ቤት-ፍርዲ ኬንያ ውፅኢት ፕረዚደንት መረፃ እታ ሃገር ኣፅዲቑ

ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ Image copyright AFP

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ፡ ውፅኢት ዳግማይ መረፃ ንኽስረዝ ዝቐረበ ጥርዓን ውድቂ ብምግባር፡ ዓወት ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንክፀድቕ ወሲኑ።

ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብቲ ንካልኣይ ግዜ ዝተዓወተሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኣመልኪቶም ንዝቐረቡ ጥርዓናት ውድቂ ገይርዎም ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከኣ ቃለ-መሓላ ክፍፅሙ እዮም።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር "ኣብ ፅዕንቶ ኮይኑ" ዝሃቦ ውሳነ ብምባል፡ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ)፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣፍልጦ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ።

ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቶም ዝተኻየዱ ፕረዚደንታዊ መረፃታት፡ ንምምራፅ ካብ ዝተመዝገቡ ሰባት፡ 39 ሚእታዊ ጥራሕ ድምፆም ኣብ ዝሃብሉ መረፃ፡ 98 ሚእታዊ ድምፂ ህዝቢ ብምርካብ እዮም ተዓዊቶም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኬንያ፡ ሕጋዊ መገዲ ኣይተኸተለን ብዝብል፤ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ውድቂ ከምዝገበሮ ይዝከር።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር፡ ሓድሽ መረፃ ኣየካየደን ብምባል፡ ዳግማይ መረፃ እታ ሃገር ብተመሳሳሊ ውድቂ ንክኸውን፡ ንሲቪካዊ ማሕበራት ሓቲቶም ነይሮም።

ውሳነ ሽድሽቲኦም ዳያኑ ዕላዊ ዝገበሩ፡ ቀንዲ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኬንያ ዴቪድ ማራጋ፡ "ቤት-ፍርዲ፡ ነቲ መረፃ፡ ውድቂ ዝገብረሉ ምኽንያት ኣይረኸበን" ኢሎም።

Image copyright AFP

ድሕሪ እቲ መረጻ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ናይሮቢ ናዕብታት ነይሮም።

ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ንዝተኻየዱ ናዕብታት ተቓውሞ ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ድማ 5 ሰባት ተቐቲሎም።

መራሒ ቀንዲ ተወዳዳሪ ፖለቲካዊ ውድብ (ሰልፊ) ናሳ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝተፈጠሩ ስሕተታት ኣይኣረመን ብዝብል፡ ካብ ምረጫ ነብሶም ምግላሎም ይዝከር።

"ናሳ ቅድሚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ከምዝገለፆ፡ እዚ መንግስቲ ሕጋዊ ዘይምዃኑ፡ ብተደጋጋሚ ብምግላፅ፡ ከምዘይንቕበሎ ኣፍሊጥና ኢና። እዚ ውሳነና፡ ብውሳነ ቤት-ፍርዲ ኣይቕየርን" ብምባል ኣማኻሪ ራይላ ኦዲንጋ ሳሊም ሎኔ ገሊፆም።

ደገፍቲ መሪሕ ውድብ (ሰልፊ) ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ሓጎሶም ክገልጹ እንከለዉ፡ ደገፍቲ ተቓዋሚ ውድብ (ሰልፊ) ናሳ ኣብ ዝርከብሉ ከባቢታት ግና ውጥረታት ዓሲሎም ኣለዉ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት