ናብ ሓላፍነቱ ክምለስን ዘይክምለስን ዘየጥለለ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት ክገብር'ዩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፎቖዶ ጎደናታት ዝተጠቕዑ ስእልታት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ

ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንቐዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ሳዓድ ሓሪሪን ስድርኡን ዕድመ ገይርሉ። ይኹን እምበር እዚ ዕላዊ ዑደት'ድኣ እምበር ፖለቲካዊ ዕቑባ ከምዘይኮነ እቲ ፕሬዚደንት ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ናብ ፓሪስ ፈረንሳ ከምዘቕንዕ'ውን ሰብ መዚ እታ ሃገር እናገለጹ'ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሳዓድ ሓሪሪ ኣብ ስዑድ ዓረብ ንዕላዊ ዑደት ኢሉ ምስወጸ እዩ ብዘይተገመተ ነገር ካብ ሓላፍነቱ ከምዝለቀቐ ዘፍለጠ።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ 'ንቐዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ፡ ፈታዊ እታ ቐንዲ መወዳድርታ ዝኾነት ኢራን ስለዝኾነ እያ ሃንደበት ኣብ ቀይዲ አእትያቶን ካብ ስልጣኑ ንክለቀቕ ጸቐጢ ኣሕዲራትሉን ዝብል ክሲ ነጺጋቶ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ፕሬዚደንት ሊባኖስ ሚኪኤል ኦቦን፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ ኣሲራቶ እያ ክብል ብዕሊ መግለጺ ምሃቡ ዝዝከር እዩ።

ይኹን እምበር ስዓድ ሓሪሪ ጥዕንኡ ደሓን ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዓዱ ሊባኖስ ከምዝምለስን ሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ጀርመን ዑደት ዝገብር ዘሎ ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ማርኮን ኢማኑኤል፡ ሃገሩ ፈረንሳይ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሓሪሪ ዕድመ ዑደት ዘቕረበተሉ፡ ምስ ባዕሉ ሓሪሪን ወራሲ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ሞሓመድ ቢን ሳልማንን ብቴሌፎን ብዘካየዶ ወግዒ መሰረት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ማርኮን ኢማኑኤል፡ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ 'ፖለቲካዊ ዕቑባ' ይህቦ ከይህሉ ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐረበሉ ሕቶታት እንትምልስ ምስ ስድርኡ ስሩዑ ዑደት ክገብር'ድኣ እምበር ሃገሩ ፈረንሳይ ፖለቲካዊ ዕቑባ ከምዘይትህቦ ገሊጹ ኣሎ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ '' ልዑላውነታ ዝሓለወት ጥምርቲ ሊባኖስ ክትህሉ'ዩ ድሌትና። ሓሳባቶም ብዘይ ገለ ስክፍታን ሽቑረራን ብናጻ ዝገለጹ መራሕቲ ኢና እንደሊ'' ክብል'ውን ተሰሚዑ።

እዚ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዝተኸሰተ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳይ ይቪስ ሊ ድርያን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቅልውላዋት ማእከላይ ምብራቕ ንምዝታይ ናብ ስዑድ ዓረብ ካብ ዝኣቱ ንድሓር ኣብ ዘሎ እዋናት እዩ።

ፕሬዚደንት ሊባኖስ ኦዩን ኣብ ቲዊተር '' ሊባኖስ፡ መራሒኣ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ ሰብኣዊ መሰላት ብዝጻባእ መልክዑ ብመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ቀይዲ ከምዘሎ'ያ ትኣምን' ኢሉ።

ኣብ ዓዲ ሃገር ኮይንካ ዝውሰን ነገር ከምዘየለ ዝገለጸ እቲ ፕሬዚደንት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ እንተስ ኣብ ሓላፍነቱ ክቕጽል እንተስ ክለቅቕ ፈለማ ናብ ሃገሩ ክኣቱ ከምዘለዎን ምኽንያቱ እውን ከቕርብ ከምዝግባእን ኣፍሊጡ።

Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ፈረንሳይ ዕላዊ ዑደት እምበር ፖለቲካዊ ዕቑባ ኣይሃበትን

ቀዳማይ ሚኒስትር ስዓድ ሓሪሪ ንፕሬዚደንት ሊባኖስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ '' ዝኸበርኩም ሊባኖሳውያን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣለኹ፣ ብፍቓድ ፈጣሪ ናብ ዓደይ ከምዝምለስ ቃል ይኣትወልኩም'' ኢሉ።

ውድብ ፖለቲካ( ሰልፊ) ቀዳማይ ሚኒስትር ስዓድ ሓሪሪ 'ፊቸር ሙቭመንት' ንፍልፍል ሓበሬታ ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስዓድ ሓሪሪን ስድርኡን ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከቡን ኣብ ቀይዲ ከምዘይኣተዉን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ስዓድ ሓሪሪ ካብ ስዑድ ዓረብ ብቴሌቭዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ መዝነቱ ብገዛእ ርእሱ ከምዝተኣለየን፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣልመ መቕተልቲ ስለዘሎን ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ኢራን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን ንኸይፍጠር ትሰርሕ ከምዘላ'ውን ወስ ኣቢሉ ነይሩ።

ኣቦ ስዓድ ሓሪሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ነበር ራፊቕ ብ2005ዓ/ም/ፈ ኣብ መኪና ብዝተጸወደ ነታጕ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝዝከር እዩ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝዝረበሉ ምንቅስቃስ ሺዓ ሕዝቡላህ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺምዎ ክኸውን ከምዝኽእል እኳ እንተተገልጸ ሕዝቡላህ ግን ፈጺሙ ከምዘይወዓሎ ኣብ እዋኑ ምግላጹ ዝፍለጥ እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት