ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሳዓድ ሓሪሪ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ

ቀዳማይ ሚኒስትር ስዓድ ሓራሪ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ በይሩት Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ሳዓድ ሓሪሪ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ በይሩት

ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሳዓድ ሓሪሪ፡ ስልጣኑ ብዓርሰ ፍቓዱ ከምዝለቐቐ ብማዕኸናት ዜና ኣቢሉ ኣፍሊጡ'ኳ እንተነበረ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ በይሩት ምስበጽሐ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ናይ ክብሪ ኣቐባብላ ተገይርሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ናይ ስዑድ ዓረብ ጻኒሒቱ፡ እንከይተሓሰበ '' ካብ ስልጣነይ ብገዛእ ፍቓደይ ለቒቐ ኣለኹ'' ኢሉ መግለጺ ብምሃቡ ኣብ ሊባኖስ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ኢራን ብዘለዋ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ንሳዓድ ሓሪሪ ካብ ስልጣኑ ክእለ ጽዕንቶ ፈጣሪትሉ እያ ዝብል ጥርጣረ ሓቃውነት ከምዘይብሉ'ውን ሓሪሪ ገሊጹ።

ፕሬዚደንት ሊባኖስ ሚካኤል ኦዩን ንቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ ብኣካል ረኺቡ ክሳብ ዘዘራርቦ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየሉ መንገዲ ከምዘይቕበሎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ካብ ስልጣኑ ንኸይለቅቕ ናይ ምእማን ስራሕቲ ከካይድ ንዝጸንሐ ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ንምርካብ ኣብ ፓሪስ ፈረንሳይ ቀንዩ'ዩ።

ናብ ፈረንሳይ ምስከደ ሓሳቡ ቀይሩ ሎም መዓልቲ ኣብ በይሩት ኣብ ዝኽበር መዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ንምስታፍ ናብ ሃገሩ ዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስትር ስዓድ ሓሪሪ፡ '' ስልጣነይ ምቕጻለይን ዘይምቕጻለይን ምስ ፕሬዚደንት ሚካኤል ኦዩን ተራኺበ ክውስን'የ'' ክብል ተሰሚዑ።

ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ በይሩት ምስበጽሐ ንህዝቢ ሊባኖስ እተሕልፎ መልእኽቲ እንተለካ ተባሂሉ '' የቐንለይ'' ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ደሓር እውን ኣብ 2005 ዓ/ም/ፈ ብሰባት ናይ ዝተቐትሉ ኣብቲ ሽዑ እዋን መራሒ ሊባኖስ ናይ ዝነበሩ ወላዲኡ ራፊቕ ኣል ሓሪሪ መቓብር ከይዱ ናይ ሕልና ጸሎት ገይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሓሪሪ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ኮይኑ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ሳዓድ ሓሪሪ ምስ ፕሬዚደንት ኢማኑኤል ማክሮንን

Image copyright Reuters
ናይ ምስሊ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስትር ሳዓድ ሓሪሪ ምስ ፕሬዚደንት ኢማኑኤል ማክሮንን

ኣብቲ ኣብ ቴሌቭዥን ቀሪቡ ዝሃቦ መግለጺ '' ካብ ስልጣነይ ክለቅቕ ዝደለኹሉ ምኽንያት ሰባት ንዓይ ንምቕታል ይኣልሙ ስለዘለው እዩ'' ዝብል ሓሳብ ኣስሚዑ ነይሩ።

ኢራን ንሊባኖስ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ራህዋን ንኸይዓስል ትሰርሕ ከምዘላ ቀዳማይ ሚኒስትር ሳዓድ ሓሪሪ ተደጋጋሚ መግለጺ እናሃበ ጸኒሑ እዩ።

ዋላ'ኳ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ብዓርሰ ፍቓዱ ስልጣን ንኽለቕቕ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ጸቕጢ ከምዘይገበረሉ እንተገለጸ፡ ፕሬዚደንት ሊባኖስ ሚካኤል ኣዩን ግና ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ምልቓቕ ስዓድ ኢድ ስዑድ ዓረብ ከምዘሎ ገሊጹ'ዩ።

ዜግነት ሊባኖስን ስዑድ ዓረብን ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሊባኖስ ሳዓደ ሓሪሪ፡ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ጥሪት ከምዘለዎን መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ድማ ቀንዲ መሓዝኡ ከምዝኾነ ይግለጽ።