ኣብ ኢትዮጵያ ዝጠፍኡ ጀርመናዊ ፕሮፌሰር ናበይ ኣቢሎም?

ፕሮፌሰር ደርክ Image copyright Moritz Loos

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ 'ኢንስቲትዩት ኦፍ አርክቴክቸር ኮንስትራክሽን ኤንድ ሲቲ ዴቨሎፕመንት' መምህርን ተመራማርን ጀርመናዊ ፕሮፌሰር ደርክ ዶናዝ፡ ካብ ዝጠፍኡ ሓደ ወርሕን 17 መዓልታት ተቖፂሮም።

ኣጠፋፍኣ እቶም ፕሮፌሰር ክሳብ ሕዚ ምስጢራዊ እንትኸውን፡ ብዛዕባ ዝርከቡሉ ኩነታት እውን ዝተረኸበ ኣፋፍኖት የለን።

ሞሪትዝ ሉስ ዝተብሃሉ ወዶም ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ናብ ብሄራዊ ፓርክ ኦሞን ማጎን ብምኽያድ፡ ሃገር ቦቆል ዝኾኑ ኪነ-ህንፃ ንምምርማርን ዑደት ንምግባርን'ዮም ምስ መሳርሕቶምን መሓዙቶምን ከይዶም።

ኣብ ዝጠፍኡሉ እዋን ምስኦም ዝነበሩ (ሽሞም ክግለፅ ዘይደለዩ) መሳርሕቶምን መሓዝኦምን፡ ካብ ንስራሕ ብተወሳኺ ንዑደት'ውን ብተደጋጋሚ ናብቲ ከባቢ ከምዝኸዱ ተዛሪቦም።

መበገሲኦም ካብ ከባቢ ሩባ ኦሞ ነይሩ። ካብኡ ድማ ብኛንጋቶምን ምጉሉን ኣቢሎም ናብ ደቡባዊ ፓርክ ማጎ ይጉዓዙ።

"ፓርክ ማጎ ብዙሓት ዑደተኛታት ዝበፅሑሉ ቦታ ብምዃኑ፤ ብኣንፈት ሰሜን ኣቢሎም ናብኡ ይበፅሑ" ክብሉ'ውን ይዛረቡ።

ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝርከብ እዚ ፓርክ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 782 ኪ.ሜ ይርሕቕ።

ዋላ'ኳ ብደቡባዊ ኣንፈት እቲ ፓርክ ምእታው ዘይልሙድ እንተኾነ፡ ካብ ምጉሉ ናብ ማጎ ፓርክ በቲ ኣንፈት'ዩ ዝብፃሕ። ኣብ መገዶም ድማ ፅዑቕ ዱር ረኺቦም።

መሓዝኦም ከምዝብልዎ፡ በቲ ከባቢ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት'ውን ሓሊፎም ነይሮም'ዮም።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ግን መኪና ሓሊፈንኦ ኣይፈልጣን።

ሞሪትዝ (ወዲ ፕሮፌሰር ደርክ) ድማ፡ እቲ ቦታ ንመኪና ዝኸውን መገዲ ኣይነበሮን። ኣማራፂ ስለዘይነበረ'ውን በቲ ዘይተፀረገ ጉዕዞኦም ቀፂሎም።

በቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ጣቓ ግን ከቢድ ፈተና ኮይንዎም'ዩ።

እቲ መገዲ ናብ ኣዝዩ ፅዑቕ ዱር እናተፀገዐ ምስከደ፡ ዝርከቡሉ ቦታ ከለልዩ ኣይካኣሉን።

ሽዑ ድማ ፕሮፌሰር ደርክ ካብ መኪና ወሪዶም ነቲ ከባቢ ክድህስሱ ጀሚሮም።

ንኣስታት ዓሰርተ ደቓይቕ ዝኣክል ናብ ውሽጢ እቲ ዱር ብእግሮም እናተጓዓዙ፡ ብኢዶም ኣንፈት ይሕብሩ ነይሮም። ደሓር ግን ክምለሱ ኣይከኣሉን።

በዚ ኩነታት ዝተሰናበዱ መሓዙቶም ኣሰሮም ብምስዓብ ክረኽብዎም ፈቲኖም።

ሞባይል ስልኮምን ጂፒኤስ (ኣንፈት ሓባሪ መሳርሒ)ን ኣብ መኪና ስለዝገደፉ ግን፡ ነቲ ኣለሻ ኣኽቢድዎ'ዩ።

ጥሩምባ መኪና እናነፍሑን ድምፆም እናስምዑን ክደልይዎም ፈቲኖም ግን ኣይሰመረሎምን።

"እቲ ዱር ፅዑቕ ብምንባሩ፡ ድምፅና ካብ ሓምሳ ሜትሮ ርሕቐት ክሰግር ኣይከኣለን" ክብሉ መሓዝኦም ይዛረቡ።

Image copyright Moritz Loos

ክምለሱ እዮም ብዘዝብል መብራህቶም ኣብሪሆም፤ ኣብ ኣእዋም እንከይተረፈ መብራህቲ ኣንጠልጢሎም ክፅበዩ ሓዲሮም።

ምናልባት እንተተመሊሶም ከይስእንዎም ብዝብል እውን፡ ኣብ ኦም ደይቦም ሓዲሮም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ናይ ሓደጋ ፃውዒት ሳትላይት ከኣ ናብ ትካል ጀርመን ጂኦይዜድ ተላኢኹ።

ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ፡ ኣብቲ ኣለሻ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፡ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት ብቐፃልነት፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብቲ ኣለሻ ከምዝተሳተፉ ሞሪትዝን መሓዝኦምን ይገልፁ።

ካብ 50 -60 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኣብቲ ኣለሻ ተሓዊሶም ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ኣለሽኦም ኣጠናኺሮም'ኳ እንተቐፀሉ፡ ዋላ ሓደ ኣፋፍኖት ከምዘይተረኸበ የረድኡ።

ሞሪትዝ ከምዝብልዎ፡ ብከልብን ሄሊከኮፕተርን'ውን ንምድላይ እንተፈተኑ ኣይሰመረን።

ደቆምን ኣሓቶምን ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእን ናብቲ ከባቢ ብምኽያድን ኣብ ኣለሻ ተዋፊሮም እዮም።

"ኣብ ሕድሕድ ዱርን ሓጓፍን እንተደለናዮም እውን ክንረኽቦም ኣይከኣልናን" ብምባል ብዛዕባ እቲ ከቢድ ኣለሻ ይዛረቡ።

እቲ ከባቢ ኣፀቢቖም ከምዝፈልጥዎን ንብዙሕ ዓመታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ምጉዓዝ ልምዲ ከምዝነበሮምን ዝገልፁ ሞሪትዝ፡ ወላዲኦም ብህይወት ንክህልዉ የተስፍዉ።

"ምናልባት ማይ ፀሚእዎ፡ ኣብ ቀረብኡ ናብ ዝርከብ ሩባ ማጎ ከይዱ ይኸውን፤ ኣብቲ ከባቢ ንእሽተይ ዓዲ ረኺቡ ኣብኡ ይህሉ ይኸውን" ብምባል ዘለዎም ተስፋ ገሊፆም።

ንነብሲ ወከፍ ዓዲ ክበፅሑ እንተዘይከኣሉ'ኳ፡ ጠፊኦም ካብ ዝተብሃልሉ ቦታ ጀሚሮም፡ ፎቶኦም ዝበተኑ እንትኾኑ፡ ዘለውሉ ከባቢ ንዝፈልጥ ኮነ፡ ንዝረኸቦም ሰብ 25 ሽሕ ብር ሽልማት ኣዳልዮም።

መሓዝኦም ብወገኖም፡ እቶም ፕሮፌሰር፡ ብቐሊሉ ናብራን ከባብን ክለምዱ ዝኽእሉ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ሓደ ዓዲ እናነበሩ ከምዝኾኑ የተስፍዉ።

ፕሮፌሰር ደርክ መን እዮም?

ወዲ 56 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ ፕሮፌሰር ደርክ፡ መንበሪኦም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝገብሩ 9 ዓመታት ኣቑፂሮም እዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ 'ኢንስቲትዩት ኦፍ ኣርክቴክቸር ኮንስትራክሽን ኤንድ ሲቲ ዴቨሎፕመንት' የምህሩ ነይሮም።

ንብዙሕ ዓመታት እውን ኣብ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ባውሃውስ ኣምሂሮም እዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ዩኒቨርሲቲ ባውሃስን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር፡ ንኣስታት 8000 ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝቕየራ ከባብታት፡ "ኢንተግሬትድ ኢንፍራስትራክቸር" ብዝበሃል ፕሮጀክት፡ ትልምታት ከተማን ኣባይትን እናሰርሑ ነይሮም።

ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበበባ ብምትሕብባር እውን፡ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ብቐሊሉ ዝሰርሑ፣ ክቡራት ዘይኮኑን ንከባቢ ዘይብክሉን መሳርሕታት ህንፃ ተጠቒሞም፡ ስራሕቲ ህንፃ ኣብ ምምርማርን ምስራሕን እውን ነይሮም።

እዚ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናኸበረ ንዝመፀ ዋጋ ገዛውትን ብስእነት መንበሪ ገዛ ንዝሳቐ ህዝብን መፍትሒ ከምዝህብ ተኣሚንሉ'ዩ።

ፕሮፌሰር ደርክ፡ ብሞይኦም፡ ብኪነ-ህንፃ(ኣርክቴክቸር)ን ኮምፒዩተርን መዓርግ ፕሮፌሰርነት ኣለዎም።