እዋናዊ ሓበሬታ ዚምባብወ፡ ሙጋበ ካብ ስልጣን ምውራድ ኣብዩ

ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ ኣብ ቤተ መንግስቲ Image copyright AFP / ZBC
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ ኣብ ቤተ መንግስቲ

ወዲ 93 ዓመት ሙጋቤ፡ ምስ ወተሃደራዊ መራሕን ክልተ ልኡኻት ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ኣብ ሃራሬ፡ ኣብ ዝርከብ መንበሪኡ ምስቶም ወተሃደራት ከምዝተራኸበ እቲ ኣብ ሜድያ ዝቐረበ ስእሊ የረድእ።

ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ ኢዱ ዘእተወ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር፡ ንፕረዚደንት ሙጋቤ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር አእትዩዎ እዩ።

ዋላ እኳ እቲ ፕረዚደንት ድልየት እንተዘይብሉ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሞርጋን ሻንጋራይ ግን፡ ሙጋቤ፡ ስልጣን ክለቅቕ ኣለዎ ይብል።

ንምንታይ እዩ ወተሃደራዊ ሓይሊ ነዚ ስጉምቲ'ዚ ወሲዱ?

ፕረዚደንት ሙጋቤ፡ ካብ 1980 ኣትሒዙ ንዚንባብወ ተቖጻጺርዋ።

እቲ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ስልጣን ፕረዚደንት ሙጋቤ፡ በዓልቲ ቤቶም ግሬስ ሙጋቤ'ዶ ትተክኣዮም፡ ወይስ ምኽትሎም ነበር ኤወርሶን ዋንጋግዋ ዝብል ዝፈጠሮ እዩ።

ኣብ ሃራሬ ዘሎ ኩነታት እንታይ እዩ?

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ሃራሬ ዘሎ ኩነንታት ግልጺ ኣይኮነን።

ምስ ወተሃደራዊ ሓለፍትን፡ ልኡኻት ደቡብ ኣፍሪቃን ዝዘተየ ሙጋቤ፡ ንነዊሕ እዋን ብቐረባ ዝፈልጦ ሃይማኖታዊ መራሒ ካቶሊኽ፡ ፊያሱስ ሙኮሮኒ ንሽምግልና ተሓዊሱ እዩ።

እንተኾነ፡ ስልጣን ፕረዚደንት ሙጋበ መን ይተክኣዮ ብዝብል፡ ኣብ ሞንጎ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ ሙጋቤን፡ ምኽትል ፕረዚደንት ዝነበረ ኤዎርሶን ምናንጋግዋ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ኣብ ውድብ ዛኑ ፒኤፍ ምክፍፋል ፈጢሩ እዩ።

ዝሓለፈ ቅነ ሙጋቤ፡ ኣብ ክንዲ በዓልቲ ቤቱ ኮይኑ፡ ንምክትል ፕረሲደንት ካብ ስልጣኑ ኣልይዎ።

እዚ ውጡር ኩነታትት'ዚ ድማ'ዩ ሰራዊት እታ ሃገር ዝሓለፈ ረቡዕ ስልጣን ኪቆጻጸር ኣገዲዱዎ።

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ምስ ኣዚ ሰራዊት ዚምባብወ

ሙጋቤ፡ ንዝመጽእ ዓመት ክካየድ ዝተወሰነ ሃገራዊ ምርጫ ከይኣኸለ፡ ብፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ክሰናበት ድሌት ከም ዘይብሉ ናይ ቀረባ ምንጭታት ይጠቕሱ።

"እዚ ሰብኣይ'ዚ ጊዜ ከናውሕ እምበር ክወርድ ኣይደልን'ዩ" ክብል፡ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መራሒ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ሓለፍቲ ውድብ ዛኑ ፒኤፍ፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ፡ ፕረዝደንት ሙጋቤ ኣብ ስልጣኑ ከምዝጸንሕ ይገልጹ።

ደቡብ ኣፍሪካ ኣብቲ ዞባ እንታይ እያ ትደሊ?

ዚምባበወ፡ ኣብ 2008 ቁጠባዊ ኪሳራ ምስ ኣጋጠማ ዝተመዛበሉ፡ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ዜጋታታ ዘዕቆበት ደቡብ ኣፍሪቃ እያ። ስለዝኾነ ዝተረጋግአት ዚምባብወ ክትህሉ ልዑል ድልየት ኣለዋ።

ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪቃ ኖሲቪው ማፊሳ ንቃኩላን ምኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ቦንጋኒ ቦንጎን ምስ ፕረዝደንት ሙጋቤ ዝተራኸቡ ልኡኻት እዮም። ዴሞክራሲያዊ ፍታሕ ክመጽእ ድማ ጸቕጢ ክገብሩ እዮም።

ፕረዝደንት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣልፋ ኮንዴ፡ እቲ ሕብረት፡ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘይቅበል ኣግሂዶም እዮም። እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ናብ መዓስከሩ ክምለስን ሕገ መንግስቲ ከኽብርን ሓቲቶም።

ተቓወምቲ ዚምባብወ'ኸ?

ቀንዲ መራሒ ተቓውሞን ሓላፊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ንለውጢ ዝተባህለ ውድብ፡ ሚስተር ሻንጋራይ ብመሰረት ድሌት ህዝቢ፡ ሙጋቤ ብቐጥታ ስልጣን ክለቅቕ ኣለዎ ይብል።

መራሒ ተቓወምቲ ቴንዳይ ቤቲ ከምዝበሎ፡ "ቀልጢፍና ናብ ዴሞክራሲ ክንዋሳእ ኣሎና፡ ሕጋዊ ዝኾነ መንገዲ ክንክተል ይግባእ። እንተኾነ ናይ መሰጋገሪ ግዜ ከድልየና እዩ። ሕጂ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ዚምባብወን ወተሃደራትን ዘተ ክህሉ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።"

ንግሬስ ሙጋቤ እንታይ'ዩ ኣጋጢምዋ?

Image copyright Zimbabwe Herald
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ኣኼባ

ወይዘሮ ግሬስ ሙጋቤ ንናሚቢያ ሃዲማ ዝብሉ ሓበሬታት እኳ እንተጸንሑ ሕጂ ግን ምስ ደገፍታ ክንፊ መንእሰያት ዛኑ ፒኤፍ ምስ ስደራኣ ኣብ መንበሪ ገዝኣ ኣብ ሃራሬ ከምዘላ ምንጭታት ይገልጹ።

ዝሓለፈ ሮቡዕ ናይ ቀረባ መሓዛ ወይዘሮ ሙጋቤ ዝኾነ መራሒ ዛኑ ፒኤፍ፡ ኩድዛይ ቺቫንጋ፡ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር መሰጋጠመ ንዝተዛረቦ ጉዳይ ብዝመልከት ብምስሊ ዝተደገፈ ይቕሬታ ሓቲቱ'ዩ። ሕጂ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሉ ኣሎ ተባሂሉ ይግመት።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት