ኩነታት ዚምባብዌ ዕልዋ ስልጣን እዩ ዝመስል

ሃራሬ ብኽባ ሰራዊት Image copyright Getty Images

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት ዚምባብዌ፡ ስልጣን እታ ሃገር ምቁጽጻሩን ንፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋበን ምቕያዱን ''ዕልዋ መንግስቲ'ዩ ዝመስል'' ብምባል፡ እቲ ኩነታት ብቕልጡፍ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ክምለስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕሬዚደንት ጊኒ ኣልፋ ኮንደ ጸዊዑ።

እቲ ሰራዊት ዕልዋ ኣየካየድናን፡ ኣንጻር እቶም ኣብ ጎኒ ሙጋበ ዘለው ''ገበነኛታት'' ኢና ስጉምቲ ወሲድና፡ ፕሬዚደንት ሙጋበ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ኣሎ ኢሎም።

መንቀሊ እቲ ኩነታት ድማ ንሙጋበ መን ተከኦ ናይ ስልጣን ውድድር ኢዩ።

ምክትል ፕሬዚደንት ኤሜርሶን ምንናጋግዋ ዝሓለፈ ሰሙን ኢዩ ካብ ስልጣኑ ተገሊፉ። እዚ ድማ ንበዓልቲ ቤት ሙጋበ፡ ግሬስ እታ እንኮ ንሙጋበ ክትትክኦ ትኸእል ሰብ ገይርዋ። እዚ ግና ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ ተገሊፍና ስምዒት ኣሕዲሩሎም።

እቲ ወዲ 93 ዓመት ፕሬዚደንት ሙጋበ ድሕሪ 1980 ዚምባብዌ ናጽነታ ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ትረክብ ድማ ፖለቲካ ናይታ ሃገር ዓብሊልዎ ጸኒሑ።

ፕሬዚደንት ኮንደ ናይ ጊኒ፡ ነቲ ዘሎ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ክምልስ እንከሎ፡ ''መደባት ሰራዊት ዚምባብዌ ስልጣን ንምውሳድ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ'' ኢሉ።

Image copyright AFP/Reuters/EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ብምስጋጓግ ምክትል ፕረዚደንት ኢመረሰን ምናነጋግዋ ዝጀመረ ቅልውላው ፓለቲካ ዚምባብወ

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መግለጺኡ፡ በቲ ኩነታት ''ኣዝዩ ተሻቒሉ''፡ ''ነቲ ናይታ ሃገር ሕጋዊ ትካላት ድማ ምሉእ ደገፉ ገሊጹ'''ሎ።

ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣን ሶይ ካብ ዚምባብዌ ከምዝበለቶ፡ ድሕሪ ናይ 2013 ዕልዋ፡ ግብጺ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሰጒጋ ነይራ፡ ሰራዊት ዚምባብዌ ድማ ዕልዋ ኣየካየድናን ዘብሎም ዘሎ ምስቲ ሕብረት ኣብ ረጽሚ ንኸይኣትው ኢዩ።

እቲ ተዋስኦ ከመይ ጀሚሩ?

ድሕሪ ናይ መዓልታት ቅልውላውን ቤላቤለውን ድማ እቲ ሰራዊት ነቲ ናይታ ሃገር መደበር ፈነወ ብሰሉስ ዝተቖጻጸሮ።

ኣፈኛ እቲ ሰራዊት፡ ሜጀር ጀኔራል ሲቡሲሶ ሞዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ እቲ ሰራዊት ኣንጻር ኣቶም ኣብ ጎኒ ፕሬዚደንት ሙጋበ ዝርከቡ ''ገበነኛታት'' ኢዩ ኣነጻጺሩ ኢሉ።

''እዚ ስልጣን ንምውሳድ ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣይኮነን'' ድማ ኢሉ።

ኣብ መግለጺኡ፡ ሜጀር ጀኔራል ሞዮ፡ ፕሬዚደንት ሙጋበን ስድራቤቱን ''ኣብ ጽቡቕን ውሑስን'' ኩነታት ከምዝርከቡን ገሊጹ። ነቲ ኩነታት መን ይመርሖ ከምዘሎ ግና ስጋብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ።

ካብ ሽዑ ስጋብ ሕጂ ወተሃደራዊ መካይን ኣብ ጽርግያታት ከተማ ሃራሬ ክርእያ እንከለዋ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይታ ከተማ፡ ብፍላይ ፕሬዚደንት ሙጋበን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ ድማ ናይ ተኹሲ ድምጺ ክስማዕ ጸኒሑ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ፕሬዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ዝተዋህበ መግለጺ ድማ '' ፕሬዚደንት ዙማ ምስ ፕሬዚደንት ሙጋበ [ብስልኪ] ከምዝተዘራረበን፡ ኣብ ገዝኡ ጥራይ ተወሲኑ ከምዘሎን፡ ኩነታቱ ግና ኣብ ጽቡቕ ከምዘሎን'' ሓቢርዎ።

እንተኾነ ካብ ፕሬዚደንት ሙጋበ ይኹን ካብታ ኣበይ ከምዘላ ዘይትፍለጥ ብዓልቲ ቤቱ ግሬስ ግን ዝኾነ ይኹን ዝተሰምዐ ርእይቶ የለን።

ዚምባብወ ብኸመይ ናብዚ በጺሓ?

እቲ ኣብ መንጎ ግሬስን ምንናጋግዋን ዝነበረ ምትህልላኽ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ-ፒ ኤፍ ገማሚዕዎ።

Image copyright JEWEL SAMAD

ብድሕሪኡ ድማ ሙጋበ ንምንናጋግዋ ካብ ናይ ምክትል ፕሬዚደንት ስልጣኑ ኣልጊስዎ።

ብሰኑይ 13 ጥቅምቲ፡ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋ እቲ ሰራዊት ነቲ ኣብቲ ሰልፊ ዝርአ ናይ ምጽልጻል ስርሓት ደው ንምባል ድልው ምዃኑ ገሊጹ።

ጀነራል ቺዌንጋ ናይ ቀረባ ዓርኪ ናይ ምንናጋግዋ ክኸውን ከሎ ክልቲኦም ድማ ናጽነት ዘረጋገጹ ገዳይም ተጋደልቲ-ነበር 1970ታት ኢዮም።

ናይ ዛኑ ማሕበር መንእሰያት ሓላፍን ደጋፊ ግሬስን፡ ኩድዛይ ቺፓንጋ ''እቲ ሰራዊት ካብ መዓስከሩ ከይወጽእ'' ጠሊቡ።

ዳሕራይ ግና ንጀነራል ቺዌንጋን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊትን ይቕረ ሓቲቱ፡ ''ንኣሽቱ ስለዝኾና ጌጋ ንገብር ኢና'' ድማ ኢሉ፡ ናይ ዚምባብዌ ናይ ፈነወ ኮርፖረሽን ከምዝሓበሮ።