ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋቤ ካብ ዝመርሕዎ ሰልፊ ድፍኢት እንተተገበረሎም እውን ኣብ ስልጣን ከምዝፀንሑ ኣፍሊጦም።

ንዘረባ ሮበርት ሙጋቤ ዝሰምዑ ሰባት ኣብ ቅድሚ ቴሌቪዥን Image copyright Reuters

ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝርከቡ መራሒ ዚምባብወ ሮበርት ሙጋቤ፡ ንዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ስልጣን ከምዝፀንሑ ኣብ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ዝመርሕዎ ዝነበረ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ካብ ስልጣኖም ከምዘውረዶም እንተፍለጠ'ውን፡ ንሶም ግን ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ንዝካየድ ጉባኤ እቲ ሰልፊ ከምዝመርሑ ተዛሪቦም።

ስልጣን ሙጋበ ክናጋዕ ዝጀመረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ዚምባብወ ነታ ሃገር ምስተቖፃፀረ እዩ።

ቅልዉላው ዝተጉሃሃረ ድማ፡ ሙጋቤ ንምኽትሎም ኤመርሰን ናንጋግዋ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ስልጣኖም ምስ ሰጎጎም እዩ ነይሩ።

ንበዓልቲ ገዝኦም ናብ ስልጣን ንምምፃእ ብምዕላም ዝፈፀምዎ ከምዝኾነ ዝኣመኑ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ በዚ ተግባሮም ተቖጠዒዖም እዮም።

ዘረባ ሙጋቤን ትፅቢታትን

ዘረባ ሙጋቤ ንምስማዕ ኣብ ከተማ ሃራሬ ዝተኣከቡ ዜጋታት፡ ሙጋቤ ካብ ስልጣን ከምዝወርዱ ከፍልጡ ትፅቢት ገይሮም ነይሮም።

ብኣንፃሩ ግን፡ "ዛኑ-ፒኤፍ ድሕሪ ሕደት ሰሙናት ንዘካይዶ ጉባኤ ክመርሕ'የ" ክብሉ ተሰሚዖም። እቲ ሰራዊት ንዝሓደሮ ስኽፍታ ከምዝተቐበሉዎ እውን ሓቢሮም።

ን20 ደቓይቕ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ሰራዊት ነታ ሃገር ተቖፃፂሩ፡ ንዕኦም ናይ ገዛ እሱር ምግባሩ ጌጋ ከምዝፈፀመ ከምዘይቆፅርዎ'ውን ኣፍሊጦም።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፌርጋል ኬነ፡ ካብ ስልጣን ክወርዱ ዝተሰማምዑ ዝመስሉ ዝነበሩ ሙጋቤ፡ ፀኒሖም ሓሳቦም ምቕያሮም ይገልፅ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት

ተወሳኺ ዛንታ