መሰላት ዜጋታት እንትገሃስ: መን' ዩ ተሓታቲ?

ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓልፉ ክልተ ዓመታት ውሽጢ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ብሰንኪ ዝተወልዑ ተቓውሞታት ብዙሓት ሂወቶም ስኢኖም። ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ክልላት ዝተፈጥረ ጎንጺ ዶብን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝተልዓለ ጎንጺታትን ስዒቡ ብዙሕ ሂወት ክጠፍእ ክኢሉ፡ ብዙሕ ንብረት ድማ ዓንዩ።

ካብዚኦም ዉሽጢ ካብ ክልላት ደቡብን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ኣምሓራ፣ ካብ ክልል ሶማል ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ኦሮሞን ካብ ክልል ኦሮምያ ዝተመዛበሉ ተወለድቲ ሶማልን ከምኡ ድማ ካብ ጎንደር (ክልል ኣምሓራ) ዝተመዛበሉ ተጋሩን ምጽራሕ ይከኣል እዩ።

ካብዚ ሰጊሩ ውን ኣብ ቀረባ ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ክሳዕ ዝተኣጓጎል ኮይኑ።

ብሓፈሻ ኣብዛ ሃገር ብሰንኪ ዝውልዑ ዘለዉ ጎንጽታትን ዘይምርግጋዓትን፣ ብዙሓት ስግኣት ይሓድሮም ከምዘሎ ንቢቢሲ ይገልጹ።

ናይ መብዛሕተኦም እንጽርጽሮት መሓወራት መንግስቲ ኣብ ክንዲ ዋሕስ ዜጋታት ዝኾኑ ተመሊሶም ሰብኣዊ መሰላት ይግህሱ ኣለው ዝብል እዩ።

ብፍላይ ኣብ ገጻት መረባ ፌስቡክና ካብ መንጎ ዝተቐበልናዮም ርኢቶታት "ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኢህወዴግ ብዝበልጸ ውሕስና ከይስመዐና ይገብር ኣሎ፣ ሕገ መንግስቲ ይገሃስ ኣሎ" ዝብሉ ብዙሓት እዮም።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ዝረአ ዘሎ ሰኣኖ ጸጥታ፣ ፈዴራል መንግስቲ ኩሉ ነገር ንክልላት ገዲፉ ኣማዕድዩ ተመልካቲ ብምዃኑን ሓላፍነቱ ብምዝንግዑን እዩ ክብሉ የንጸርጸሩ።

"ጉዳያት ፀጥታ ንክልላት ገዲፍካ ዝግደፍ ኣይኮነን፣ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ዘሎ ስርዓት ኣልቦነት ኣብ ቁጽጽሩ ከውዕሎ ይግባእ" ብምባል።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ኣካቢ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነትን ኣይተ ሲራጅ ፈጌሳ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኣብ ቀጻሊ ተግባራዊ ክገብሮም ዝኣመቶም ትልምታት ፀጥታ ዕላዊ ዝገበሩ እንትኾኑ፣ "ብፍላይ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ኣብ ዝተወልዑ ጎንጺታት ኢዶም ዘእተዉ ኣካላት ጸጥታ ተሓተትቲ ክኾኑ እዮም" ኢሎም።

ሕገ መንግስቲ: ብዛዕባ መሰል ዜጋታት እንታይ ይል?

"ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵያዊ ኣብ ዝኾነ ክፋል እዛ ሃገር ክዘዋወር : መንበሪ ክሃንፅን ኣብ ዝደለዮ እዋን ካብ ሃገር ክወፅእን ነፃነት ኣለዎ" ይብል ዓንቀፅ 32(1) ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ።

ከምኡ'ዉን ዓንቀጽ 40 (1) "ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዘሎ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ክወፍርን ክመሓደረሉ ኣብ ዝመረፆ ስራሕ ክነጥፍን መሰል ኣለዎ" ይብል ።

ካብዚ ብዝሰገረ ኣብ ዓንቀጽ 30 ዜጋታት ካብ ኣካላት መንግስቲ እታ ሃገር ክረኽብዎም ብዛዕባ ዝግብኡ መሰላት ይዝርዝር ።

መሰል ምንባር: ምሰል ውሕስና: ምእካብን ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድን : ንብረት ምፍራይን ቁጠባዊ ተጠቃምነት ይፅርሑ ።

ኣብ ዓንቀጽ 13 ንኡስ ዓንቀጽ ሓደ ድማ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ዝርከቡ ኣውጻእትን ፈጸምትን ሕጊ ክልልን ፌደራልን: ኣካላት ዳይነት እዞም መሰላት ከኽብሩ ሓላፍነትን ግዴታን ተውሂቡዎም እዩ ።

እዞም መሰላት ብሕገ ምንግስቲ መንግስታት ክልል ዳግም ክረጋገጹ ክኢሎም እዮም ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምዝዉዋር ድማ ፓስፓርት ወይ ፍቃድ መንበሪ ኣየድልን ። ኢትዮጵያዊ ምዃን ጥራሕ እኹል ከምዝኾነ እቲ ሕገ መንግስቲ ኣስሚርሉ እዩ ፡፡

እዞም መሰላት ብኻልኦት ከይሽረፉን ከይጠሓሱን ከኽብር ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ ከም ዝኾነ ሙሁር ሕግን ኣብ ስርዓት ፌደራሊዝም መጽናዕቲ ዘካየዱን ኣይተ ዉብሸት ሙላት ንቢቢሲ ተዛሪቦም ።

" መሰል ምዝዉዋር ዜጋታት እንትጥሓስ ኮነ ኣብ ዝተዋፈርሉ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ማሕለኻ ዝኾኑዎም ሰባት ካብ ተግባሮም ክቁጠቡ ብቤት ፍርዲ ምዉሳን ይክኣል" ይብሉ።

"ዜጋታት ትካላት ፍትሒ ክጥቀሙ ሓገዝ ምግባር ግቡእ እዩ ። ይኹን 'ምበር ሐዚ ዘሎ ኣወዳድባ ትካላት ፍትሒ ንዜጋታት ዘተኣማምን 'ዩ ምባል ዝከኣል ኣይመስልን፡፡" ይብሉ።

ብብርኪ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ዝተቐበለቶም ዓለም ለኻዊ መትከላትን ድንጋገታትን ሰብኣዊ መሰላት ምስዚ ኣፈፃፅማ ክዛመዱን ክትርጎሙን ከምዘለዎም ይዛረቡ ።

Image copyright SIMON MAINA

ብሄርካ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት:ናበይ ኣቤት ይብሃል?

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምሕንፃፅ ጥራሕ ዘይኮነስ እዚኦም ናይ ምኽባርን ክኽበር ናይ ምግባርን ግቡእን ውዕልን ኣለዎ።

ኣይተ ውብሸት ከምዝብልዎ ብፍላይ ኣብ ብሄር መሰረት ዝገበሩ ጎንፅታት ኣብ ዝለዓሉሉ እዋናት ሰብኣዊ መሰላት ውልቀ-ሰባት ክኽበሩ ናይ ምግባር ግቡእ ንክልቲኦም መንግስታዊ መሓውራት ይምልከት።

ንሶም ከምዝገልፅዎ ሕገ-መንግስቲ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ብወገን ኣብያተ ዕዮን ትካላት ሕጊን ዝረኣይ ፀገም ኣሎ። ምኽንያቱ ገለ ጎንፅታት መልክዕ ብሄር እንትሕዙ መሰላትን ድሕንነትን ውልቀ-ሰባት ኣብ ሕቶ ይወድቕ።

"ኣብ ሓንቲ ክልል ዝነብሩ ግህሰት መሰል ዝተፈፀሞም ዝተፈላለዩ ብሄራት እንትህልዉ፡ ኣብቲ ክልል ናብ ዝርከቡ ክልላዊ ትካላትን ምምሕዳርን 'በደል ተፈፂሙኒ' ኢሎም ጥርዓኖም ብኸመይ ከቕርቡ ይኽእሉ?" ክብሉ ይሓቱ::

ንኣብነት ካብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዝተፈናቐሉ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ፣ ካብ ጎንደር ዝተፈናቐሉ ተጋሩ፣ ካብ ሶማሌ ዝተፈናቐሉ ተወለድቲ ኦሮሞ በደል በፂሑና ኢሎም ክሶም ናብ መን ከምዘቕርቡ ስኽፍትኦም ይገልፁ።

"ተኸሰስቲ በዓልቶም እቶም ክልላዊ ትካላት ኣፃረይትን ፈረድትን በዓልቶም (ኣፈፀምቲ ሕጊ) እንተኾይኖም፤ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ክፍተት ከምዘሎ ይሕበር።" ክብሉ ይዛረቡ ኣይተ ውብሸት።

ከም እምነቶም እዚ ፀገም ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ብባይቶ ፌደሬሽን እዩ። "ኮይኑ ግን እቲ ባይቶ ዘይሻራዊ ኣቃውማ ክህልዎ ኮይኑ ኣይተጣየሸን።

ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝተውፃእፅኡ በምዃኖም፥ ናይ ሓደ ብሄር ተወላዲ ተኸሲሱ ኣብ ዝመፀሉ ሰዓት ናይቲ ተኸሳሲ ብሄር አባላት ኣብቲ ውሳነ ምስታፎም መንጎኛ ከይኾኑ ይገብሮም እዩ" ይብሉ።

እሞኸ ደኣ?

"ፍልፍል እቶም ፀገማት በዓልቶም ሰበ-ስልጣን ካብ ኮኑ ኣብ ውሽጢ መንግስታዊ ትካላት ስለዘለዉ መንግስቲ መሰል ዜጋታት ናይ ምኽባር ግቡኡ'ዩ። ካልኦት ዜጋታት ናይዞም ሰባት መሰላት እንትግህሱ'ውን ክኽበር ናይ ምግባር ግቡእ ኣለዎ።" ይብሉ ኣይተ ውብሸት::

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ሕጋዊ ኣካይዳ ኣፅኒዑ ኣብ ክንዲ ምኻድ ፖለቲካዊ ፍታሓት ኣብ ምሃብ ጥራሕ ተፀሚዱ ምፅንሑ የረድኡ።

"ብፍላይ ኣብ ብሄር ዘድሃቡ ጎንፅታት እንትልዓሉ መንግስቲ ፌደራል ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ብላዕለዋይነት ክጥምቶምን ግቡእ ስጉምቲ ክወስድን ይግባእ" ክብሉ ይሕብሩ።

"ክንዲ ዝተኽኣለ መጠን ከሰስቲ ካብ ኣፃረይቲ ኣካላት ከምኡ'ውን ካብ ዝዳንዩ ኣካላት ብብሄር ክፈላለዩ ይግባእ" ዝብሉ ኣይተ ውብሸት "ኣባል ዝኾነ ይኹን ብሄር ሰብ: ውልቃዊ-መሰሉ ክሕለው ኣለዎ" ይብሉ።

ኣብ ሕገ-መንግስቲ መፅናዕቲ ዘካይደ በዓል-ሞያ ኣይተ ኤፍሬም ታምራት ግና፡ ዝተፈለየ ርእይቶ ኣለዎ።

ኣብ ባይቶ ፌደሬሽን ፍትሓዊ ዝኾነ ውክልና ምህላዉን ኣብ ኣተረጓጉማ ሕገ-መንግስቲ ክፍተት እንትፍጥርን ጥራሕ ናብቲ ባይቶ ከምዝውሰድን የረድእ።

"ንኣብነት ቅድሚ ዓመታት ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተወሊዑ ኣብ ዝነበረ ጎንፂ ብሄር ፍትሓዊ ውሳነ ምሃቡ ነዚ መረጋገፂ'ዩ።" ይብል።

ከም መብርሂ ኣይተ ኤፍሬም ዝኾኑ ግህሰታት መሰላት ውልቀን ጉጅለን ካብ ክልል ክሳብ ፌደራል ብዝተዘርግሑ መሓውራት ብሕጊ ገበን ይዳነዩ።