ዚምባበወ፡ ሞርጋን ሻንጋራይ ፕረዚደንት ሙጋበ ብህጹጽ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዑ

Image copyright PA
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ክወርድን ብኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዘተየሉን ስምምዕ ዝተበጽሓሉን ናይ መሰጋገሪ ኣገባብ (መካኒዝም) ክህሉ ስቫንጋራይ ጸዊዑ

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (MDC) ዝኾነን ቀዳማይ ሚኒስተር ዚምባበወ ዝነበረን ሞርጋን ንጋራይ፡ እቲ ብሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ናይ ቤት እሱር ኮይኑ ዝርከብ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፡ ንህልው ኩነታት ተረዲኡ ብህጹጽ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዑ።

ድሕሪ'ቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን'ዚ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ሓሙስ 16 ሕዳር፡ ንመጀመርታ እዋን፡ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ፡ "ናይ ዓለም ማሕበረሰብ፡ ሳደክ [SADC]ን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ብዛዕባ'ዚ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ዚምባብወ ዘለዎም ስክፍታ ይርዳኣና'ዩ። ስለዚ ድማ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘካተተ ሓባሪ ጎደና [ሮድ ማፕ] ከነቕርብ ወሲንና ኣሎና፡" ኢሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ጎረቤት ዚምባብወ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ላዕለዎት ሚኒስተራት እታ ሃገር ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ዚምባብወ ብምስዳድ፡ ምስ ኹሎም ወገናት ይላዘብ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

•ንረብሓ ህዝቢ ዚምባብወን ቅድሚን ድሕሪን ምምስራት ዚምባብወ ዝገበሮ ኣበርክቶ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሚስተር ሮበርት ሙጋበ ባዕሉ ካብ ስልጣኑ ክወርድ፡

•ብኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዝተዘተየሉን ስምምዕ ዝተበጽሓሉን ናይ መሰጋገሪ ኣገባብ (መካኒዝም) ክህሉ፡

•ርትዓውን ዘይሻራውን ምርጫ ንምክያድ ሰፊሕ ምምሕያሻት ክግበር

•ድሕሪ ምርጫ ሰላም፡ ምርግጋእን ብልጽግናን ከስፍን ዝኽእል ብስምምዕ ዝማዕበለ መቓን (ፈሬምወርክ) ክህሉ።

ሚስተር ሻንጋራይ ሰራዊት እታ ሃገር ንሰላም፡ ክብሪ ሂወት ሰብን መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት ዜጋታትን ወሕስነት ከም ዝሃበ ገሊጹ።

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሮቡዕ 15 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ በቴለፎን ከም ዝተዘራረቡ ብምሕባር፡ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ቤቱ ጥራሕ ተሓጺሩ ከም ዘሎ ከም ዝሓበሮ ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ሮቡዕ ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ " ዝኾነ ይኹን ዘይቅዋማዊ ምልዋጥ መንግስቲ ኣይንቕበልን ኢና" ኢሉ።

እቲ 16 ኣባላት ሃገራት ዘለዎ፡ ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዞባዊ ወድብ 'ሳድክ' (SADC) ነቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ከም ዘሎ'ወን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ሰራዊት ዚንባብወ፡ ንሮበርት ሙጋበ ናይ ምድስካል ስጉምቲ፡ እታ ሃገር ኣብ ፓለቲካዊ ቅልውላው እኳ ተሸሚማ እንተሃለወት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ንቡር ሂወቱ ይመርሕ ከምዘሎ ይንገር ኣሎ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት