ከመይ ቀኒኺ ኣፍሪቃ?

ማህደርፎቶ ኣፍሪቃ እዚ ነ!

ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታት ከተማ መቐለን ወልዋሎን፡ ኣብ ስታድዮም ትግራይ Image copyright ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ

ኣብ ናይ ሎምዘበን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዝተራኸባ ጋንታታት መቐለን ወልዋሎን፥ ደገፍተን ናብ ጎንፂ ከየምርሑ ተሰጊኡ ነይሩ።

ብሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ህንፀቱ ኣብ ዘይተኸምበተ ስታድዮም ትግራይ ዝተኻየደ እቲ ፀወታ፡ ብመፍለይ ልባስ እተን ጋንታታት ማዕሪጉ ብኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ተኸታቲልዎ።

ደገፍቲ ጋንታታት መቐለን ወልዋሎን ኣብ ስታድየም ትግራይ Image copyright ደስታ ገብረ መድህን

እቲ ፀዋታ በኣፍቃርቲ ኩዕሶ እግሪ ነበርቲ ከተማ መቐለን ብደገፍቲ ክልቲኤን ጋንታታትን ደሚቑ ነይሩ።

ሃገሮም ደቡብ ኣፍሪቃ ዕድል ፀወታ ጽዋዕ ዓለም ራግቢ ስለ ዘምለጣ ዘይተሓጎሱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን Image copyright Empics

ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓውሲ ሓዘን ተራእዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ድማ ሃገሮም ደቡብ ኣፍሪቃ ጽዋዕ ዓለም ራግቢ 2023 ንምስንዳእ፡ ንሕንጢጥ ብፈረንሳይ ተቐዲማ እቲ ዕድል ስለ ዘምለጣ እዩ።

ሞሮኳውያን Image copyright AFP

ብኣንጻሩ ኣብ ማራካች ሞሮኮ ድማ፡ ፌስታን ሓጎስን ነይሩ። ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ፡ ንኣይቮሪኮስት ስዒራ ንዓመታ ኣብ ሩስያ ናብ ዝካየድ ፀወታ ጽዋዕ ዓለም ዝህልዋ ዕድል ስለ ዘለምለመት ዜጋታት ሞሮኮ ታሕጓሶም ፎቖዶ ኣደባባያት እናገለጹ።

መረጻ ኢኳቶርያል ጊኒ Image copyright EPA

ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን እውን እንተኾነ ካሊእ መረጻ ኣተኣናጊዳ ቀንያ። እዛ ንእስቲ ኣብ መረጻ መርቀቒ ሕጊ ኢኳቶርያል ጊኒ እናተሳተፈት ዝተወሰደ ቅላዕ'ዩ።

ፖሊስ ኬንያ Image copyright AFP

ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ዝተዋፈሩ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኬንያ፡ ማይ እናወቕዐ ኣብ ሓደ ጽላል ኣጽሊሎም። ኣብዚ ሰዓት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ እናመርመረ እዩ ነይሩ።

ኣርቴፊሻል ሄሊኮፕተርስ Image copyright AFP

እዘን ኣብ ርእሰ ከተማ ዚምባብወ ሃራሬ ኣብ መንገዲ ንዕዳጋ ዝቐረባ ኣርቴፊሻል ሄሊኮፕተራት፡ ወተሃደራዊ ክንፊ እታ ሃገር ንፕሬዚደንት ሮበርት ሙጋቤ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣውዓለ፡ ንፅባሒቱ እየን ንዕዳጋ ቀሪበን።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ ቀንዲ ዕላምኦም ኣብ ዙርያ ፕሬዚደንት ሙጋቤ ዝዓሰሉ ሰረቕትን ገበነኛታትን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሙጋቤ ከምዘይኮነ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

ጋናዊት ሞዴል ናና ኣኩዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሌጎስ፡ ናይጄርያ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ሙዚቃ ኣፍሪቃ 12 ሕዳር፡ 2017 Image copyright AFP

ጋናዊት ሞዴል ናና ኣኩዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሌጎስ፡ ናይጄርያ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ሙዚቃ ኣፍሪቃ።

ሙዚየም ዝተዓቐበ ኣስከሬናት ግብጺ Image copyright Ronald Grant

እዚ ድማ ኣብ ግብጺ ካይሮ ዘሎ ሙዚየም ዝተዓቀቡ ኣስከሬናት እዮም። እቲ ሙዚየም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዩ ስርሑ ጀሚሩ።

ዘዋሪ ሳይክል ኣብ ኣይቮሪኮስት Image copyright AFP

ታሪኽ፣ ስነ ጥበብን ስፖርትን ብሓንሳብ እንትገጣጠሙ። ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣቢጃን፡ በዓል ሳይክል፡ ቼ ጉቬራን መራሒ ነበር ሊቢያ መሓመድ ጋዳፊን ኣብ መንደቕ ኣብ ዝተሳእልሉ ጎደና እንትሓልፍ።

ሙዚየም ኣፍ ደገ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርእያ ኣንስቲ Image copyright EPA

ኣብ ኬፕታውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሙዚየም ንበጻሕቲ ክፍቲ ኮይኑ ኣሎ። እዘን ኣንስቲ ድማ፡ ብስነ-ጥበባዊ ናይጄርያ ታይየ ኢዳሆር ዝተሳእለ ቅብኢ፡ ተመሲጠን ይርእያ ኣለዋ። መእተዊ ዋጋ ናብቲ ሙዚየም ብናፃ እዩ።

ፍልፍል ስእልታት AFP, EPA, PA and Reuters

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ኣብ ገደና ቢቢሲ