ሮበርት ሙጋቤ፡ ሰራዊት ዚምባብወ ነታ ሃገር ካብ ዝቆፃፀራ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ኣደባባይ ተራእዮም።

ሙጋቤ ኣብ መርሃ-ግብሪ ምረቓ ተምሃሮ Image copyright @ZimMediaReview
ናይ ምስሊ መግለጺ ሙጋቤ ኣብ መርሃ-ግብሪ ምረቓ ተምሃሮ

ሰራዊት ዚምባብወ ነታ ሃገር ካብ ዝቆፃፀራ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፤ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣደባባይ ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ሃራሬ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ'ዮም ኣብ ህዝቢ ተራእዮም።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኣብ ቤቶም ተሓይሮም (እሱር ገዛ ኮይኖም) ምፅንሖም ይፍለጥ።

ሎሚ ዓርቢ ድማ፡ ጋዜጣ ዚምባብወ ሄራልድ፡ ሙጋቤ ምስ ጀነራል ሰራዊት ዚምባብወ ኮንስታንቲኖ ቺዌንጋንን ተወከልቲ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡባዊ ኣፍሪካን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዝተሳኣልዎ ስእሊ ዘርጊሑ ነይሩ።

ሮይተርስ፡ ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ፡ ሙጋቤ ኣብቲ መርሃ-ግበሪ ምረቓ ተምሃሮ ዘረባ ምስ ኣስምዑ፡ ካብ ተምሃሮ ድሙቕ ድጋፍ ቀሪቡሎም።

ሃገራዊ መዝሙር እናተዘመረ፡ ናብ መድረኽ እንትመፁ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣንድሪው ሃርዲንግ ካብ ሃራሬ ፀብፂቡ።

በዓልቲ ገዝኦም ግሬስ ሙጋቤ ኮና ሚንስትር ትምህርቲ እታ ሃገር ግን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣይተረኸቡን።

ሙጋቤ፡ ኣብዚ በብዓመቱ ዝካየድ ምረቓ ተምሃሮ ዝርከቡ እንተነበሩ'ኳ፡ ሕዚ ብዝርከቡሉ ኩነታት ግን ክርከቡ ትፅቢት ኣይተገበረን ነይሩ።

ሮበርት ሙጋቤ ክሳብ መፃኢ መረፃ ስልጣነይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ምባሎም ፀብፃባት የመልክቱ።

ተወሳኺ ዛንታ