ኤርትራ ኣባል ባንኪ ሰደድን ኣታውን ኣፍሪቃ ንምዃን ፈሪማ

ባንዴራ ኤርትራ Image copyright Getty Images
ናይ ምስሊ መግለጺ ባንዴራ ኤርትራ

ትማሊ ሰኑይ 21 ሕዳር ኤርትራ ኣባል ባንኪ ሰደድን ኣታውን ኣፍሪቃ (Afreximbank) ንምዃን ፈሪማ።

እቲ ባንክ ሎሚ ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ክታሙ ከም ዘስፈረሉን፡ እቲ ባንክ ከም እተቐበሎን ተፈሊጡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት እቲ ባንከ ዶክተር በነዲክት ኦርማህ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም እተራኸበን፡ ፕረዚደንት ኢሰይያስ፡ ሃገሩ ናይቲ ባንክ ኣባል ክትከውን ድሌት ከምዘለዋ ገሊጽሉ ከም ዝነበረ'ውን እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣረዲኡ።

እዚ ኣባልነት'ዚ ንኤርትራ፡ ቀጥታዊ ናይ ንግዲ ፋይናንስ፡ ፕሮጀክት ፋይናንስ፡ ናይ ንግዲ ሓበሬታን ናይ ፓሊሲ ምኽሪ ዝኣመሰሉን ኣገልግሎታት ንምርካብ ክሕግዛ ትጽቢት ይግበረሉ።

"ብደረጃ ሃገር ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ፋይናንሳዊ ትካላት ምስታፋ፡ ፋይናንሳውን ፓለቲካውን ተኣማንነት ብምርካብ ናይ ልቓሕን ደገፍን ዕድላት ክኸፍተላ ይኽእል'ዩ" መምህር ስነ-ቁጠባ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግሪንዊች ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ኤርትራዊ ዶ/ር ተስፋማርያም መሓሪ ንቢቢሱ ገሊጹ።

ናይ ምስሊ መግለጺ ኤርትራ ምስ ዝተፈላለያ ናይ ፋይናንስ ትካላት እትገብሮ ሽርክነት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ

ኣብ ርእሲ'ዚ እውን "ኣባል ዝተፈላለዩ ፋይናንሳዊ ትካላት ምዃና'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ድምጽን ጽልዋን ክህልዋ ይገብር"።

ብዘይካ እዚ፡ እታ ሃገር ኣባል ኣፍሪቃዊ ናይ ልምዓት ባንክን ዓለማዊ ባንክ (ዎርልድ ባንክ) ከም ዝኾነትን ይፍለጥ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ብወገኑ ምስ ኤርትራ ክተሓጋገዝ ምጽንሑን ኣብ 2017 ንናይ ደርቂ ምጽዋር ዓቕሚ ንምሕያልን ቀጻልነት ውሕስነት መነባብሮ ንምስሳንን ዝውዕል ናይ ልዕሊ 5 ሚልየን ለቓሕ ክፈራረም እንከሎ፡ ኣብ 2016 ንትሕተ-ምድራዊ ማይ ንምድህሳስን ኣብ መዓላ ንምውዓል ዝሕግዝ ናይ ፍርቂ ሚልየን ዶላር ልቓሕ ከም ዝሃበ እቲ ባንክ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ እትርከበን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን፡ ተጠቀምቲ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝህቦ ናይ ለቓሕ ምትሕብባር ምዃነን ጭብጥታት እቲ ትካል ይሕብሩ።

ድሕሪ 2000 ዓ/ም ናይ ዓለም ባንክ ንናይ ልምዓት ፕሮጆክትታት (ዳግመ ህንጻ፡ ምዕባለ ቆልዑት፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ምሕዳስ ወደብ) ዝውዕል ኣማኢት ሚልዮናት ንኤርትራ ከም ዘለቃሓ ናይቲ ባንከ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ ናይ ንግዲ ባንክ ኣብ ግንቦት 1993 ኣብ ኣቡጃ ናይጀርያ ዝተመስረተ ኾይኑ፡ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ካይሮ ግብጺ'ዩ።