"ንመሪሕነት ብሄራዊ ግምባር ሓርነት ኦጋዴን ኣሕሊፍካ ምሃብ ሕጋዉነት የብሉን" ኮሚሽን ሶማልንያ

አብዲክራም ሼክ ሙሴ Image copyright BBC Somali

ብፓርላማ ሶማሊያ ዝተጣየሸ ኮሚሽን፡ ንመሪሕነት ብሄራዊ ግምባር ሓርነት ኦጋዴን ናብ ኢትዯጵያ ኣሕሊፍካ ምሃብ ሕጋውነት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ፀብፃብ እቲ ኮሚሽን፡ እቲ ግምባር ጉጅለ ሽበራ ተባሂሉ ምስያሙ ብምቅዋም፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ስምምዕ ከምዘይብለን ሓቢሩ።

ነዚ ተግባር ድማ ንኤጀንሲ ድሕንነት ሶማሊያ ተሓታቲ ገይሩ።

መንግስቲ ሶማሊያ ካብ ኢትዮጵያ ሕቶ ምስቀረበሉ፡ ብቕጽል ስም ቐልቢ ዳጋሕ ንዝጽዋዕ ኣብዲክራም ሼክ ሙሴ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣሕሊፉ ሂቡ'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ሞቓዲሹ ተኻይዶም።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚስን ኣሊ የሱፍ "ንብሄራዊ ግምባር ሓርነት ኦጋዴን ኣሸባሪ ኢላ ዝሰየመት ኢትዯጵያ'ያ። ሶማሊያ ንኢትዯጵያ ክትስዕብ የብላን" ኢሎም።

ኣባላት ፓርላማ ሶማሊያ'ውን ንፀብፃብ እቲ ኮሚሽን ብዘይተቓውሞ ተቐቢሎሞ።

ብኣንፃሩ ግን መንግስቲ ሶማሊያ፡ ኣብዲክራም ምስ ኣል-ሸባብ ርክብ ዘለዎን፡ ስግኣት እቲ ኸባቢ ምዃኑን ብምሕባር፡ ውሳንኡ ልክዕ ከምዝኾነ ይገልፅ።

ሰበ-ስልጣን ኢትዯጵያ፡ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህቡ ኣይከኣሉን።

መንነት ግምባር ሓርነት ኦጋዴን

ብሄራዊ ግምባር ሓርነት ኦጋዴን ብ1984 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ተጣይሹ። ተዛረብቲ ሶማሊኛ ዝኾኑ ኣርባሕቲ እንስሳ፡ ካብ ማእከላዊ መንግስቲ ተነፅሎ ይበፅሖም'ዩ ብዝብል፡ ናፅነት ንምርካብ ዝቃለስ ምንቅስቓስ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ክልል ሶማሌን ኣዲስ ኣበባን፡ ምኽንያት ሞት ዜጋታት ንዝኾኑ መጥቃዕትታት ቦምብ ተሓታቲ ይገብሮ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'ውን ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት 'ኣሸባሪ' ክብል መዲብዎ እዩ።