ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሰሜን ኮርያ 'ንግብረ-ሽበራ' ከምእትምውል ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ - ኣብ ኣኼባ ካቤኔ Image copyright AFP
ናይ ምስሊ መግለጺ ትራምፕ፡ ነቲ ብፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ቡሽ ኣብ 2008 ዝተወሰነ ውሳነ ቀይሮም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ "ሰሜን ኮርያ ንግበረ-ራዕዲ ደገፍ እትህብ (እትምውል) ሃገር'ያ" ክብሉ ቅድሚ ትሽዓተ ዓመታት ሽማ ናብ ዝተሰረዘሉ ዝርዝር ዳግም ኣስፊሮማ።

ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ 'ኣዝዩ ከቢድ' ተወሳኺ ማዕቐባት ክድንገግ ዘለዓዕል ምዃኑ ገሊፆም። እቶም ተወሰኽቲ ማዕቐባት ሎሚ ሶሉስ ዕላዊ ክኾኑ እዮም።

ትራምፕ ንመርሃ-ግብሪ ኒኩሌር እታ ሃገር ብምውቃስ፡ ንዓለም-ለኻዊ ተግባራት ሽበራ ከምእትድግፍ ዕላዊ ገይሮም።

እዚ ውሳነ "ቅድሚ ነዊሕ እዋን ክውሰን ዝነበሮ'ዩ" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ፡ ምዕፃዉ ዕዳጋ ነዳዲን ገደብ ምንቅስቓስ ሃፍቲ ፕረዚደንት ኪም ጆንግ ኡንን ሓዊሱ፡ ተወሰኽቲ ማዕቐባት ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ክድንገጉ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ሕቶኣ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ ነይራ።

ሰሜን ኮርያ ድማ ንዕኡ ከም ምላሽ ፡ሻድሻይ ፈተነ ኒኩሌርን ተደጋገምቲ ምውንጫፍ ሚሳይላትን ኣካይዳ።

ሰሜን ኮርያ፡ ብተደጋጋሚ ንተግባራት ሽበራ ይድግፋ ምስ ዝበሃላ ሃገራት ኢራን፣ ሱዳንን ሶርያን ስማ ሰፊሩ'ሎ።

ቅድም ክብል ኣብቲ መዝገብ ሰፊሩ ዝነበረ እንትኸውን፡ ብ2008 ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ክትወፅእ ኪኢላ'ያ። በቲ ሽዑ እዋን ክስረዝ ዝኸኣለ፡ ኣብ መርሃ-ግብሪ ኒኩሌር ስምምዕ ምስተገበረ ነይሩ።

ሚንስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ሬክስ ቲለርሰን ግን ምስታ ሃገር ዝግብር ስምምዕነት ሕዚ'ውን ተስፋ ዝቕበፀሉ ከምዘይኮነ ይሕብሩ።

ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምርድዳኣት ተስፋ ከምዝህሉ ተዛሪቦም። ናብቲ ዝርዝር መሊስካ ክትሰፍር ምግባር ግን ግልፅነት ንዝተመልኦ ዝርርብ ዝሓልኽ ከይኸውን ስግኣቶም ገሊፆም።

ተወሳኺ ዛንታ