መርከብ ኣርጀንቲና፡ ብሰንኪ ዘጋጠማ ቴክኒካዊ ጸገም ኣሰራ ኣይተረኸበን

ወፍሪ ኣለሻ Image copyright EPA
ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሰራ ዝጠፈአት መርከብ ኣርጀንቲና ካብተን ሓደሽቲ እያ ነይራ።

ካብ ዝሓለፈ ሮብዕ ጀሚራ ደሃያ ዘጥፈአት ሳን ጁኣን ዝተሰምየት ወተሃደራዊት መርከብ ኣርጀንቲና መካኒካዊ ጸገም ኣጋጢምዋ ከምዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ኣሎ።

እዛ 44 ሰባት ኣሳፊራ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብ፡ ካብ ገምገም ባሕሪ ኣርጀንቲና 430 ኪሎሜትሮ ሪሒቓ እያ ጠፊኣ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ገብሬኤል ጋላዚ፡ ኣብ ከባቢ ሞተር እታ መርከብ ቴክኒካዊ መስበርቲ ከምዘጋጠማ ገሊጹ ኣሎ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ከባቢ ማር ደል ፕላታ ካፕተይን ጋሌዚ በወገኑ ቅድም ኢሎም ዝበጽሕዎ መረዳእታታት ብምጥቃስ እቲ ጸገም ኣብ ባትሪ ዝርከቡ ሓጸርቲ ገመዳት ኤሌክትሪክ ዘስዓቦ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ሓደ ሓው ካብቶም ምስታ መርከብ ዝጠፍኡ ሰባት ንመራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ቅድሚ ርክብ ምጥፍኡ፡ ሓዉ፡ ባትሪ ሞተር ናይታ ወተሃደራዊት መርከብ ጸገም ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹሉ ምንባሩ ሓቢሩ።

ወተሃደራዊት መርከብ መካኒካዊ ጸገም ከምዘጋጠማ ብሓለፍቲ እንትግለጽ ድማ ንፈለማ እዋን'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ይኹን እምበር ይብል ካፕቴን ጋሊዚ፡ '' ወተሃደራዊ መራኽብ ከምዚ ዓይነት ጸገም ከጋጥመን ንፈለማ እዋን ኣይኮነን''።

ወተሃደራዊ መራኽብ ቴክኒካዊ ጸገም ከጋጥመን እንከሎ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ንምንቅስቓስ ዘኽአለን ናይ ኣሸቦሸብ መሳርሕታት ጺዒነን ከምዝጓዓዛ'ውን ካፕቴይን ጋሊዚ ገሊጹ።

እታ ደሃያ ዘጥፈአት መርከብ ተልእኾኣን ጉዕዞኣን ከተሕጽር ተነጊርዋ ከምዝነበረ'ውን ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ኣፍሊጡ።

Image copyright EPA

ንወተሃደራዊት መርከብ ኣራ ሳን ጁኣን ዝመርሕ ዝነበረ ካፕቴይን፡ እቲ ቴክኒካዊ ጸገም ምስ ኣጋጠመ ምስ ዋና መምርሒ ሓይሊ ባሕሪ ኣርጀንቲና ተደጋጋሚ ርክብ ይገብር ምንባሩ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን ኣለዋ።

ኣብ መልእኽቱ እውን ''መርከብና 44 ሰባት ኣሳፊራ ብዘይ ገለ ናይ ጥዕና ጸገም ናብ ማር ደል ፕላታ ተቕንዕ ኣላ'' ክብል ሓቢሩ ምንባሩ ተገሊጹ ኣሎ።

ዝተዋደደ ኣለሻን ወፍሪ ምድሓን ዝጠፍኡ ሰባትን ኣብ ደቡባዊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ተጠናኺሩ ቀጺሉ ኣሎ።

ኣብ ኣለሻ ደሃያ ዘጥፈአት ወተሃደራዊት መርከብ ኣርጀንቲና ንምድላይ፡ ኣሜሪካ ምስ መዓት ዘበናዊ መሳርሕታት ኣለሻ ባሕርን ነፈርትን ትሳተፍ ኣላ።

እታ ዝጠፍአት ወተሃደራዊት መርከብ ኣርጀንቲና፡ ተልእኾኣ ዛዚማ ናብ ዋና መምርሒ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር እናተመለሰት እንከላ ምጥፋኣ ዝዝከር እዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባታት