪ ምፍጻምና ድማ እቲ ዘሎ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ትጽቢትና ኢዩ'' ኢሉ።

ስጋብ ሕጂ ነቲ ሰራዊት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ መን ይመርሖ ከምዘሎ ኣይተፈልጠን።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስጋብ እቲ ኩነታት ብስርዓት ዝፍለጥ ኣብ ሃራሬ ንዝነብሩ ዜጋታቶም ካብ ገዛውቶምን ሆቴላቶምን ከይወጽኡ ምዒዱ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ዚምባብዌ ጀነራል ቆስጠንጢኖ፡ ሰራዊት ዚምባብዌ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ኢዱ ከምዝሓውስ ኣጠንቂቖም ነይሮም

ኣብ ሃራሬ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዝፈነዎ ትዊት ድማ ''ብሰንኪ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት'' ብሮቡዕ ቤት ጽሕፈቶም ክዕጾ ምዃኑ ገሊጾም። ስጋብ ዝኾነ ዝኸውን ድማ ዜጋታቶም ''ኣብ እሙን ቦታ ክዕቆቡ'' ምዒዱ።

እዚ ሓድሽ ኩነታት ገለ ስዓታት ድሕሪ ጀነራል ቺዋንጋ ነቲ ኣብቲ ሃገር ኣንጸላልዩ ዘሎ ኩነታት ንምህዳእ ናይ ሰራዊት ምትእትታው ክህሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ገዛኢ ሰልፊ ዝምባብዌ ድማን ንጀነራል ቺዋንጋ ''ብጥልመት ሃገር'' ድሕሪ ምውንጃሉ ኢዩ ተኸሲቱ።

ጀኔራል ኮንስታንቲኖ ቺዋንጋ ነቲ ወዲ 93 ዓመት ፕሬዚደንት ሙጋበ ንምክትሉ ካብ ሓልፍነቱ ምስኣውረዶ በዲህዎ ኢዩ።

ጀነራል ቺዋንጋ ከምዝበሎ እቲ ሰራዊት ነቲ በቲ ብሰልፊ ሙጋበ -ዛኑ ፒኤፍ - ዝግበር ናይ ምጽጻይ ተግባር ደው ንምባል ቅሩብ ምኳኑ ገሊጹ።

ብሰሉስ ድሕሪ ገለ ታንክታትን ወተሃደራዊ መካይንን ኣብ ጽርግያታት ከተማ ሃራሬ ቦታታት ክሕዛ ምስጀመራ ኣብታ ከተማ ውጥረት ነጊሱ፡ ዋላ'ኳ እቲ ዕላም ንጹር እንተዘይነበረ።

ገለ ምንጭታት ንሮይተርስ ከምዝሓበርዎ፡ ገለ ኣባላት እቲ መደበር ፈነወ ብወተሃደራት ከምዝተጋፍዑ ሓቢሮም።

እንተኾነ እቶም ሰራሕተኛታት በቲ ኩነታት ''ከይሻቐሉን'' እቲ ናይ ሰራዊት ስጉምቲ ነቲ ትካል ንምክልኻል ከምዝኾነ ገሊጾምሎም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሺንጋይ ኝዮካ ከምዝበለቶ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይታ ከተማ፡ ብፍላይ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን እንተላይ ፕሬዚደንትን ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ናይ ከቢድ ብረት ተኹሲ ይስማዕ ከምዝነበረ ገሊፃ።

ናይ ዓይኒ ምስኽር ንኤ ኤፍ ፒ ናይ ዜና ማዕከን ከምዝሓበሮ ድማ ወጋሕታ ሮቡዕ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዛ ፕሬዚደንት ሙጋበ ተኹሲ ከምዝተሰምዐ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ሙጋበ ንምክትል ፕሬዚደንት ኢሜርሶን ምናንጋግዋ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ ምትኽኻእ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ካብ ሓላፍነቱ ኣውሪድዎ።

ቅድሚ እዚ ኩነታት፡ ምናንጋግዋ ከምተካኢ ሙጋበ ኢዩ ክርአ ጸኒሑ፡ ሕጂ ግና በዓልቲ ቤት ሙጋበ ግሬስ ኢያ ክትክኦ ትብሃል ዘላ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ወይዘሮ ግሬስ ዕልዋ ክካየድ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣጠንቂቓ። ገለ ደገፍቲ ምናንጋግዋ ነቶም ዘይድግፍዎም የፈራርሕዎም ከምዘለዉ ገሊጻ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ግሬስ ሙጋቤ ንበዓል ቤተን ናይ ምትካእ ሰፊሕ ዕድል ከምዘለወን ይእመን

እቲ ገዛኢ ሰልፊ ከምዝበሎ፡ ናይ ጀነራል ቺዋንጋ መግለጺ ''ንሰላም ናይታ ሃገር ንምዝራግን ናዕቢ ንምልዕዓልን ዝዓለመ'' ኢዩ ኢሉ። ብምቕጻል እቲ ሰልፊ ጨሪሱ ብወተሃደራዊ ምፍርራሕ ኢዱ ኣይህብን ኢዩ። እዚ ድማ ''ልዕልና ፖለቲካ ኣብ ልዕሊ ብረት የረጋግጽ'' ድማ ኢሉ።

መራሒ ማሕበር መንእሰያት እቲ ሰልፊ፡ ኩድዛይ ቺፓንጋ እቲ ጀነራል ናይ ሰራዊት ደገፍ ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ብሰኑይ ጀነራል ቺዋንጋ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት'ቲ ሰራዊት ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ናይ ሰራዊት ጣልቃ ምትእትታው ክህሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ናይቲ ሰልፊ ናይ ምጽጻይ ዘመተ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ-ነበር ዘነጻጸረ ኢዩ ኢሉ እቲ ጀነራል።

ብምቕጻል እቲ ጀነራል ''ነቲ ሰውራ ንምክልኻል ዝኾነ ስጉምቲ ኣንጻር እቶም ናይ ጥልመት ስርሓት ዘካይዱ ድሕር ኣይብልን'' ኢዩ ኢሉ።

ጀንራል ቺዋንጋ ሓደ ካብቶም ተጋደልቲ-ነበር ኢዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት